ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie

  • Hem
  • Sverige
  • Örebro
  • ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie

ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie, Örebro.

#ታሪክና ክነዘንቱን ክንጽሕፍን ካብ ማንም ፍቃድ ንሓተሉ ኣካል የሎቦን ቃል ዙ 23
#ግዜናን ዕድሜናን ዝበላዕናሉ ንኛምኛምን ኣዛብእን የሕሊፍና ኣይንህብን ቃል PIR
#ታሪክ ሓርበኛታትናን ስንኩላታትናን ስዉኣትናን ክብለልን ክቋነጸብን ማንም ኤርትራዊ ኣየፍቅድን ሕልንኡዉን ሱቅ ክብል ኣይደፍርን !!!
#ሰማእታትና ቅሰኑ #**
#ወትሩ ኣብ ኣሰሮም !!
#ሰማዕታትና ብግብርና ይደበሱ !!

    ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ኣብዚ ሰዓት፡ ነቶም ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ዝመጠዉሉ ሰማእታቱ፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ ይዝክር ኣሎ።ሰማዕታትና ብግብርና ይደበሱ !! ሰማእታትና...
19/06/2026


ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ኣብዚ ሰዓት፡ ነቶም ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ዝመጠዉሉ ሰማእታቱ፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ ይዝክር ኣሎ።
ሰማዕታትና ብግብርና ይደበሱ !!
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ !!!
ዓወት ንሓፋሽ !!!

 #ሃገር ኣብ ከቢድ ዝክሪ !!!
19/06/2026

#ሃገር ኣብ ከቢድ ዝክሪ !!!

19/06/2026
19/06/2026

#ክዝምሮሎም እየ !!!

 #ብጾተይ #ብጸይቲ  #ብጻይመላምል ንስኻ ንስኺናፍቄ  ምስልኻ  ምስኺተራእይኒ ኩሉ ወካዕካዕኩምቅጅል ኢልኒ ጭርቃን ጸወታኹምጨጋር ዳንጋ ምስ እቲ ስጡም ዕጥቅኹምብጾተይ ዘኪረ እታ መመገቢትናእ...
19/06/2026

#ብጾተይ
#ብጸይቲ #ብጻይ

መላምል ንስኻ ንስኺ
ናፍቄ ምስልኻ ምስኺ
ተራእይኒ ኩሉ ወካዕካዕኩም
ቅጅል ኢልኒ ጭርቃን ጸወታኹም
ጨጋር ዳንጋ ምስ እቲ ስጡም ዕጥቅኹም

ብጾተይ ዘኪረ እታ መመገቢትና
እታ ራሕባና እወ ፕሮቲን ረፍቲትና
ቀሚስና እምበር ዘይንፈልጥ ጸጊብና
እቲ ወካዕካዕኩም ጥራይ ከጽግበና
ሕጂ ግን ዝብላዕስ እኳ በዚሕና
እቲ ናፍቆትኩም ግን ብጽጉብና የዕብረና

ኣንቲ ብጸይቲ ብጻይ
ተመስሕና ዘይተደረሩኩም ምሳይ
ተደሪርኩም ዘይቆረስኩም ዳሕራይ
ወጋሕታ ኮኾብ ጽባሕ ዝተረፍኩም ካባይ
ኣብ ሩባታት ህክያኖ ታባ ከንቲባይ

ብጻይ ብጸይቲ
ኣነ ክሓልፍ እስኻ ጽናሕ ባሃልቲ
እስኻ ጽገብ ኣነ ክጠሚ ባሃልቲ
እስኻ ጽምኢ ርወ ኣነ ክጽምእ ዘየምቲ
ከመይለ ዘይናፍቅ ብጾተይ ተጋደልቲ

እሞ ገለ ክነግረኩም ዋጋ መስዋእትነት
ናዓኹም ስእና ዘለናዮ ስጡምነት
መስርዕና ኣይበተኽናን ኣለና ብስምረት
ኮንቱ ኣይተረፈን ክቡር ብጻይነት
ኣየድፈርናን ሓርነት ብልዑል ዕጥቂ ልኡላውነት

ቅሰኑ ብጸይተይ ብጾትና
ጽንዓት መስዋእትኹም ወሪቅናዮ ኣለና
እናሻዕ ነደልድል ሕድሪ መብጻዓና

ዘላእለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ሸዊት ወዲ ዒጋ መትከላዊ
19/06/2026

 #ሃገር ኣብ ከቢድ ዝኽሪ
17/06/2026

#ሃገር ኣብ ከቢድ ዝኽሪ

 # ሃገር ኣብ ከቢድ ዝክሪ !!!   መስዋእቲ ክልተ የሕዋት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ  ኩናት 37 ኣይሞኮር   ዕለት 10/06/2000በሉ  #ዳህስስዎ  #ኣይምኮር ድሕቱም  #ቡሬ  71  #ሕተትዎ...
17/06/2026

# ሃገር ኣብ ከቢድ ዝክሪ !!!
መስዋእቲ ክልተ የሕዋት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኩናት 37 ኣይሞኮር ዕለት 10/06/2000

በሉ #ዳህስስዎ #ኣይምኮር ድሕቱም #ቡሬ 71 #ሕተትዎ

ኩሉ ኩሎሉዎ ዝዛረቦ ኣለዎ
እቲ መሬት ክልተ ወለዶ ኣለዎ
ኣይሞኮር ሰማእቲ ዘለውዎ
ቀይሕ ደም ባሕሪ ኢልኩም ኣምብብዎ

ሰብዓን ሓደን የማኑ ጸጋሙ
ብኮንኩሪት ዝተሃድመ ሃዳሙ

ጀጋኑ ብራሃጾም ዘፍሰስሉ
ደም ንምዕቃብ ራሃጾም ዝኻዓውሉ
ለይቲ ኮነ ቀትሪ ዓይኖም ሰለም ዘየበሉ
መቃብር ኣሎ መቃብር ኣቡቺ ማናጃ ደሞም ዝዛረየሉ
ንቡር ከይተርፍ መቃብሮም እምኒ ጥራይ ዝተጨረሓሉ ።

ደይብዎ ንጎቦ ኮሮቻ
መምርያ መአዘዚ ዘመቻ
ቡምባ ምስ ቡምባ ከም ጸወታ ቡቻ
መቃብር ወዲ ሙሴ ኣሚነ ወዲሱዳን ተጨላ ዝተባህሎ ቻቻ

ድሕቱም 44 ኪ ሜ ደባይ ሲማ 57 ሶጃ
ጥይት ተወዲኡ ውዓሎ ሳንጃ ብሳነጃ
መቃብሮም ኣሎ በዓል ማተር ወዲ ታፍላ ዝወደቁ በጃ
ብባሩድ ተለኺቶም ጎሮሮ ብጽምኢ ባዓል ወዲ ፈረጃ ።

ኩሉ እቲ ትስጉሙሉ ትረግጽዎ
ጸረርታ ደም ኮነ ሰጋ ሰብ ኣለዎ
ከይወግኣኩም ኣፍኩስ ኣቢልኩም ርገጽዎ
ካብ የማን ነጸጋም ኩሉ ጅግና ስውእ ኣለዎ
ቦታ ጽንዓት ትብዓት ኢልኩም ጥራይ ሰይምዎ
ኣብ ዘይ ሃስስ መዝገብ ድማ ብብርዒ ጻሓፍዎ

ዘላእለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ኣገናዕ ሰብ ማህደር ተሰከምቲ ሕድሪ ኣያታትና
ቅሰኑ ይብለኩም ኣለው ተካእቲ ወለዶ ኮሪዕም ብቅያታትና
ሓበን ይሰማዕኩም እቶም አብቲ ውዕሎ ብሓባር ዝነበርና
ጀጋኑ ገበል ምድረ በዳ ግንባር ቡሬ ዓሰብ ዝዓቀብና
ብስም ኩሉ ኮር 491 ድማ ናይ ክብሪ ዕምባባ ኣምቡሩልና ።
ዓወት ንሓፋሽ
ሸዊት ስዩም ወዲ ዒጋ
ኣባል ኮር 491 ግንባር ቡሬ ነበር

Adress

Örebro

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Organisationen

Skicka ett meddelande till ገበል ምድረበዳ ኮር 491 ግንባር ቡሬ Ghebel Mdrebeda Burie:

Dela