Araya Women and Children Charitable Organization - AWCCO

Araya Women and Children Charitable Organization - AWCCO AWCCO envisions the wellbeing of women and children in a safe and upbringing environment.

ህይወት ብድንገት ክልወጥ ይኽእል እዩ። ናይ ሎሚ ሕማቕ ኩነታት ንዘለኣለም ኣይነብርን። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሓደሽቲ ዕድላት፣ መፍትሕታት፣ ወይ ድማ ረዲኤት ክመፁ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኣብ ክን...
26/03/2026

ህይወት ብድንገት ክልወጥ ይኽእል እዩ። ናይ ሎሚ ሕማቕ ኩነታት ንዘለኣለም ኣይነብርን። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሓደሽቲ ዕድላት፣ መፍትሕታት፣ ወይ ድማ ረዲኤት ክመፁ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኣብ ክንዲ ብዙሕ ምጭናቕ ኣብ ህድኣትን ተስፋ ዘለዎን ምዃኑ ኣትኩር።
ነብሲሄር ኣርኣያ ዘሪሁን



24/03/2026

ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ዝተገበረ ኣብ መንጎ ሰለስተ ጣብያ ብመሬት ይግበአኒ ተላዒሉ ዝነበረ ጎንፂ ተፈቲሑ። እቲ ዝነበረ መድረክ ኣብ ሞንጎ ሰለሰተ ጣብያ ወይ ሰለሰተ ዓዲ ዝነበረ መሬ....

We are pleased to share that Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO)successfully conducted a two-day tr...
22/03/2026

We are pleased to share that Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO)successfully conducted a two-day training (March 21–22, 2026) for 25 local duty bearers and Women’s Rights Organization (WRO) leaders in Tsirae Womberta Hayki Mesahl Kebelle, Tigray.

The training focused on key themes including:
•Women, Peace and Security (WPS) Agenda
•Leadership and Decision Making
•Peacebuilding and Reconciliation

This session helped participants build a strong foundation and shared understanding of leadership roles, inclusive decision-making, and the importance of peacebuilding and reconciliation within their communities.

This initiative is part of our 6-month project, “Strengthening Pathways: Promoting Women's Participation, Representation, and Leadership in Peacebuilding in Tigray, Ethiopia.” The project aims to empower communities and enhance women’s meaningful participation in peace and security efforts across the region.

The project is implemented under the Women Count for Peace initiative, supported by in partnership with ELiDA Ethiopia

We remain committed to strengthening community resilience and amplifying women's voices in building sustainable peace.









Eid Mubarak from AWCCOOn this blessed occasion of Eid, Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO) extends ...
19/03/2026

Eid Mubarak from AWCCO

On this blessed occasion of Eid, Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO) extends warm wishes to all our Muslim community peace, joy, and blessings on this special day. May Eid bring unity, happiness, and hope to all.

Eid Mubarak! 🌙🕌

On March 11/2026, Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO) successfully conducted a community sensitizat...
12/03/2026

On March 11/2026, Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO) successfully conducted a community sensitization and awareness-raising workshop in Tsirae Wemberta, Tigray.
This project is implemented under Women Count for Peace, supported by FCDO in partnership with ELiDA Ethiopia .

Strengthening Pathways: Promoting Women's Participation, Representation, and Leadership in Peacebuilding in Tigray, Ethiopia.

The workshop brought together 40 participants, including local leaders, Civil Society Organizations (CSOs), Women’s Rights Organizations (WROs), Community-Based Organizations (CBOs), and Faith-Based Organizations (FBOs).

The session created an engaging platform for learning, dialogue, and reflection on the Women, Peace and Security (WPS) Agenda, emphasizing the importance of women’s participation, protection, prevention, relief and recovery and leadership in peacebuilding processes.

This activity is part of AWCCO’s 6-month project dedicated to empowering communities and promoting women’s meaningful participation in peace and security efforts across Tigray.








Happy International Women’s Day from Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO)On  , we proudly celebrate ...
08/03/2026

Happy International Women’s Day from Araya Women and Children Charitable Organization (AWCCO)

On , we proudly celebrate the strength, courage, and resilience of women and girls in Tigray and beyond. In the aftermath of conflict, many continue to face profound challenges—including displacement, loss of livelihoods, trauma, and limited access to education, healthcare, and justice. These difficulties are further intensified by deep-rooted patriarchal norms that often silence voices and restrict opportunities.

At AWCCO, we remain committed to supporting women and girls through gender-transformative initiatives, psychosocial support, skills development, and strong advocacy for human rights. Our goal is to help women and girls rebuild their lives, strengthen their voices, and actively lead within their communities.

Together, we can create a future where every woman and girl has the opportunity to live with dignity, equality, and empowerment.






  (ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )5ይ መዓልቲ  ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ዝበፀሐን/ዝበፀሖም ኣካላት (GBV S...
29/11/2025

(ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )
5ይ መዓልቲ ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት

ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ዝበፀሐን/ዝበፀሖም ኣካላት (GBV Survivors ) ዝደለይዎ ግልጋሎት ብኸመይ ክረኽቡ ይኽእሉ?
ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ንዝበፅሖም ግዳያት ብቐሊሉ ብድሌቶምን ፍቓዶምን መሰረት ብምግባር ምስ ዝኾነ ውሑስ ኮይኑ ዝስምዖም ኣገልግሎት ወሃቢ ኣካል ግልጋሎት ክጅምሩ ይኽእሉ። ናብ ዝመረፅዎ ግልጋሎት ወሃቢ ትካል ብምኻድ ምስ በዓል ሞያ ጉዳይ ምሕደራ ብምርኻብ ቀጥታ ዝደለይዎ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ።
ንኣብነት መጀመርያ ምስጢራውነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ናብ ግልጋሎት ጥዕና ብምኻድ
ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን
ሕክምና ን ኣካላዊ መጉዳእቲ
PEP (ምክልኻል ኤችኣይቪ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት)
ህፁፅ መከላኸሊ ጥንሲ
ሕክምና STI
ምእካብ መርትዖ ፎረንሲክ (እንተሃልዩ) ግልጋሎት ምርካብ ይከኣል።
ብተወሳኺ ብድሌቶምን ፍቓዶምን መሰረት ኣብ ቐረበኦም ትካል ገባሪ ሰናይ እንተሃልዩ ናብቲ ትካል ብምኻድ ምስ በዓል ሞያ ጉዳይ ምሕደራ ወይ እውን ን ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብምርኻብ ዝደለይዎ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ። በዓል ሞያ ጉዳይ ምሕደራ ብ ድሌት ግዳያት መሰረት ናብ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ብሪፈራል ምትሕሓዝ ይኽእል።
ሪፈራል ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ሪፈራል ማለት ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ንዝበፅሑወን ግዳያት ኣብ ሰዓቱ ናብ ግልጋሎት ወሃብቲ ኣካላት ሪፈር ብምባል ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ክረኽባ ምግባር ማለት እዩ።
ኣብነት ናብ ፥ ግልጋሎት ጥዕና
ማሕበረሰባዊን ስነ-ልቦናዊን ድጋፍ
ውሑስ መፅለሊን ምግቢን
ኣገልግሎት ሕጊ
ኢኮኖሚያዊ ሓገዝ
ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ንዝበፅሕወን ግዳያት ግልጋሎት እንትንህብ ክንክተሎም ዝግብኡና ገዛእቲ መትከላት
1. ክብሪ ምሃብ
2. ድሕንነት ምሕላው
3. ምስጢር ምሕላው
4. ብዘይ ኣድልዎ ምግልጋል

#16መዓልታትጎስጓስኣንፃርፆታዊጥቕዓት2025
#ትካልገባሪሰናይኣዴታትንህፃናትንኣርኣያ
#ጥቕዓትደቂኣንስትዮደውይበል
Your Voice Protected, Your Rights Respected.



  (ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )4ይ መዓልቲ  ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ ስርዓተ-ፆታ መሰረት ገይሮም ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ብከመይ ክንሰ...
28/11/2025

(ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )
4ይ መዓልቲ ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ

ስርዓተ-ፆታ መሰረት ገይሮም ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ብከመይ ክንሰርሐሎም ይግባእ?
1.ምክልኻል/prevention
ካብ መጀመርትኡ ጥቕዓት ከየጋጥም ምክልኻል
ብኸመይ?
ሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ኣስተምህሮ ብምሃብ
2. ሓደጋ ምቕናስ
ቀጥታዊ ካብ ዝኾነ ናይ GBV ተቓላዓይነት ምክልኻል
3. ግብረ መልሲ ምሃብ
ዝበፅሑ ሳዕቤናት መሰረት ገይርካ ዝስርሑ ተግባራት
ጥቕዓት ዝበፀሐን/ዝበፀሖም ኣካላት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ክረኽባ ምግባር
ኣብነት: ግልጋሎት ጥዕና
ማሕበረሰባዊን ስነ-ልቦናዊን ድጋፍ
ውሑስ መፅለሊን ምግብን
ኣገልግሎት ሕጊ
ኢኮኖሚያዊ ሓገዝ
ጉዳይ ምሕደራ (case management) ብምግባር ስርዓተ-ፆታ መሰረት ገይሮም ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ንምቅናስን ጠቅሊልካ ንምቁፅፃርን ክንሰርሐሎም ንኽእል።

#16መዓልታትጎስጓስኣንፃርፆታዊጥቕዓት2025
#ትካልገባሪሰናይኣዴታትንህፃናትንኣርኣያ
#ጥቕዓትደቂኣንስትዮደውይበል
Stop GBV: Protect, Respect and Empower Her



  (ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )3ይ መዓልቲ  ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፆታዊ ጥቕዓት (TFGBV)  እንታይ እ...
27/11/2025

(ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )
3ይ መዓልቲ ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፆታዊ ጥቕዓት (TFGBV) እንታይ እዩ?
TFGBV ማለት ብቐሊሉ ሓደ ሰብ ቴክኖሎጂ ስልኪ ወይ ኮምፒተር ተጠቒሙ ንኻልእ ሰብ ብሰንኪ ፆትኡ (ጓል ወይ ወዲ ብምዃኑ/ና) ዝፍፅሞ ዝኾነ ዓይነት ጥቕዓት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፆታዊ ጥቕዓት (TFGBV) ይበሃል።

ዓይነታቱን ኣብነታቱን ከ?
እዚ ዓይነት ጥቕዓት ብዙሕ ገፃት ኣለዎ
-Cyber-harassment: ንሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ዘሕፍር ወይ ዘፈራርሕ መልእኽትታት ምስዳድ።
-Doxxing: ናይ ሓደ ሰብ ብሕታዊ ሓበሬታ ቁጽሪ ስልኪ፣ ኣድራሻ፣ ስእሊ ብዘይፍቓዱ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝርእዮ ምዝርጋሕ።
ኣብነት፡ ምስ ሓደ ሰብ ስለ ዝተበኣስካ፡ ቁፅሪ ስልኩን ስእልታቱን "ነዛ ሰብ እዚኣ/እዚ ሰብ እዚ... ፅርፍዎ" ኢልካ ኣብ ፌስቡክ ምዝርጋሕ፤እዚ ንኣካላዊ መጥቃዕቲ'ውን ዘቃልዕ እዩ።
-Non-consensual image sharing: መብዛሕትኡ ግዜ "Revenge P**n" ተባሂሉ ዝፍለጥ። ናይ ሓንቲ ሰብ ጾታዊ ወይ ውልቃዊ ስእላ ብዘይፍቓዳ ምዝርጋሕ
-Hate Speech & Threats: ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ውዳበ ብሰንኪ ጾትኦም/ፆትአን ብሞት ወይ ብኣካላዊ መጥቃዕቲ ምፍርራሕ።
-ዲጂታላዊ ክትትል (Cyber-stalking): ንምንቅስቓስ ሓደ ሰብ ብቴክኖሎጂ ብቐጻሊ ምክትታልን ምጭንናቕን።

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፆታዊ ጥቕዓት (TFGBV) ንምቑፅፃር እንታይ ንግበር?
እዚ ጸገም እዚ ናይ ቴክኖሎጂ ጸገም ኣይኮነን። ናይ ሰባት ፀገም እዩ። መፍትሒኡ ድማ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባዕልና እዩ ዘሎ።
-ርህራሀ: 'Share' ቅድሚ ምግባርና፡ "እዚ ሰብ እዚ ኣነ እንተዝኸውን ከ?" ኢልና ንሕሰብ።
-ሓላፍነት: ንገብሮ ዘሎ ብስክሪን ብምዃኑ ካብ ተሓታትነት ኣየናግፈናን ሓላፍነት ይሃልወና።
-ድፍረት: ከምዚ ዓይነት ጎዳኢ ነገር ክንርኢ ከለና ስቕ ዘይምባል።"እዚ ጌጋ እዩ" ኢልካ ምዝራብ ዓብዪ ስጉምቲ እዩ።
እዚ ጸገም እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን፣ ንዓና ከም ማሕበረሰብ ንባህልና ኣኽቢርና ንመጻኢና ዝምልከት እዩ። ድሕንነቱ ዝሓለወ ዲጂታል ዓለም ምፍጣር ድሕንነቱ ዝሓለወ ማሕበረሰብ ምህናፅ ማለት እዩ።

#16መዓልታትጎስጓስኣንፃርፆታዊጥቕዓት2025

#ትካልገባሪሰናይኣዴታትንህፃናትንኣርኣያ
#ጥቕዓትደቂኣንስትዮደውይበል
Your Screen should Never Be a Tool For Harm




  (ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ ) ካልኣይ መዓልቲ  ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ ብዛዕባ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገብረ ጥቕዓትን ዓይነታት...
26/11/2025

(ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ ) ካልኣይ መዓልቲ ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ
ብዛዕባ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገብረ ጥቕዓትን ዓይነታት ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታትን ኣፍልጦ ኣለና ዶ?

ትርጉም ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት

ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ማለት ብምኽንያት ፆቶኦም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን ጎዳኢ ተግባር ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሐን ሱር ዝሰደደን ናይ ወዲሰብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ፡፡
ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክበፅሑ ዝኽእሉ እንትኾኑ ዝዓበየ ሳዕቤን ከብፅሑ ዝኽእሉ ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጠቃዕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ስድረአንን መላእ ሕብረተሰብን ጉድኣት የብፅሕ፡፡
ዓይነታት ስርዓተ-ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት

1. ፆታዊ ጥቕዓት/Sexual violence
2. ኣካላዊ ጥቕዓት/Physical violence
3. ስነ-ልቦናዊ ጥቕዓት/Psychological/Emotional violence
4. ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጥቕዓት/Socio-economic violence
5. ጎዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት/Harmful traditional practices

#16መዓልታትጎስጓስኣንፃርፆታዊጥቕዓት2025
#ትካልገባሪሰናይኣዴታትንህፃናትንኣርኣያ
#ጥቕዓትደቂኣንስትዮደውይበል
No Excuse for GBV Not Now , Not ever



ዓለም ለኸ መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን "ፆታዊ ጥቕዓት ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንህንፀት ወለዶ” ብዝብል ቴማ ካብ 16 ሕዳር - ባሕቲ ታሕሳስ  2018 ዓ/ም ብብርኪ ዓለም ንመበል 34 ግዘ ብሃገር ደረጃ...
25/11/2025

ዓለም ለኸ መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን "ፆታዊ ጥቕዓት ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንህንፀት ወለዶ” ብዝብል ቴማ ካብ 16 ሕዳር - ባሕቲ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ብብርኪ ዓለም ንመበል 34 ግዘ ብሃገር ደረጃ መበል 20 ግዘ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።
AWCCO (ትካል ገባሪ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ )ሎሚ ሕዳር 16 ዝጀመረ ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ዝኾነ ጎስጓስ ጀሚርና ኣለና ። ኣካል 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣንፃር ፆታዊ ጥቕዓት ክትኾኑ ንሓትት።
ቅንያት መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን በብዓመቱ ፆታዊ ጥቓዓት ደቂ ኣንስትዮ ጠጠው ንምባል ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ጎስጓስ እዩ። ቅንያት መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ ጥቕዓት ንምቅዋም፣ ንምክልኻልን መፍትሒ ንምሃብን እነካይዶ ዓለምለኻዊ ጎስጓስ እዩ።
The International White Ribbon Day is being celebrated for the 34th time globally and for the 20th time nationally from November 25 to December 10.
AWCCO (Araya Women and Children Charitable Organization) has launched a campaign which is part of the 16 days campaign against Gender based violence GBV which started today November 25.kindly We ask you to be part of the 16 Days of Campaign Against GBV.
White Ribbon Day on November 25 is a global campaign where men and boys take a stand to end violence against women, girls and encourages speaking out, challenging harmful behaviors, and promoting respectful, non-violent relationships. The day also launches the 16 Days of Activism Against Gender-Based Violence, a worldwide movement calling for action, awareness, and commitment to end all forms of GBV.and Wearing a white ribbon symbolizes a personal pledge never to commit, excuse, or remain silent about violence against women.

#16መዓልታትጎስጓስኣንፃርፆታዊጥቕዓት2025
#መዓልቲፃዕዳሪቫን
#ዓለምለኸመዓልቲምውጋድጥቕዓትኣንፃርደቂኣንስትዮ
#ትካልገባሪሰናይኣዴታትንህፃናትንኣርኣያ
#ጥቕዓትደቂኣንስትዮደውይበል




Creation Training on Elimination of Discrimination Against Women, Gender Equality and Legal Rights!
08/11/2025

Creation Training on Elimination of Discrimination Against Women, Gender Equality and Legal Rights!

Awareness Creation Training on Elimination of Discrimination Against Women, Gender Equality and Legal Rights

Address

Info@awccoazf. Org
Mekelle

Opening Hours

Monday 09:00 - 17:00
Tuesday 09:00 - 17:00
Wednesday 09:00 - 17:00
Thursday 09:00 - 17:00
Friday 09:00 - 17:00

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Araya Women and Children Charitable Organization - AWCCO posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share