Joseph Leadership Academy

  • Home
  • Joseph Leadership Academy
Call Directions Website

Joseph Leadership Academy Joseph Leadership Academy teaches the principles of Christian Leadership.

10/12/2025
ፍዮሪ እንተ ዘይዓንቢቡ ነቲ መሬት ኢኻ ክትኹስኩሶን ዱኽዒ ክትገብረሉን ዘለካ እምበር ነቲ ፍዮሪ ከተዕርዮ ኣየድልን እዩ ከም ዝበሃል፡ ሕብረተስብና ክለምዕ መናእሰያት ክፈርዩ ምቹእ ሃዋህው ም...
09/12/2025

ፍዮሪ እንተ ዘይዓንቢቡ ነቲ መሬት ኢኻ ክትኹስኩሶን ዱኽዒ ክትገብረሉን ዘለካ እምበር ነቲ ፍዮሪ ከተዕርዮ ኣየድልን እዩ ከም ዝበሃል፡ ሕብረተስብና ክለምዕ መናእሰያት ክፈርዩ ምቹእ ሃዋህው ምፍጣር ናይ ኩሉ ለባምን ምሁርን ሓላፍነት እዩ።

ኣብ እስራኤል ዘሎ ህዝብና ድማ ዓቕሚ ዘለዎም ብዙሓት መናእሰያት ኣለው፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ወርሒ ን ግላዊ ዕብየትን መሪሕነትን ንምምዕባል ስልጠና ክወስዱ ጸኒሖም፡ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ድማ ብድሙቕ ጽንብል ተመሪቖም። እንኳዕ ሓጎሰኩም!

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ተምሃሮ ክብሎ ዝደሊ፡ "ኣነ ንእሽቶ እየ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን ኢልካ ትሓስብ እንተሎኻ፡ ምስ ጣንጡ ግዜ ኣይወሰድካን ማላት እዩ ይብሉ ኣፍሪቃውያን መሰልቲ ፡-) ስለዚ ንእስነትካ ፈጺምካ ኣይትንዓቕ። መልእኽተይ "ተለዊጥካ ለውጥ" እዩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ስልጠና ኣብ ዕላምኡ ክበጽሕ ዝገበሩ ንህዝቦም ሰናይ ዝደልዩ ለጋሳት ስባት ን ዶር ሕሩይ ዶር ሲራክ ንትካል ኤሊም ካም ኢንተርናሽናል ኣምላኽ ይባርኽኩም እንዳበልኩ፡ ነዚ ብሉጽ ኣዳራሽ ዝሓገዙ ማሕበር ሓድሽ ተስፋን ንኹሎም ኣዳለውቲ ኮሚቴን ልዑል ምስጋናይ ይብጻሕኩም። የቐንየለይ

09/04/2025
ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጽዑቕ ስልጠና መሪሕነት ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 7 መስከረም ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ጆሴፍ ስልጠና መሪሕነት ብኣካል ተመሪቖም።...
11/09/2024

ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጽዑቕ ስልጠና መሪሕነት ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 7 መስከረም ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ጆሴፍ ስልጠና መሪሕነት ብኣካል ተመሪቖም። ብዘይ ቅኑዕ መሪሕነት ለውጢ የለን። “ግናኸ ሕንረተሰብና ክልወጥ ርእስና ንለውጥ” ዝብል ቴማ እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ነባሪ ለውጢ ካብ ውልቅኻን ካብ ውሽጥን እዩ ዝብገስ። ከምቲ ዛንታ ሓደ ጎበዝ ንሓደ ሽማግለ ዓዲ ንዓለም ብቕልጡፍ ክልውጣስ እንታይ እግበር ኢሉ ምስ ሓተት? ወዮ ሽማግለ “ኣታ ጎበዝ እቲ ዝሓጸረ መንገዲ ንዓለም ክትልውጣ ንርእስኻ ምስ እትልውጥ እዩ” ስለዚ ንርእስኻ ለውጥ ኢሎሞ ኣፋነውዎ ይበሃል።

ካብ ከንቱነትን ወጺኻ ንርእስኻ ምምዕባል፡ ካብ ምውጥዋጥ ወጺኻ ሓላፍነታዊ ምዃን፡ ካብ ጭከና ወጺኻ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽካ ኣስላጥን ኣፍራይን ዜጋ ምዃን ልዕሊ ኹሉ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ንሕብረተሰብካ ምሕላይ ካብቲ ዘለካ ድማ ብሉጽ ኣበርክቶ ምግባር ጎደና ለባም ሰብ እዩ።

እዚ ጠለብ ብኽፍሊ ትምህርቲ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ክንልወጥ ንመሃር ክንዓቢ ንሰልጥን ብዝብል ሃቐና ሓምሳን ሓሙሽተን (55) ተምሃሮ ወፍዮም፡ እዚ ዝነኣድ ተበግሶን ኣርኣያ ንኹለን ትካላት እዩ። ክብረት ይሃብኩም መራሕትን ኣቦ ወንበርን። ኣብ ምወዳእታ ንኩሉኹም ተመረቕቲ እንኳዕ ሓጎሰኩም እንዳበልኩ፡ ሓላፍነታውያን ብምዃን ጸብለል ክትብሉ፡ ክቡር ባህርያት መሪሕነት ክትውንኑ፡ ንሕብረተሰብኩም እትሓልዩን እትጽግኑ ክትኮኑ ብትሕትና እላበወኩም። ኣምላኽ ይባርኽኩም።

https://josephleadershipacademy.org

"Continue to remember those in prison as if you were together with them in prison, and those who are mistreated as if yo...
29/05/2024

"Continue to remember those in prison as if you were together with them in prison, and those who are mistreated as if you yourselves were suffering." Hebrew 13:3

22/12/2023

ኣገዳሲ ሓበሬታ
ዝኸበርኩም ቤተሰብን ኣዕሩኽን JLA ን ECC ን፡ ኣብ ዝሓልፈ ዓመታት ንሕብረተሰብና ሰናይ ብምግባር ዝነጥፉ ኣብ ምርጫ ኣቕሪብካ ንዚተዓወተ ሽልማት ካብ እንህብ ድሮ ሰለስት ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ናይዚ ዓመት 2023 ብሉጽ ሰብ ንምምራጽ፡ ንሕብረተሰብና ሰናይ ብምግባር ዝነጥፉ ዘለው ሕጹያት ከተቕርቡልና ብትሕትና ንሓትት።

ኣገባብ ምርጫን ረቛሒታትን ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡

1. ንህዝብና ሰናይ ዚገብር፡
ብዘየገድስ ጾታ ኣብ ዝኾነ ዓዲ ዝነብር ሰብ።

2. ⁠ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ንህዝብና ብዝግባእ ዝሕግዝ ክኸውን ይግባእ፡

3. ⁠ምሉእ ስምን ዝቕመጠሉ ዓድን፡ ሓጺር መግለጺ ዝገብሮ ዘሎ ሰናይ ግብሪ ብንጹር ክግለጽ ኣገዳሲ እዩ፡

4. ኣብ መወዳእታ አቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ድማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ሰብ ሽልማት ክዕወት እዩ። አዚ ንምትግባር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ (5) መዓልቲ ሕጹያትኩም ብምቕራብ ክትረሓባበሩና ንላበወኩም።

ሕጹያትኩም ኣብ [email protected] or
Messenger Joseph leadership academy
ለኣኹልና።

የቐንየልና
ርሑስ ልደት ይግበረልኩም
ኣምላኽ ይባርኽኩም

21/12/2023

Dear friends and family, I arrived home sweet home safely. I had a very successful tour in 11 states, 17 travels, which I had 0 cancellation. I’m absolutely astonished by your generosity, and care! this wouldn’t be successful with our your support. Thank you! And much appreciated
May the Lord bless you richly.
I wish you merry Christmas and happy new year!

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Joseph Leadership Academy posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Want your organization to be the top-listed non profit organization?

Share