Tigrianska Riksföreningen

Tigrianska Riksföreningen Tigrian organsation in Sweden.

17/04/2026
ሰላም !ናብ ልብና ንመለስ !!ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ብዙሓት ዓለም-ለኻዊ ተሓታትነትን ፍርድን ዘድልዮም ገበን ወራር (Crime of Agression) ፣ ገበን ኲናት (W...
17/03/2026

ሰላም !
ናብ ልብና ንመለስ !!

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ብዙሓት ዓለም-ለኻዊ ተሓታትነትን ፍርድን ዘድልዮም ገበን ወራር (Crime of Agression) ፣ ገበን ኲናት (War Crime) ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፀም ገበንን (Crimes Against Humanity) ገበን ዘርኢ ምፅናትን (Genocide) ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ ኣርባዕቲኦም ዓለምለኻዊ ገበናት ዝምደቡ ተወሰኽቲ ገበናት ዝተፈፀሙ እንትኾን፤ ንኣብነት ዝተወሰኑ ንምግላፅ ዝኣክል፦

ኣብ ልዕሊ ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ሰባት ዝተፈፀመ ገበን (crime against Peace and Security of Mankind) ፤
ብሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዝተፈፀመ ወራር (Crime of Agression) ፤
ናይ ህዝቢ ህልውናን ድሕንነትን ናብ ሓደጋ ንምውዳቕን ወራር ንምፍፃምን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ውዲት/ ሽርሒ ምፍሓስን ምትግባርን (Crime of Conspiracy) ፤
ምፅፃይ ዘርኢ (Ethnic Cleansing) ፤
ብኲናትን ኣብ ኲናትን ህዝቢ ናይ ምርዓድ ገበን (Crime of Terrorism in War)፤ o ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም (Crime of using Famine as a weapon of War) ፤
ዕፅዋ መሰረተ ልምዓት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም (Crime of shutdown of basic infrastructures as a weapon of War and Genocide) ፤
ንናብራ ወዲ ሰብ መሰረታዊ ዝኾኑ ሃፍትን ጥሪትን ምብዳምን ምርሳይን (Crime of destroying and looting of basic livelihoods of human beings) ፤
ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናትን ዘርኢ ምፅናትን ምጥቃም (Crime of using r**e as a weapon of war and Genocide)
ገበን ምብራስን ምርሳይን ባህላውን ታሪኻውን ሓድግታት ፤
እዞም ዝተጠቐሱ ገበናት ሓዊሱ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ኲናት ብኣፈፃፅመኦም ኮነ ብዕላምኦም ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ንምትግባር ብዘኽእል መንገዲ ዝተፈፀሙ እዮም። ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት (Genocide) ተፈፂሙን ይፍፀም ኣሎን።
እዚ ኹሉ እዩ ተፈፂምዎ ህዝቢ ትግራይ!!
እሞ ሲ እዙይ ረሲዕናስ እንታይ ኢና ንገብር ኣለና ዝብል ኣምላኽ ዝሓስብ ኣእምሮ ዓዲሉናስ ግዜና ኣብ ሕኹትኩት ክነሕለፎ ??? ምሁራትን ልሂቃትን ትግራይ ዲያስፖራ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንቀራቕሮ ኣትዩ ሰማዓይ ሲኢኑ ይዳመፅ ኣሎ !! መፍትሒ ንናዲ !!

26/02/2026

መዐደምታ !!
ኣብ ሃገረ ስዊድን ከተማ ስቶኮሆልም February 28 ዝካየድ መበል 51 ምጅማር ዝተወደበ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ስቶክሆልምን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ስዊድን እንነብር ተጋሩ ናይ ሎሚ ዘበን እነኽብሮ ዘይንደራደረሉ ኣካል ታሪኽና ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ለካቲት 11 ኣብ ህዝብና ብውሽጥን ብደገን ዝወረደ ግፍዕታትን ዝበፅሖ ዘሎ ናይ ሰላሕታ ጆኖሳይድን
ህዝብና ኣብ ሕሱም ጥምየት ክፋእን ኣብ ዝጥሓለሉ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ዘንፀላሉ ዘሎ ናይ ኹናት ደመና ኮይንና እነክብሮ ብምኻኑ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ፍሉይ ይገብሮ:: እዙይ ድማ ነንበይንና ተፈላሊና ክንፃወሮ ዘይንኽእል ሸርሒ ፀላእቲ ኣብዚ በዓል እዚ ተረኺብና ብንገብሮ ኩለመዳይ ተሳትፎ ሓድነትና ክጠናኸር እንፅዕረሉን እጃምና እነውፍየሉን ክኸውን ይግባእ ::
ስለዝኾነ ኣብ ህልውን መፃኢትን ትግራይ ኣድሂቡ ናይ ፓናል ምይይጥ፣ ሙዚቃን ዝሓውሰ ዝተፈላለየ ፕሮግራማት ክህልውና'ዮም::

ዕላማ ናይዚ በዓል ለካቲት 2026 ሓቢርና እንቃለሰሉ መድረኽ፣ እዋናዊ ኹነታት ትግራይ እንዝትየሉ ቐጻሊ ናይ ቓልሲ ኣንፍታተትን ትልሚታትን ወጊንና ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ሓድነትና ነረጋግፀሉን ተኣኻኺብና ድምፂ ህዝብና ክንከውን ክንሰርሕ ቃል እናኣትወሉ መድረኽ ክንገብሮ እዩ::

ኣብዚ መድረኽ ንክትርከቡልና ብኽብሪ እንዳዓደምና ዕውት ንኽኸውን ምትሕብባርኩም ከይፍለየና ብኽብሪ ንሓትት::

በዚ ኣጋጣሚ ዝርከብ ኣታዊ ኣ Sundbyberg ዝርከብ ንኣዳራሽ ማእከል ተጋሩ ምጥንኻርን ንህዝብና ንምሕጋዝ ዝውዕል ምዃኑ ክንገልፅ ንፈቱ::

እንራኸበሉ ቀዳም Februari 28 ኣብ Jämtlands gata 151 A Vällingby ይኹን :: ብደሓን ምፁ !!

መተሓባበሪ ኮሚተ የካቲት 11 2026 ስቶክሆልም !!

መዐደምታ !!ኣብ ሃገረ ስዊድን ከተማ ስቶኮሆልም  February 28 ዝካየድ መበል 51 ምጅማር ዝተወደበ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስቶክሆልምን  ኣብ ዝተፈላለየ  ከባብታት  ስዊድን እንነብ...
24/02/2026

መዐደምታ !!
ኣብ ሃገረ ስዊድን ከተማ ስቶኮሆልም February 28 ዝካየድ መበል 51 ምጅማር ዝተወደበ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ስቶክሆልምን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ስዊድን እንነብር ተጋሩ ናይ ሎሚ ዘበን እነኽብሮ ዘይንደራደረሉ ኣካል ታሪኽና ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ለካቲት 11 ኣብ ህዝብና ብውሽጥን ብደገን ዝወረደ ግፍዕታትን ዝበፅሖ ዘሎ ናይ ሰላሕታ ጆኖሳይድን
ህዝብና ኣብ ሕሱም ጥምየት ክፋእን ኣብ ዝጥሓለሉ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ዘንፀላሉ ዘሎ ናይ ኹናት ደመና ኮይንና እነክብሮ ብምኻኑ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ፍሉይ ይገብሮ:: እዙይ ድማ ነንበይንና ተፈላሊና ክንፃወሮ ዘይንኽእል ሸርሒ ፀላእቲ ኣብዚ በዓል እዚ ተረኺብና ብንገብሮ ኩለመዳይ ተሳትፎ ሓድነትና ክጠናኸር እንፅዕረሉን እጃምና እነውፍየሉን ክኸውን ይግባእ ::
ስለዝኾነ ኣብ ህልውን መፃኢትን ትግራይ ኣድሂቡ ናይ ፓናል ምይይጥ፣ ሙዚቃን ዝሓውሰ ዝተፈላለየ ፕሮግራማት ክህልውና'ዮም::

ዕላማ ናይዚ በዓል ለካቲት 2026 ሓቢርና እንቃለሰሉ መድረኽ፣ እዋናዊ ኹነታት ትግራይ እንዝትየሉ ቐጻሊ ናይ ቓልሲ ኣንፍታተትን ትልሚታትን ወጊንና ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ሓድነትና ነረጋግፀሉን ተኣኻኺብና ድምፂ ህዝብና ክንከውን ክንሰርሕ ቃል እናኣትወሉ መድረኽ ክንገብሮ እዩ::

ኣብዚ መድረኽ ንክትርከቡልና ብኽብሪ እንዳዓደምና ዕውት ንኽኸውን ምትሕብባርኩም ከይፍለየና ብኽብሪ ንሓትት::

በዚ ኣጋጣሚ ዝርከብ ኣታዊ ኣ Sundbyberg ዝርከብ ንኣዳራሽ ማእከል ተጋሩ ምጥንኻርን ንህዝብና ንምሕጋዝ ዝውዕል ምዃኑ ክንገልፅ ንፈቱ::

እንራኸበሉ ቀዳም Februari 28 ኣብ Jämtlands gata 151 A Vällingby ይኹን :: ብደሓን ምፁ !!

መተሓባበሪ ኮሚተ የካቲት 11 ስዊድን !!

👉🏽ማእገር ኣረጋውያንን ህፃውንትን👉🏽ደጋፊን ሓላይን  ዝሓመሙ👉🏽መዐንገሊ ንዝጠመየን ንዝፀምአን 👉🏽ንዝዓረቐ ከዳናይ ዝኾንካ ህዝበይ :-✍🏿ኣብ ሽግርን ፀበባን ኩሉ ግዜ ዘይትደክም ዘይስልችወካ...
22/12/2025

👉🏽ማእገር ኣረጋውያንን ህፃውንትን
👉🏽ደጋፊን ሓላይን ዝሓመሙ
👉🏽መዐንገሊ ንዝጠመየን ንዝፀምአን
👉🏽ንዝዓረቐ ከዳናይ ዝኾንካ ህዝበይ :-

✍🏿ኣብ ሽግርን ፀበባን ኩሉ ግዜ ዘይትደክም ዘይስልችወካ ሂብካ ሓጊዝካ ዘይደኽመካ ትግራዋይ ነባሪ ስዊድን ኩሉ ግዜ ድምፂ ህዝብኻ ክትከውን ኣብ ቅድሚት እትስራዕ እስኪ የቕንየልና ዘውፃኻዮ ይመልኣልካ ! ክብረት ይሃበልና ! እንተበልኩስ ይውሕደካ ዶ ይኸውን !!

ሰብኣውነትካ ብተደጋጋሚ ዘርአኻ ኢኻ እሞ ሎሚ እውን ከምልማድካ ነዚ ንምግላፁ ዘሰክፍ ክተስኩንን ክተህድእን ከም ልማድካ ተረባረብ ኣለኻ :: እሞ ህዝበይ ቅነ ልደት ኣውደ ኣመት ፀዓዱ (x-mass) እዩ እሞ እስኪ እቲ ጀሚርናዮ ዘለና ምሉእ ክኸውን ሓጋዝን ወገንን ሲኢኑ ዓለም ጠሊማቶ ንሕማምን ንጥምየትን ተጋሊፁ ነፍሲ እተዊ ነፍሲ ውፂ ኮይናቶ መሬት ብብርሃኑ ፀልሚታቶ ኣብ ድቕድቕ መከራን ፀልማትን ዝርከብ ህዝብና በብዓቕምና ንብፀሓሉ ! ናይ ሓገዝ ንእሽተይ የብሉን እሞ ኩላትና ነዚ ሰናይን ቅዱሱን ናይ ወገን ምድሓን ኢድና ንሕወስ !!!!
ስዊሽ. 👉🏽. 0734418004
መልእኽቲ 👉🏽 Hjälpmedel

Adress

Stockholm

Telefon

+46760166406

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Tigrianska Riksföreningen postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Organisationen

Skicka ett meddelande till Tigrianska Riksföreningen:

Dela