Eritrean Community Center inc.

Eritrean Community Center inc. The community center will be the main point of our first generation Eritreans born in America to be educated and connected with thier country of Origin.

Eritrean Community Center is organized for purpose of having a community center for Culture, education, social interaction and comminication for Eritrean/ American living in the city of Houston and it's surrounding.

08/02/2024

semere is sport Entertainment Channel .Eritrean Artist , New Eritrean Movie 2024,New Eritrean music 2024,new E...

ኣውሓስቲ’ዶ ሓንከርቲ? “ሰብኣዊ ክብረትና ከሕድጉና ኣይክእሉን እዮም፣ ባዕልና ኣሕሊፍና እንተዘይሂብናዮም” ማህተማ ጋንዲቅልውላው ኣብ ዝተኸስተሉ ከባቢ፡ ገለ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ...
03/06/2024

ኣውሓስቲ’ዶ ሓንከርቲ?

“ሰብኣዊ ክብረትና ከሕድጉና ኣይክእሉን እዮም፣ ባዕልና ኣሕሊፍና እንተዘይሂብናዮም” ማህተማ ጋንዲ

ቅልውላው ኣብ ዝተኸስተሉ ከባቢ፡ ገለ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን “ፍሉይ ልኡኽ” ክምዝዛን ክልእኻን ምርኣይ ሎሚ-ሎሚ ልሙድ እናዀነ ዝመጸ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ’ዩ። እዚ ግን፡ ንዕላማ ናይ’ቲ ለኣኺ ኣካል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ክልተ ዝብልሑ ሴፍ’ዩ ዝግለጽ። ግዜን ተመኲሮን ዘነጸሮን ዘረጋገጾን’ውን ንሱ’ዩ።
ምኽንያቱ፡ ገለ ሃገራት/ውድባት ነቲ ጉዳይ ክፈትሓ ብቕንዕና ዝንቀሳቐሳ ክዀና ከለዋ፣ ገለ ግና ስቱር ኣጀንዳታት ስለዝህልወን፡ ነቲ ኩነታት ዘብእስ ሓንካሪ ተራ ክጻወታ’የን ዝርኣያ።
ኣቐዲሙ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ብ26 ታሕሳስ 2022 ኣብ መጽሄት “Foreign Affairs Magazine” ንሕትመት ኣብ ዝበቕዐ ዓንቀጹ፡ ነቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ 2018 ዝገበርዎ ስሉሳዊ ርክብ “ስግኣት ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን” ክብል ምጥቃሱ፡ ነቲ ስቱር ኣጀንዳኡ’ዩ ኣውኪኡ። እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ “ፍሉይ ልኡኽ” ተባሂሉ ዝተሰየመ ማይክ ሃመር’ውን፡ ካብ’ዚ ዝፍለ ኣጀንዳ -ምሕንካር - ዘለዎ ኣይመስልን።
ዘይንቡር ክደጋገም ከሎ ንቡር ይመስል’ዩ። ማይክ ሃመር ኮነ ገለ ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳ፡ ቅልውላው ከመሓድሩ ኣብ ዝመጽእሉ፡ ክብሪ ሃገር ከየሰከፎም፡ መተካእታ መንግስቲ ኮይኖም ታሕቲ ክወርዱ ምርኣይ ንቡር ተወሲዱ ኣሎ። መራኸቢ ብዙሓን ዞባና፡ እዞም ልኡኻት፡ ልኡላውነት ህዝቢን መንግስትን ከይዓጠጦም፡ ሰብ-ጉዳይ ንጎድኒ ኣጸጊዖም ዝህብዎ መግለጺታት ከጋውሓ ኣየሕፍረንን። ኣርካናት፡ ‘ድኹማት ክነመሓድር ሓላፍነት ኣለና’ እንተበሉ ኣየገርምን። እቲ ውሕልነትን ብስለትን ድማ፡ ኣብ መጻወድያኦም ዘይምውዳቕ’ዩ።
እዞም ልኡኻት እና’ኽመጽኡ፡ ብጋህዲ “ባድመ” እኳ እንተዘይበሉ፡ ብሓናኽ ድምጺ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ መርዚ ይተፍኡ እዮም። ከምዝፍለጥ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ እዮም። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ሎሚ ዘይኮነ ቀደም ብብይን ኮምሽን ዶብ ሚያዝያ 2002 ተሓንጺጹ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ብማንዛ ተመልኪቱ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተዓጽወ ፋይል ምዃኑ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። እናፈለጡ ግን፡ ን20 ዓመታት ዝኣክል ጎበጣ ብምስሳይ፡ ኣብ ክንዲ ኣውሓስቲ ሓንከርቲ ኮይኖም ቅልውላው ከመሓድሩ ጸኒሖም። ነዊሕ ዓመታት ካብ ሓላፍነቶም በዂሮም ከይኣክል፡ መወዳእታኡ ዕንደራ መሪቖም ብዘውረድዎ ከቢድ ዕንወትን መቕዘፍቲን፡ ህዝቢ ትግራይ ዝጨለጦ መሪር ዕረ ከኣ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን እዩ።
“ወራር፡ ዘይናትካ ምግባት ሕማም ኣእምሮ’ዩ፣ ኣብ ምዕራብ ተወሊዱ ዝተላብዐ ሕማም፣” ይብል ነበረ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣሕመድ ቤን ቤላ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸጋታት ምድሪን ባሕርን ደሴታትን እምበረ መጠን ኣብዚሑ ዝተዓደለ ህዝቢ’ዩ። እንዳማቱ ዘብህግ የብሉን። ‘ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ኣይንህብን’ እዩ መትከሉ። ኣብ ታሪኹ ‘ተወሪሩ’ እምበር ‘ወሪሩ ዓዲ እከለ በጺሑ ነይሩ’ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን። ንወራር፡ ዘይናትካ ምንብሃቚ ይፍንፍኖ እምበር ጅግንነት ኣይቆጽሮን። ብሰሪ ተሃራፊ ጸጋታት ባሕሩን መሬቱን ግና፡ ወትሩ ግዳይ ናይ ቀረባን ርሑቕን ወረርቲ ምስ ኮነ’ዩ። እምብዛ ዘሐብን ታሪኹ፡ ታሪኽ ርእሰ-ምክልኻል እዩ። ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ መኸተ ተጸሚዱ፡ ኢዱ ከይሃበ፡ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሓያላን ኣላሽ ኣቢሉ፡ ርስቱ ዘውሓሰ ተባዕ ህዝቢ ድማ’ዩ። መዳርግቲ ዘይርከቦ ጅግና ሰራዊቱ፡ ሳሕቲ ክንዮ ርስቱ እንተሰገረ፡ ዓንደርቲ ብዂርማጅ ቀጺዑ ንምእዳብ ጥራይ እዩ።
ጭውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈታዊን ጸላኢን ኩሉ ዝምስክሮ’ዩ። ሓንካሮ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ እናተሰከፉ በጨቕ ዝብሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ልኡላዊ መሬቱ ወጻኢ ከምዘይርከብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይናቱ ከምዘይደሊ ኣዳዕዲዖም ስለዝፈልጡ እዮም። ወነንቲ ቴክኖሎጂ ብምዃኖም ከኣ ልዕሊ ማንም፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሶም ይፈልጥዎ። ሓቂ እናፈልጥካን ብዓይንኻ እናርኣኻን ሓሶት ካብ ምግዋሕ ዝኸፍእ ሕስረት የለን።
በዚ ክንቲት ዘመተ’ዚ ክሕፈስ ዝድለ ዘሎ ምህርቲ ግን እንታይ’ዩ? ዘራእቲ ዕግርግር፡ ተዓሽዩ ንውግእ ዝሓንን በሃም እዮም ዘናድዩ ዘለዉ። ዕላማኦም ምንቛት እምበር ሰላም ምስፋን ከምዘይኮነ ኣእምሮ ንዘለዎ ርእሰ-ግሉጽ’ዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግዳ፡ ህዝቢ ንተንኰሎም መሪር ዋጋ ከፊሉሉ፡ ዝኣክል ተማሂሩሉ ኣሎ። በዚ ብሉይ ሜላ ምስዋር ጽልኢን ኲናትን ዳግም ዝድንቊር ስለዘየለ ከኣ፡ መልሱ ‘ንዓሻኹም በሉዎ’ እዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

MOI Eritrea

03/05/2024

cinema semere Today : NEW ERITREAN INTERVIEW : Tigrinya joke ሕክያ 2023 || cinema semere tubecinema semere is sport Ent...

12/31/2023
12/22/2023

Justice for Eritrean citizens in Ethiopia.

10/31/2023

Our precious Brother Nahom Bereket has encountered a severe car crash which left him with a broken neck, a fractured rib...
07/01/2023

Our precious Brother Nahom Bereket has encountered a severe car crash which left him with a broken neck, a fractured rib cage, and a broken artery near his heart. He is undergoing multiple surgeries as we are still waiting patiently for his release and full recovery. Please kindly donate what you can to help pay for his recovery as well as help with taking stress of his shoulders after he gets out.

እንፈትዎ ሓውና ናሆም በረኸት፡ ብዘጋጠሞ ከቢድ ሓደጋ መኪና ኣብ ትሕቲ ሕክምና ተዓቚቡ ይርከብ። በቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ መስበርቲ ክሳድን መሰናግለን ከምኡ'ውን ከቢድ መጉዳእቲ ኣብ ጥቃ ልቢ ዝርከብ ቀንዲ መተሓላለፊ ሻምብቆ ደም ኣጋጢምዎ ኣሎ። ሓካይም ብርክት ዝበለ መጥባሕቲትት የካይድሉ ኣለው። ዕውት መጥባሕቲ ጌሩ ብሕይወት ክሰርር ብጸሎትን ተስፋን ንጽበይ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ኣሕዋትን ኣሓትን ንናይ ናሆም ሓውና መሕከሚ ገንዘብ ኣዝዪ ብዙሕን ልዕሊ ዓቅምና ስለ ዝኾነን ዓቅምኹም ዘፍቅዶ ክትሕግዙና ብትሕትና ንሓትት።

ልዑል ፈጣሪ ምሕረት ክህቦ ንልምን!

የቀንየልና!!

Our precious nahom bereket has encountered a severe car crash which left him with a broken n… Thushara Mathew needs your support for Nahom Bereket’s recovery

Eritrean residing in Houston, TX will be celebrating the 32nd Independence Day Anniversary under the theme “Heroic Feat ...
05/23/2023

Eritrean residing in Houston, TX will be celebrating the 32nd Independence Day Anniversary under the theme “Heroic Feat Anchored on Cohesive Ranks”

  Let us make a critical contribution now topurchase the necessary modern health equipment to fight cancer and ensure ma...
05/13/2023



Let us make a critical contribution now to
purchase the necessary modern health equipment to fight cancer and ensure maternal and child health in
Eritrea.

Address

Houston, TX

Opening Hours

Monday 9am - 5pm
Tuesday 9am - 5pm
Wednesday 9am - 5pm
Thursday 9am - 5pm
Friday 9am - 5pm
Saturday 9am - 5pm
Sunday 9am - 5pm

Telephone

+17138350845

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eritrean Community Center inc. posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Eritrean Community Center inc.:

Share