11/04/2026
ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
“አነ ውእቱ ትንሣኤ ወሕይወት፡ ዘየአምን ብየ እመኒ ሞተ የሐዩ፡ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ’’ (ዮሐ. ፲፩፥፳፭ / 11፥25)
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኵልኹም ኤርትራውያን እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም ኣብጸሓና።
ቅዱስ ዳዊት ብመንፈሰ ትንቢት ኣብ መዝሙሩ ምዕረፍ ፷፯ ቍጽሪ ፩ ኣቐዲሙ ንትንሣኤ ክርስቶስ ክገልጽ ከሎ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ጸሩ፡ ማለት እግዚአብሔር ይትንሥእ ጸላእቱ ከኣ ይብተኑ” ይብል። ቅዱስ ዳዊት እዚ ትንቢት ቅድሚ ሽሕ ዓመት ልደት ጐይታ ዝተናገሮ ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሥጋ ተገሊጹ፡ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ፡ ምስ በደለኛታት ተቈጺሩ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ነቶም ርኂቕና ዝነበርና ናብኡ ኣቕሪቡ ወገናቱ ምእንቲ ክገብረና በጃ ብዙኃን ሞተ። ነዚ ንኽገልጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ግና ኣቱም ቀደም ርኁቓት ዝነበርኩም ንስኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም ንሱ ነዞም ክልተ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ’ውን ዘፍረሰ ሰላምና እዩ ንኣኻትኩም ነቶም ርኁቓን ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣብሠረኩም” ይብል። (ኤፌ.፪፥፲፫-፲፭ / 2፥13-15)
ዝኽረ በዓለ ትንሣኤ ነቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ፡ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ፡ ከይበለ፡ ብሕቱም መቓብር ተንሢኡ፡ በዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ማቴ፦ 28፡1, ዮሓ፦ 20፡1።
ነቲ ንኣና ብነፍስን ሥጋን ኣሢርና ዝነበረ ሞት፡ ባርነት ዲያብሎስ ንዘለዓለም ዝሰዓረሉ ዕለት እዩ።
ብሓፈሻ ትንሣኤ ክርስቶስ ድኅነት ሰብ ዝተፈጸመሉ፡ ኣዳም ነጻ ዝወፅኣሉን፡ ፍጹም ሓጐስ ዝተጐናጸፈሉን፤ እቲ ንዘለዓለም ዘይነጽፍ ዘለዓለማዊ ፈልፋሊ መንፈሳዊ ሕይወት ሰላም ዝተኣወጀሉ፤ ሲኦል ጥራሓ ተሪፋ ዓው ኢላ ዘእወየትሉ። ገነት ዝተኸፍተሉ፡ ገነት መንበሪ ቅዱሳን ዝኾነሉ፡ ጥሜት ነፍሲ ዘብቕዓሉ ዕለት እዩ። 1ይ ቆሮ፦ 15፡1-ፍጻሜ, 1ይ ጴጥ፦ 3፡18-19። እዚ ዅሉ ድኅነት ሰብ ከምዚተፈጸመ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ፡ ነቲ ቕዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ መወድስ ንትንሣኤ ኣመልኪቱ ዝተናገሮ፡ ብዜማን ብድጋምን ከምዚ ዚስዕብ እናበልና፡ ካህናትን ሕዝብን እንቀባበሎ (እንጭርሖ) ዘሎና።
“ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፡ በዐቢይ ኀይል ወሥልጣን፡ አሰሮ ለሰይጣን፡ አግዐዞ ለአዳም፡ ሰላም፡ እምይእዜሰ፡ ይኩን፡ ፍሥሓ ወሰላም፤ ብምጥቕላል ክትርጐም ከሎ፦ ኻብ ሎሚ ንደኃር ፍጹም ሓጐስ ምእንቲ ኺኸውን፡ ክርስቶስ፡ ንሰይጣን ኣሲሩ፡ ንኣዳም ነጻ ኣውፂኡ፡ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ብማኅሌትን መዝሙርን ጸሎትን ዓወት ትንሣኤ ትሰብኽ። ምኽንያቱ እቲ ዅሉ ብነቢያት ኪንገር ዚጸንሐ ተስፋ ድኅነትና፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ ተረጋጊጹ። ጐይታና ኣብዚ ምድሪ ሠላሳን ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን፡ ኣብ ዝጸንሓሉ ጊዜታት፡ ዘካወኖም ግብርታት ምድኃን፡ ዝያዳ ኸኣ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙነ-ሕማማት ዚተቐበሎም መከራን ሥቓይን ኣኽሊሎም ትንሣኤ እዩ፤ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ሲኦል ተበርበረ፡ ዲያብሎስ ተሳዕረ፡ ኣዳም ነጻ ወፅአ” ዚብሉ፡ ብሥራታት ዓወት ናብ ዓለም ዚተኣወጁ፡ ብትንሣኤ ክርስቶስ እዩ፤ ክርስቶስ እንተ ዘይትንሥእ ነይሩ፡ ሕማሙን ሞቱን ትርጒም ኣይምሃለዎምን። ስለዚ “ሞት ዚተሳዕረሉ፡ ትንሣኤና ዚተበሠረ፡ ብምትንሣእ ክርስቶስ እዩ” 1ይ ቆሮ፦ 15፡54።
ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔር
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ።” ብዝሃቦ ኣምላካዊ ቃል ብምርዳእ። ንክብሪ ትንሣኤ ክንበቅዕ ኣብዚ ምድሪ ብንስሓ ተሓጺብና፡ ንእምነት ብግብሪ ኣሰኒና ብመንፈሳዊ ሕይወት ክንመላለስ ይግባኣና።
ነዚ ክቡር በዓል ከነብዕል ከሎና፡ እንታይ ክንበልዕን ክንሰትን ክንክደን ካብ ዚብል ካብ ሥጋዊ ድሌት ነጻ ኴንና ንሓድሕድና ብፍቕርን ለውሃትን ጸኒዕና በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን እንረኽበሉ ክኸውን ይግባእ።
በዓለ ትንሣኤ ብኸመይ ከነብዕሎ ይግባእ
ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ሥርዓት ሰማያዊ ኽብርን ዘለዓለማዊ በረኸትን ዘውህብ ብምዃኑ ኽንሳተፎ ግቡእና እዩ፤ በዓለ ትንሣኤ ኻብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ነፃ ዘውፅኣናን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህበናን ስለዝኾነ፡ ኵሉ ሳዕ ንዝገበረልና ኸነመስግን፡ ካብ ኵሉ ባርነት ኃጢኣት ነፃ ወፂእና ብሓጐስን ፍሥሓን፡ ስድስቱ ቃላተ ወንጌል ማለት ንዝሓመሙ ብጾትና እግዚኣብሔር ምሕረት የውርደልኩም፡ ንዝተኣስሩ እግዚኣብሔር የፍትሕኹም እናበልና፡ ነቶም ዘይብሎም ነዳያን ድማ ዓቕምና ብዝፈቐዶ እናተሓጋገዝና ብኃባር ከነኅልፎ ከለና እዩ፡ ብሓቂ ትንሣኤ ትርጕም ዝህልዎ። ከምኡ`ውን ካብዚ ሎሚ ዓለም ብዝተፈላለዩ ነገራት እትናወጸሉ ዘላ ኩነታት፡ ልዑል እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ሓልዩ፡ ንሃገርና ኤርትራ “ክልልቲ ብግርማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ሕጽርቲ” ክገብረልና ንዓለምና ድማ ሰላምን ርግኣትን ምሕረትን ፍቕርን ኣውሪዱ በዓልና ናይ በረኸትን ሓጐስን ክኾነልና ቕዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፣ አሠሮ ለሰይጣን፡ አግዓዞ ለአዳም፣ ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍሥሐ ወሰላም።
ልዑል እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ፡
6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ!!!
፳፻፲ወ፰ ዓ.ም. (2026 ፈረንጂ)።