Integrate with the Swedish Society

Integrate with the Swedish Society Emailadress; [email protected]

ካብ social ገንዘብ ንዝቕበሉ ሰባት ዝምልከት ሓዱሽ ሕጊ ጸዲቑ !ኣብ ሽወደን ኩሎም ካብ social ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት ካብ 1 ሓምለ 2026 ሓዱሽ ተሪር ሕጊ ኣብ ግብሪ ክዉዕል እዩ።እ...
24/06/2026

ካብ social ገንዘብ ንዝቕበሉ ሰባት ዝምልከት ሓዱሽ ሕጊ ጸዲቑ !

ኣብ ሽወደን ኩሎም ካብ social ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት ካብ 1 ሓምለ 2026 ሓዱሽ ተሪር ሕጊ ኣብ ግብሪ ክዉዕል እዩ።እዚ ሓዱሽ ሕጊ ኩሎም እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮሙን ካብ social ( ምምሕዳር) ገንዘብ ንዝቕበሉ ሰባት ዝምከት ሓዱሽ ሕጊ እዩ።

በዚ መሰረት እቶም ንመግቢ፣ ክዳውንትን መንበሪ ገዛን ካልእ መሰረታዊ ሓገዛትን ተባሂሉ ካብ ኮሙን ናይ መነባብሮ ሓገዝ (försörjningsstöd) ንምርካብ መንግስቲ ኣታኣታትይዎ ዘሎ ሓዱሽ መምዘኒታት ከማልኡ ዝግድድ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክዉዕል እዩ።

ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ኩሉ ሰብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኮሙን ( ምምሕዳር) ካብ ሶሻል ገንዘብ ክዋሃብ እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ሰለስተ ወርሒ ብተኸታታሊ ካብቲ ዝነብሮ ምምሕዳር ናይ መነባብሮ ሓገዝ ክወስድ እንጸኒሑ፡ ነቲ ሓገዝ ንምቕጻል ኣብ ዝኾነ ንጥፈት ክሳተፍ ዘገድድ ሕጊ እዩ።

እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ካብ ሶሻል ገንዘብ ክዋሃብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ፕራክቲክ ክኸይድ ይግደድ። እዚ ንጥፈት እዚ ከም ተመክሮ ስራሕ (praktik)፣ ስራሕ ምድላይ ወይ መጽናዕቲ ቋንቋ ዝኣመሰሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንጥፈት ድማ ምሉእ ግዜ (hel tid) ክኸውን ኣለዎ።

እንተኾነ ግን ካብ ብዙሓት ወገናት ከቢድ ተቓዉሞ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ሓዱሽ ሕጊ፡ ነቶም ብቑጠባ ዝተሃሰዩ ሰባት ናብ ዝገደደ ቁጠባዊ ቅልውላው ከእትዎም ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ምሉእ ግዜ ንጥፈታት ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶታት ዉን ይስምዑ ኣለዉ።

እዚ ለውጢ እዚ ክፋል ናይቲ መንግስቲ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብ፡ ካብ መንግስቲ ተጸባዪ ዝኾነ ሰብ ካብ መንግስቲ ዝዋሃብ ሓገዛት ንምንካይ ዝዓለመ እዩ ። እዚ ሒጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ናይ ሓገዝ ተጸበይቲ (bidragsberoende) ተታሒዞም ከም ዘለዉን ምስ ዕዳጋ ስራሕ ድማ ድኹም ምትእስሳር ከም ዘለዎምን ይኣምን።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
24 ሰነ 2026

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘይምልከተኩም ሰባት መዓል መን ኢኹም ?ካብ ዕለት 12 ሓምለ 2026 ንደሓር ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ደው ኢሉ ስለ ዘሎ፡ እዞም ብሰንኪ እዚ ኣብ ታሕቲ  ተዘርዚ...
22/06/2026

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘይምልከተኩም ሰባት መዓል መን ኢኹም ?

ካብ ዕለት 12 ሓምለ 2026 ንደሓር ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ደው ኢሉ ስለ ዘሎ፡ እዞም ብሰንኪ እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ምኽንያታት መንበሪ ፍቓድ ዘለኩም ሰባት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክተረኽቡ ኣይትኽሉን ኢኹም።

📌ብሰንኪ ናይ ፖለቲካዊን ዕቝባ (skyddsbehov) ዝወሰድምኩም

📌 ብሰንኪ ፍሉይ ኣገዳሲ ዝዀነ ኩነታት (synnerligen ömmande omständigheter)

📌 ብሰንኪ ዘይወግድ ናይ ምስጓግ ዕንቅፋት (bestående verkställighetshinder)
📌 ናይ ነዊሕ እዋን ተቐማጢ (varaktigt bosatt) ዝብል መዓርግ ዘለዎም፣ ወይ

📌 ናይ ሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ፍቓዳት ዘለዎም ሰባት በዓል ሓዳር/ኣባል ስድራቤት (anhörig)።

እዚ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረኩም ሰባት ኣይምልከተኩምን እዩ።

ብዙሓት ሰባት፣ ናይ ቀጻሊ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ዜግነት ንምርካብ ሓደ ካብቶም ረቋሒታት (ቅድመ-ኩነታት) ስለ ዝዀነ፣ እዚ ለውጢ እዚ ነቲ ናይ ሽወደን ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድል ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ይሓቱ ኣለዉ።

መንበሪ ፍቓዶም ከምዚ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት እንተኾይኖም፣ ዋላ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኣይሃልዎም ዜግነት ሽወደን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት ሓኦለፋታታን ዜግነት ንምርካብ መሰል ከም ዘለዎም እኳ ተሓቢሩ እንተሎ፡ Migrationsverket ክሳብ ሕጂ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሓበሩን ኣለዉ። ኣብ ቐጻሊ ንጹር መብርሂ ምስ ረኸብኩ ክምለሰኩም እየ።

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
2026-06-22

https://www.migrationsverket.se/nyheter/nyhetsarkiv/2026-06-18-inga-permanenta-uppehallstillstand-for-tidigare-asylsokande-och-deras-anhoriga.html?fbclid=IwY2xjawSl4IlleHRuA2FlbQIxMABicmlkETBJWDRpQkNJTlQzMzJ3b2FRc3J0YwZhcHBfaWQQMjIyMDM5MTc4ODIwMDg5MgABHmzfLwQwkySdT6X8Ch65vm7_Fbu-u4cJuNdYEtcqMtTCDsbMbEo97VuLdarq_aem_PWrxBkn7QwPhRsBxukX1Bw

22/06/2026

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

ኤርትራዉያን ኣብ ሽወደን ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም !Dagens Nyheter ዝተሃህለ ዝዓበየ ማዕከን ዜና ሽወደን ብ 3 ሰነ 2026፡ '' ኣየኖት ስደተኛታታ እዮም ቀልጢፎም ምስ ሕብረሰብ ሽወደን...
20/06/2026

ኤርትራዉያን ኣብ ሽወደን ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም !

Dagens Nyheter ዝተሃህለ ዝዓበየ ማዕከን ዜና ሽወደን ብ 3 ሰነ 2026፡ '' ኣየኖት ስደተኛታታ እዮም ቀልጢፎም ምስ ሕብረሰብ ሽወደን ተዋሃሂዶም ኣብ ስራሕ ዓለም ዝጽንበሩ '' ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራዉያን ደቂ ተባዕትዮ ክሕዙ ከለዉ፡ ሶማላዉያን ደቀ ኣንስትዮ ከኣ እተን ቀልጢፈን ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ዘይወሃሃዳ ብምባል ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን።

ካብ መጀመርታ 21 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ መጠን ናይ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ህዝቢ ሽወደን ብኽልተ ዕጽፊ ክብ ከም ዝበለ ዝፍለጥ ኮይኑ።ካብ 11% ናብ 20% በጺሑ። ስለዚ እያ ከኣ ሽወደን ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ዝለዓለ መጠን ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ነበርቲ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት።

በዚ መሰረት ውህደት ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን (integration) ኣብ ሽወደን ኣገዳሲ ዝኸዉን። ምኽንያቱ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ብቐጥታ ኣብ ኩሉ ኢኮኖሚ ሕብረተሰብ ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዕላማታት ፖሊሲ ውህደት ሽወደን ከኣ፡ ሰባት ብዝቐልጠፈ መንገዲ ናብ ስራሕ ዓለም ከሳትፎም ዝኸእል ዓቅሚ ምኽዕባት እዩ ።

ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ሽወደናዉያን ብዙሕ ግዜ ዝለዓል ክትዓት፡ ብፍላይ ምስቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ገበናት ብምትሕሓዝ፡ ስደትኛታት ብኣሉታ ክጥቀሱ ጸኒሖምን ኣለዉን። በዚ ወጺኡ ዘሎ ሓዱሽ ጸብጻብ እምበኣር፡ ኣብ ሽወደን ቀልጢፎም ስራሕ ረኺቦም ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ክዋሃሃዱ ዘየጸግሞም፡ እቶም ናብ ሽወደን ብምኽንያት ስራሕ ካብ ሃገራት ስካንድናቭያ (ካብ ፊንላንድ፣ ኖርወይን ደንማርክ ) ዝመጹ ቀልጢፎም ኣብ ስራሕ ብምርካብ ምቐዳምነት ክስርዑ ከለዉ፡ ስደተኛታት ኮይኖም ብስራሕ ካብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ (ካብ ሃገራት ጀርመን፣ ብሪጣንያን ሆላንድን) ዝመጹ ዉን እቶም ኣብ ሽወደን ቀልቲፎም ስራሕ ዝረኽቡ ተባሂሎም ኣለዉ።

ብምኽንያት ናይ ፖለቲካዉን ማሕበራዉን ዑቕባ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ክነሶም፡ ቀልጢፎም ስራሕ ረኺቦም ካብ መላእ ዓለም ኣብ ስራሕ ዓለም ናይ ሽወደን ብምስታፍ ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም ዘለዉ ግን ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዉያን እዮም። እዚ ኣብ ሽወደን ንጽቡቕ ምስሊ ኤርትርዉያን ስደተኛትታ ዘጉልሕን ኤርትራዉያን ኣብ ሽወደን ብሽወደናዉያን ኣወንታዊ ኣጠማምታ ንኽህልዎም ዝሕግዝ ኣወንታዊ ዉጺኢት ስለ ዝኾነ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዉያን.....እንቋዕ ኣሐጎሰና!

ተልለወይኒ ኣስመላሽ
2026-06-20

https://www.dn.se/sverige/fakta-i-fragan-vilka-invandrare-integreras-snabbast/

Travel & Försäkringskassan: Important warnings about traveling with...

ኣብ ሽወደን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ናበይ ከም ንድዉል ንፈልጥ ዶ ፧ኣገደስቲ ቁጽሪ ተሌፎናት• SOS (ኩነታት ህጹጽ)ን 112• ፖሊስ (ዘይ-ህጹጽ ኩነታት) 114 14• Brottsofferjoure...
19/06/2026

ኣብ ሽወደን ኣብ ህጹጽ ኩነታት
ናበይ ከም ንድዉል ንፈልጥ ዶ ፧

ኣገደስቲ ቁጽሪ ተሌፎናት

• SOS (ኩነታት ህጹጽ)ን 112

• ፖሊስ (ዘይ-ህጹጽ ኩነታት) 114 14

• Brottsofferjouren (ገበን ዝወረዶም) 116 006

• Hjälplinjen (ናይ ሓገዝ መስመር): 90 390

• Kvinnofridslinjen ( ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽምስ ዝወርድ):116 016

• Stödlinjen för män (ሓገዝ ንደቂ ተባዕትዮ):020-80 80 80

• Stödlinjen för transpersoner (ንትራንስጀንደር): 020-55 00 00

• Rätt att välja (ብዛዕባ ምርጫ): 020-57 70 70

• Bris (ንህጻናት) 116 111

• Anhöriglinjen (ንስድራ ቤት/መሓዙት): 0200-239 500

• Jourhavande präst (ብህጹጽ ናይ ካህን/መራሕቲ ሃይማኖት ሓገዝ):112

• Mind Självmordslinjen (ምክልኻል ነብሰ-ቕትለት): 90 101

• Välj att sluta (ንገበርቲ ዓመጽ ዝሕግዝ): 020-55 56 66

• GAPF (ብሰንኪ ክብሪ/ክቡርነት ንዝተጠቕዑ): 08-711 60 32

• Jourhavande medmänniska (ምኽሪ ዝህቡ ሰባት): 08-702 16 80

• Anonyma alkoholister (ንኣማኸርቲ ናይ መስተ ዉሉፉት):08-720 38 42

• Anonyma narkomaner (ንኣማኸርቲ ናይ ሓሽሽ ዉሉፉት): 0771-13 80 00

• Vårdguiden (ምኽሪ ጥዕና): 1177

እዚ ሓበሬታ ንብዙሓት ክበጽሕ ኣካፍልዎ ወይ share ግበርዎ!

ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
2026-06-19

18/06/2026

Önskar er alla en riktigt glad midsommar!

Må dagen fyllas med glädje, gemenskap, skratt och fina stunder tillsammans med familj och vänner.

Trevlig midsommar önskar vi på Delina Consulting !

18/06/2026

ነዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ኣብ ሽወደን ዝካየድ ምርጫ እዋናዉን ኣገዳስን ሓበሬታታት ንለዋወጠሉ ናይ WhatsApp-grupp ፕላትፎርም እንተኸፈትና ከመይ ይመስለኩም? ሓሳብኩም ኣብ ኮመንት ጸሓፉ!

ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሽወደን ክሰዓር እዩ ዝብል መጽናዕቲ ቀሪቡ !ብመሰረት ናይ ወርሒ ግንቦት ዝተገብረ መጽናዕቲ:እዚ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ሽወደን:ኣብቲ ዝመጽእ 13 መስከረም...
17/06/2026

ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሽወደን ክሰዓር እዩ ዝብል መጽናዕቲ ቀሪቡ !

ብመሰረት ናይ ወርሒ ግንቦት ዝተገብረ መጽናዕቲ:እዚ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ሽወደን:ኣብቲ ዝመጽእ 13 መስከረም ኣብ ሽወደን ዝካየድ ምርጫ ክሰዓር እዩ ክብል 55% ዉጺኢት ናይቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

45% ዉጽኢት ናይቲ መጽዕቲ ከኣ :እዚ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ሂቡ ኣሎ።

በዚ ኮይኑ በቲ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ መጽናዕቲ እዚ ዘሎ መንግስቲ ከም ዝሰዓር ሎሚ ረቡዕ 17 ሰነ ተሓቢሩ ኣሎ እሞ: ዉድቀትን ስዕረትን ናይዚ ዘሎ መንግስቲ የስማዓና.....ኣሜን.....!

En majoritet av väljarna tror att oppositionen vinner valet i september, enligt en ny Indikator-mätning åt Ekot.

Hasebu Consulting !ኣብ ሽወደን ትካል ንኽትከፍቱ ሞያዊ ምኽርታት እንተደሊኹም Hasebu Consulting ተወከሱ።Abubeker Abdulalim  !
17/06/2026

Hasebu Consulting !

ኣብ ሽወደን ትካል ንኽትከፍቱ ሞያዊ ምኽርታት እንተደሊኹም Hasebu Consulting ተወከሱ።

Abubeker Abdulalim !

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

Adress

O'Learys Vällingby ( En Trapp Upp)
Vällingby
16265

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Integrate with the Swedish Society postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Organisationen

Skicka ett meddelande till Integrate with the Swedish Society:

Dela