Beata Lemariam Eritrean Orthodox Tewahdo Church Dallas-Fort Worth

Beata Lemariam Eritrean Orthodox Tewahdo Church Dallas-Fort Worth Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Beata Lemariam Eritrean Orthodox Tewahdo Church Dallas-Fort Worth, Nonprofit Organization, White Settlement, TX.

Nonprofit Tax exempt Charity organization IRC code section 501 © (3).
•Preaching the religion of Orthodox Christianity Tewahedo •Teaching young children about their religion, culture and origin •usual liturgy, Christening, wedding , requiem

ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።Psalm 132  Behold, how good and how pleasant it is for brethren to dwell toge...
11/18/2021

ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።

Psalm 132 Behold, how good and how pleasant it is for brethren to dwell together in unity!

10/05/2021

1ይ ተሰሎንቄ 5:18
፲፰ - እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። ፲፱ - መንፈስ ኣይተጥፍኡ።

ኣቦታትና ንዝገብረልካ ግብረሉ ወይ ንገረሉ ይብሉ።
ክቡር ዶክተር ፍስሃየ (ዶክተር ጂ) Fesaha Gebrehiwot ኪኢላ ሕክምና ስኒ ብኣባላት ቤተክርስትያና ባእታ ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝተግብረሉ ዕድመ ብሓጎስ ተቀቢሉ ምስ ክልተ ሰራሕቴኛታቱ ጀሲካን ክሪስቲናን ተዳልዩ ብምምጻእ ንሕዝብና ብዛዕባ ስኒ ዘድሊ ሓበሬታን ማዕዳን ብምሃብ ከም ተወሳኪ ንህጻናትን መናእሰያት ደቅናን ብራሽ ኮልጌትን ናጻ ናይ መርመራን x-rayን ኣገልግሎት ዘውህብ ካርድን ብምሃብ ወለንታዊ ኣጎልግሎት ሂቡ። ኣምላክ ዝሃበካ ጸጋ ኣብ ቤቱ ተረኪብካ ንህዝብካ ከተግልግለሉ ሕልናካ ሰናይ ዘሕሰበካ እግዚኣብሄር ዝተረፈ ዘመንካ ኣዕዚዙ ይባርከልካ።

ሰላም ሕዝበ እግዚኣብሔር ከመይ ኣለኩም።  እዚ ጾም ናይ በረከት ናይ ጸጋ ክኮነለና እናተመነና ኣብ ሂወትኩም ሰላም ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነ።ቤት ትምህርቲ ሰንበት ባእታ ማርያም ዳላስ ፎር...
03/18/2021

ሰላም ሕዝበ እግዚኣብሔር ከመይ ኣለኩም። እዚ ጾም ናይ በረከት ናይ ጸጋ ክኮነለና እናተመነና ኣብ ሂወትኩም ሰላም ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነ።ቤት ትምህርቲ ሰንበት ባእታ ማርያም ዳላስ ፎርትዎርዝ ነዚ ጾም ዝከውን ጻውዒት እግዚኣብሔር ዝብል ኮርስ ካብ ጽባሕ ቀዳም ጀሚሩ ክህብ ስለዝኮነ በዚ ዝስዕብ ናይ ዙም (zoom) መንገዲ ክትሳተፉ ብትሕትና ንጽውዕ።

ስም ኮርስ ፥ ጻውዒት እግዚኣብሔር
መዓልቲ ዝውሃበሉ፥ ቀዳም ቀዳም
ሰዓት ፥ 6ድ.ቐ - 7ድ.ቐ Central Time Zone
ኣገባብ ዝውሃበሉ online ብzoom

Phone Number: +1 346 248 7799
zoom meeting ID: 816 7885 8144
Passcode: 939347

zoomLink : https://us02web.zoom.us/j/81678858144?pwd=S3JzcEUyUkRMK0NxNGVJRDR4Z3Jodz09

02/02/2021
Our Youth Sunday School members
12/18/2020

Our Youth Sunday School members

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴ...
12/10/2020

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡ ካብ ቤት ዳዊት ካብ ዝኾኑ ኢያቄምን ሓናን ሕጋዊ ብዝኾነ ሩካቤ ዝተረኽበት ጓል መብጽዓ እያ። ምስ ተወልደት ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ወሲዶም ንቤተ መቅደስ ሃብዋ። ውሉድካ ንቤተ እግዚአብሔር ምሃብን ኣብኡ እናኣገልገሉ ከምዝዓበዩ ምግባርን ኣብቶም ቅዱሳን ወለዲ ልሙድ እዩ። ከም በዓል ነቢይ ሳሙኤል ኣብ ቤተ መቅደስ ዓብዮም ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝተወፈዩ እዮም ነይሮም።
ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድመ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት እያ’ሞ ገና ኣፋ እኽሊ፡ ከብዳ ድማ ዘመድ ከይለመደ ካብ ሕቍፊ ኣደኣ ሓና ተወሲዳ፣ ንሥላሴ ከም ኣቦን ኣደን፡ ንመላእኽት ድማ ከም ኃውን ኃፍትን ገይራ ኣብ ቤተ መቅደስ ንክትዓቢ ብ3 ታኅሣሥ ተዋህበት።
ናብ ቤተ መቅደስ ምስ ኣምጽእዋ ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንካህናት ኣኪቡ ብዛዕባ መግባ ኽመክር ከሎ ቅዱስ ፋኑኤል መልኣኽ ኅብስት ሰማያውን ጽዋዕ ሰማያውን ኂዙ ተራእየ።
ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንኣይ ዝመጸ እዩ ኢሉ ክቕበል እንተ ተንሥኦ ንላዕሊ ረኃቐ፣ ቀጺሉ ናቱ ሰዓቢ ስምዖን’ውን ኽቅበል ደልዩ እንተ ቐረበ ንእኡ ኸኣ ረኃቖ። ጥበብ እግዚአብሔር ኣይፍለጥን’ዩ፡ ምናልባት ናብዛ ሕፃን ዝመጸ ሃብቲ ከይከውን ኢሎም ንበይና ገዲፎማ ድኅር እንተበሉ፣ ንሳ ድማ ደድኅሪ ኣደኣ ክትስዕብ ከላ፡ ብፍጥነት እቲ መልኣኽ ወሪዱ ሓደ ክንፉ ኣንጺፉ ንሓደ ክንፉ ጋሪዱ ክንዲ ቁመት ሰብኣይ ዝኣክል ካብ ምድሪ ክብ ኣቢሉ መጊብዋ ዓረገ። እምበኣር እዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ ኢሎም ብ 3 ታኅሣሥ ናብ ቤተ መቅደስ ኣእተዉዋ። (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 38-44) ነዚ ንምኽባር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣደኣን ሠለስተ ዓመት ጸኒሓ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ 3 ታኅሣሥ ‘በአታ ለማርያም’ እናበለት ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተብዕሎ።
ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ጀሚራ ኣብ ቤተ መቅደስ መላእኽቲ ዘምጽኡላ ሰማያዊ ኅብስት እናተመገበት፡ ሰማያዊ መስተ እናሰተየት፡ ሓርን ወርቅን ኣሰማሚዓ እናፈተለት ብሞግዚትነት መላእኽቲ ዓበየት፣ እምበር ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ከምተን ቅድሜኣን ድኅሬኣን ዝኾና ሕፃናትን ኣዋልድን ብስሓቅን ጸወታን ዝዓበየት ኣይኮነትን። ቅዱስ ያሬድ፡ ‘ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ፡ ከመዝ ነበርኪ ዓሠርተ ወክልኤተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት’ (ኣንቀጸ ብርሃን) ኢሉ ከምዝጠቐሶ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቅድስናን ብንጽሕናን እናኣገልገለት ኣብ ቤተ መቅደስ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ምስ ተቐመጠት፡ ልማድ ኣንስቲ ዘይብላ ንጽሕተ ንጹሓን ክነሳ ኣይሁድ ብመንቀኝነት ተላዒሎም ‘ንቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትውፃእ’ በሉ።
ካህን ዘካርያስ ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ጥበብ መሠረት ብሠለስተ መሰኻኽር እቲ ዘመዳ ዝኾነ ኣረጋዊ ዮሴፍ ምእንቲ ክሕልዋ ብሓደራ ተዋህበት። ሀብተ ንጽሕና ዝነበሮ ዮሴፍ ሓላዊኣ ኮይኑ ምስኣ እንተነበረ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ሰለዝነበረት፡ ንሓደ ኣካል ካብ ቅድስት ሥላሴ ንኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ብድንግልና ፀኒሳ ብድንግልና ከም እትወልዶ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣበሠራ፣ ንሳ ድማ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ኣደ ኣምላኽ ክትከውን በቕዐት። (ሉቃ. 1፡26-28)
ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር እምንቲ መዝገብ ምሥጢር ኮነት፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ገዛኢ ጸልማት ዲያብሎስ ዝስዕር ኣማናዊ ብርሃን ፀሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ኣማናዊት ምሥራቅ ምኽንያት ድኅነትና ብምዃና ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ሥፍራ ኣለዋ። ድኅሪ ስም ሥላሴ ቀጺልና ናታ ስም ምጽዋዕ፡ ድኅሪ ንፈጣሪ ዝቐርብ ምስጋና ኣስዒብና ንኣና ምምስጋን፣ ናይ ወዳን ፈጣሪኣን ለውሃትን ተኣምርን ድኅሪ ምዝራብ ናታ ፍቕርን ተኣምርን ምዝራብ ልሙድ እዩ።
ስለዚ ነዛ እግዚኣብሔር ዘኽበራን ዝኃረያን (መዝ. 132፡13-14) ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ በዓላ (በአታ ማርያም ፫ ታኅሣሥ) እንተኣኽበርናን ብስማ እንተ ተማኅፀንናን ሰማያዊ ዓስቢ፡ በረከተ ሥጋ ወነፍስ ዘውህብ እዩ’ሞ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ጸሎታን በረከታን ምሕረት ፍቁር ወልዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን።
(ምንጪ ልሳነ ተዋህዶ ዌብሳይት)

ገበርቲ ሰናይ እግዚኣብሄር ብዝሃቦም ጸጋ ነቲ መሐበሪ ስም  ዘይነበሮ ቤተክርስትያና ዓስቢ ክረክቡ ሙሉእ ወጻኢታት ብምሽፋን መሐበሪ ስም ኣስሪሖሞ ኣለው።እግዚኣብሄር ዘውጽዎ ይመልኣሎም  “Yo...
12/09/2020

ገበርቲ ሰናይ እግዚኣብሄር ብዝሃቦም ጸጋ ነቲ መሐበሪ ስም ዘይነበሮ ቤተክርስትያና ዓስቢ ክረክቡ ሙሉእ ወጻኢታት ብምሽፋን መሐበሪ ስም ኣስሪሖሞ ኣለው።እግዚኣብሄር ዘውጽዎ ይመልኣሎም

“You shall generously give to him, and your heart shall not be grieved when you give to him, because for this thing the LORD your God will bless you in all your work and in all your undertakings.” Deuteronomy 15:10

Address

White Settlement, TX
76108

Opening Hours

7am - 1:30pm

Telephone

+16828411818

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Beata Lemariam Eritrean Orthodox Tewahdo Church Dallas-Fort Worth posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Beata Lemariam Eritrean Orthodox Tewahdo Church Dallas-Fort Worth:

Share