09/11/2022
ትግራይ ቼዝ ኣካዳሚ
መእተዊ፡
መዛግብቲ ከም ዝሕብርዎ ታሪክ ቼዝ ዳርጋ 1500 ንድሕሪት ዝምለስ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብቐዳምነት ዝዝውተርን ዝፍለጥን ቻቱራንጋ ዝበሃል ኣብ ህንዲ ዝጽወት ጸወታ ኩናት ዝመጸ ምኻኑን ቀጺሉ ድማ ካብ ህንዲ ናብ ፋርስ ከም ዝተስፋሕፈሐ ጽሑፋት ይሕብሩ። ድሕሪ ወራርን ምውራርን ዓረብ ንፋርስ ቼዝ ብእስላም ዓለም ተታሒዙ ድሕሪኡ ናብ ስፓኛን ደቡባዊ ኣውሮፓን ከም ዝተኣታተወ ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ይሕብሩ። ኣብ ማእኸላይ ዘመን ዝነበረ ቼዝ ኣዝዩ ተፈታዊ ከምዝነበረ ‘ውን ይግለጽ። ኣብቲ እዋን ሓደ ሓደ ግዘ ንሓደ ወዲ ተባዕታይን ኣንስተይትን በይኖም ናይ ምቕርራብ ግዘ ንምፍቓድ ከም ምኽንያት ይጥቀምሉ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ መበል 15 ክ/ዘመን እቲ ዝነበረ ሕግታት ናይ ቼዝ ሃንደበታዊ ለውጢ ተገይርሉ። ንግስቲ ካብቲ ኣብ ሰሌዳ ዝነበራ ዝደኸመ ቁራፅ ናብቲ ዝሓየለ ተቐየረት፤ ማዕረ ማዓሪኡ ድማ ጳጳስ ከምዚ ሎሚ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ቁራፅ ኮይኑ፤ እዚ ለውጢ እዚ ኸዓ ንናይ ናህሪ ፀወታ ክቃላጠፍ ገይርዎ። ብርግፅ ማሃዚ ናይዞም ለውጥታት ኣይፍለጥን ምናልባት እቲ ሓዱሽ ሕግታት ብውልቀ ሰብ ዝተሓሰበ ዘይኮነስ ካብ ሓበራዊ ፈተነ ዝመፀ ክኸውን ይኽእል ተባሂሉ ይእመን።
እቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዝተወደበ ቼዝ ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን ዝጀመረ እንትኾን ሎሚ ዝካየድ ውድድር ቼዝ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ብ FIDE (International Chess Federation) ዝምራሕ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣድማሳዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሻምፒዮን ዓለም ቼዝ Wilhelm Steinitz ብ1886 እንትኾን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኸዓ Magnus Carlsen ኮይኑ ይርከብ። ብሓፈሻ እቲ ፀወታ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዓብይ ኣካል ክልስ ሓሳብ ቼዝ ኣማዕቢሉ ይርከብ። መዳያት ስነ ጥበብ ኣብ ቅንብር ቼዝ ይርከቡ፤ ቼዝ ድማ ብግዲኡ ንባህልን ስነጥበብን ደቂ ሰባት ፅልዋ ኣሕዲሩ ምስ ካላኦት ዓውድታት ከም ሒሳብ፣ ሳይነስ ኮምፒተርን ስነልቦናን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይሕበር። ሓደ ካብ ዕላማታት ቀዳሞት ተማራመርቲ ኮምፒተር ቼዝ ዝፃወት ማሽን ምፍጣር እዩ ነይሩ። ብ 1997 “Deep Blue” ን Garry Kasparov ምስ ሰዓረት ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሻምፒዮን ዓለም ኣብ ሓደ ፀወታ ዝሰዓረት ናይ መጀመርያ ኮምፒተር ኮይና። ናይ ሎሚ ሞተር ቼዝ ካብቶም ብሉፃት ተፃወትቲ ደቂ ሰባት ብ ኣግባቡ ዝሓየሉ ኮይኖም ኣብ ምዕባለ ክልስ ሓሳብ ቼዝ ብዕምቖት ፅልዋ ኣሕዲሮም እዮም።
ቼዝ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ናብ ትግራይና ካብ ዝተኣታተው ዳርጋ ፍርቂ ሚልንየም ከም ዘቑፀረ ተማራማራይን ፃሓፊን ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝኾነ Prof. R. Pankhurst ይገልፅ። ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ሓደ ኢትዮጵያዊ ክሮኒክ ከም ዝሕብሮ ዓብይ ገዛኢ ትግራይ ዝነበረ ራስ ሚካኤል ስሑል ከምቲ ኣብ ግዜ ውግእ ፋጌታ ኣብ 1769 ዝነበሮ ልምዲ ቼዝ ከም ዝፃወት ይገልፅ። ብሓፈሻ ካብቲ ግዜ ሽዑ ኣትሒዙ ተጋሩ ኣብ ፀወታ ቼዝ ዘለዎም ድልየትን ርድኢትን ብምውሳኽ ክሳብ ቀረባ ግዜ ብክልቲኡ ፆታ ኣብ ቼዝ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ንብሄራዊ ቡድን ብምውካል ኣብ መድረኻት ዓለም ዕዙዝ ሚና ዘበርኩቱ ዝነበሩ ተፃውቲ ቼዝ ከም እንበዓል ብርሃን ገ/ሄር፣ ዮውሃንስ ገ/ ማርያም( ጆን ራሻ)፣ ተኽላይ ተሻገር፣ ሃፍቶም ገ/መድህን፣ ፌቨን ገ/መስቀል፣ ማሾ በየነን መርሃዊት ብርሃነን ካልኦትን ዘፍረየትን ነቲ ሐዚ ዘሎ ወለዶ ትግራይና መርኣያ ክኾኑ ዝኽእሉን ብተወሳኺ ኸዓ ዳርጋ ናብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ብምስፍሕፋሕ ቼዝ ሓደ ኣካል ናይ ስፖርትን መዛናገዕን ኮይኑ ብዝበለፀ ድማ ኣብ