Tigrai Development Association

Tigrai Development Association Tigrai Development Association/TDA is a membership based non-governmental organization largely operational in Tigray

MAJOR AREAS OF INTERVENTION
Education: So far, TDA has constructed 712 primary & secondary schools; 6 science and technology centers including the 21 centers underway; provided grant to 750 primary schools to implement school improvement plans; rehabilitated 16 war-affected primary schools; conducted school feeding programs that benefited more than 32,000 children in 80 drought-affected schools.

03/09/2026

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ከቢድ መዋጥር ኮይና ብ1.2 ቢልየን ብር በጀት ንልዕሊ 1ሚልየን ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከም ዘሳለጠት ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚአብሄር ኣፍሊጦም።

Tigrai Development Association Executive Director, Mr. Tesfay GebreEgziabher, announced that despite facing severe challenges in 2018 E.C., TDA implemented major projects with a budget of 1.2 billion Birr, benefiting more than 1 million people.
በብዘለናዮ ዝስዕቡ ቻነላት ብምጥቃም ንለግስ!
 TDA Mobile App
https://play.google.com/store/apps/details...
 Own TDA Digital ID
https://member.tda-int.net/become-member
Open to anyone, anywhere
 Telebirr Fundraising
https://www.superapp.ethiomobilemoney.et:38443/.../mIndex...
 Wegagen Bank: 1111
 LIB: 1111
 Tele-birr: 560777
 CBE Mobile Banking App
 CBE Birr Fundraising
 Donate1 Birr a day by sending “OK” to 6831

  of selected Innovators /Innovative Enterprises of the YESET program "Promoting Youth Innovation " InterventionThose of...
02/09/2026

of selected Innovators /Innovative Enterprises of the YESET program "Promoting Youth Innovation " Intervention

Those of you who have any complain are kindly requested to report to the listed implementing partners whom you have been applied for or TDA YESET program team (0913818344/0932348967) with in two days from the date of announcement

Twice the resemblance, twice the excellence! These twin sisters are not only alike in personality. Their bond goes beyon...
02/09/2026

Twice the resemblance, twice the excellence! These twin sisters are not only alike in personality. Their bond goes beyond personality. They also achieved remarkably similar results in the 2018 E.C. ESSLCE Grade 12 examination.

ብፕሮጀክት ተፀዋራይነት ነዊሕ ዓመታት ECW MYRP II፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ዓለምለኸ ህፃናት ኣድሕን (Save the children) ን ኣባላት ኮንሰርትየምን  ምስ ኣባላት ክልላዊ ስት...
01/09/2026

ብፕሮጀክት ተፀዋራይነት ነዊሕ ዓመታት ECW MYRP II፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ዓለምለኸ ህፃናት ኣድሕን (Save the children) ን ኣባላት ኮንሰርትየምን ምስ ኣባላት ክልላዊ ስትሪንግ ኮሚቴ ብሓባር ብምስራሕ፣ ብከቢድ ቅልውላው ዝተጎድኡ ህፃናት፣ ሓዊሱ ጉድኣት ኣካል ዘለዎም፣ ሓቛፍን ፅሬቱ ዝሓለወን ትምህርቲ ንምጥንካር ኣብ ምስራሕ ይርከቡ ።

ማልት ከም ፈፃሚት መዳርግቲ ኣካል ብምዃን፣ ኣብ 6 ወረዳታትን 61 ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ትግራይ ኣካታቲን ፅሬቱ ዝሓለወን ትምህርቲ ንኽሳለጥ ብምድጋፍ ዕዙዝ ተራ ትፃወት ኣላ።

ኣብ ተበፃሕነትትምህርቲ፣ ምዕቃብን ምስግጋርን ተማሃሮ፣መሰረታዊ ትምህርትን ትኹረት ብምሃብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነፍሲ ​​ወከፍ ህፃን ክመሃር፣ብኣግባቡ ክዓብን ብሩህ መፃኢ ክሃንፅን ንምሕጋዝ ብሓባር ክሰርሑ ግድን ይብል።

በብዘለናዮ ዝስዕቡ ቻነላት ብምጥቃም ንለግስ!
 TDA Mobile App
https://play.google.com/store/apps/details...
 Own TDA Digital ID
https://member.tda-int.net/become-member
Open to anyone, anywhere
 Telebirr Fundraising
https://www.superapp.ethiomobilemoney.et:38443/.../mIndex...
 Wegagen Bank: 1111
 LIB: 1111
 Tele-birr: 560777
 CBE Mobile Banking App
 CBE Birr Fundraising
 Give 1 Birr a day by sending “OK” to 6831

“ሕውየትን ዕብየትን ትግራይ ንምርግጋፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ግዲኣ ክተበርክት እያ” ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር
31/08/2026

“ሕውየትን ዕብየትን ትግራይ ንምርግጋፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ግዲኣ ክተበርክት እያ” ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር

ማሕበር ልምዓት ትግራይ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ም...

ማልት ተኸታታሊ መድረኻት ዘተ ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ምፍላጥ ትልሚ 2019 ዓ.ምን ኣሳሊጣመቐለ፣ 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.=============...
31/08/2026

ማልት ተኸታታሊ መድረኻት ዘተ ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ምፍላጥ ትልሚ 2019 ዓ.ምን ኣሳሊጣ
መቐለ፣ 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.
=================
ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብ ዞባታት ሰሜን-ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ማእኸላይ፣ ምብራቕ፣ ደቡብን ደቡብ-ምብራቕን ከባቢ 730 ኣመራርሓ ቦርድን ቤትምኽርን ማልት ዘሳታፈ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ምፅዳቕ ትልሚ 2019 ዓ.ምን ተኸታታሊ መድረኻት ብዓወት ኣካይዳ።
እዞም መድረኻት ኣፈፃፅማ ንምግምጋም፣ ተሞክሮታትን ፅቡቕ ኣሰራርሓታትን ንምክፋል፣ ብተግባር ዘጋጠሙ ብድሆታት ንምልላይን ንምፍታሕን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምንቅስቓስ ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓባራዊ ተወፋይነትን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ዝተገበሩ መድረኻት’ዮም ነይሮም።

እዞም መድረኻት ብፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄርን ዝምልከቶም ዋና ኣመሓደርቲ ዞባታትን ብወግዒ ብምኸፋት ኣብ ምዕዋት ልኡኽቶ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ማልት፣ ኣገዳስነት ስጡም ኣመራርሓ፣ ሓባራዊ ተወፋይነት፣ ተሓታትነትን ውፅኢታዊ ምንቅስቓስ ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣንፈት ብምቕማጥ ዝተጀመረ መድረኽ ዘተ’ዩ ነይሩ።

ተሳተፍቲ እዞም መድረኻት ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ም ድሕሪ ምግምጋም፣ ትልሚ ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2019 ዓ.ም ንምጥንኻር ዝሕግዙ ቀዳምነት ክወሃቡ ዝግቡኦም ኣጀንዳታት፣ ዕላማታትን ስትራተጂታትን ተዘትዮም። እቲ ዘተ ናብ ዝልካዕ ውፅኢት ንምቕያርን ኣብ መንጎ ብብርኪ ዞባ፣ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመራርሓ ማልት ዝግበር ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዘኽእሉ ምምሕያሻት ክግበር ከምዝግባእ ዘጉለሀ መድረኽ’ዩ ነይሩ።

እዞም ፎረማት ትልሚ ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2019 ዓ.ም ብምፅዳቕ ዝተዛዘሙ እንትኾኑ ተሳተፍቲ ነዞም መደባት ንምዕዋት ብትግሃትን ብሓባራዊ ፃዕርን ንምትግባር ቃል ብምእታው ኣብ ንጥፈታት ኣባልነትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ልዑልን ዝለዓለን ኣፈፃፅማ ዘርኣዩ ዞባ ምምሕዳራት ሓዊሱ ከተማታት፣ ወረዳታትን ጣብያታትን ብምልላይ ኣፍልጦን ክብርን ተዋሂብዎም። እዚ ኣፍልጦ ጥዑይ ውድድር ኣፈፃፅማ ንምትብባዕ፣ ንኻልኦት ንምንቕቓሕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኩሎም መሓውራት ማልት ባህሊ ውፅኢትን ተሓታትነትን ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ።

ማልት ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብዞም ዝተሳለጡ መድረኻት ዘተ ሓባራዊ ዓቕሚ ኣባላትን ማሕበረሰብን ብምንቅስቓስ፣ ንቐፃሊ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ጠለባት ከባብታት ትግራይ ብምምላእን ኣብ ስሉጥ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዕቱብ ብምንቅስቓስ ኣበርክቶኣ አሐይላን ኣጠናኺራን ከምእትቕፅል ዘለዋ ውፉይነት ዘረጋገፀ መድረኽዩ ነይሩ።

ንቕልጡፍ ምሕዋይ ትግራይ ነወፊ
-TDA Mobile App
https://lnkd.in/fEdtpCq...
- Own TDA Digital ID
https://lnkd.in/ezcwyKpZ
Open to anyone, anywhere
- Telebirr Fundraising
https://lnkd.in/eKMw_7wF...
- Wegagen Bank: 1111
- LIB: 1111
- Tele-birr: 560777
- CBE Mobile Banking App
- CBE Birr Fundraising
- Give 1 Birr a day by sending “OK” to 6831
ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ

ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ ንኢንጅነር ታደሰ ብምስዓብ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ኮይኖም============ፍርያት ቓላሚኖ ብብርኪ ሃገር ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘመዝገብዎ ዘስደምም ልዕልነት...
30/08/2026

ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ ንኢንጅነር ታደሰ ብምስዓብ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ኮይኖም
============
ፍርያት ቓላሚኖ ብብርኪ ሃገር ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘመዝገብዎ ዘስደምም ልዕልነትን ብሉፅነትን ብምሕጓስን ዲጂታል መለለዪ ኣባልነት ማልት ብምድጋፍን ፕሬዚዳንት ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ዝኾኑ ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ ኢንጅነር ታደሰ የማነ ምስ ስድራቤቶም ዝፈለምዎ ምውናን ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ተኸቲሎም 36,500 ብር ብምውፋይ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ኮይኖም።
ኣብ ትግራይ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ኸባብታትን እትርከቡ ንጋዶን ሰብ ሃፍትን ኣሰር ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉ ብምስዓብ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ብምዃን ምሩፅ ዘርኢ ብሉፅነት ተጋሩ ኣብ ምብዛሕ ክትሕግዙን ንላቦ።
የቐንየልና ኢንጅነር!

ማሕበር ልምዓት ትግራይ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ትልሚ 2019 ዓ.ምን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣሳሊጣ።(ዓዲጉደም) ፤ 23 ነሓሰ ...
29/08/2026

ማሕበር ልምዓት ትግራይ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ትልሚ 2019 ዓ.ምን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣሳሊጣ።
(ዓዲጉደም) ፤ 23 ነሓሰ 2018 ዓ.ም
===================
ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ምን ምፅዳቕ ትልሚ 2019 ዓ.ምን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ማልት ሓዊሱ ኸባቢ 65 ኣመራርሓ ቤት ምኽርን ቦርድን ማልት ዝተረኸብሉ ሎሚ ዕለት 23 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ብዕውት መገዲ ኣሳሊጣ።

ብመኽፈቲ መልእኽቲ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄርን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ከላሊ ሓጋዚን ዝተኸፈተ ዘተ ኣብ ምንቅስቓስ ምልመላ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን 2018 ዓ.ም ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብምግምጋምን ትልሚ ቐፃሊ ዓመት 2019 ዓ.ም ክፀድቕ ተገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ መሓውር ማልት ኣብ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ልምዓትን ሕውየትን ማልት 2018 ዓ.ም ዝነበሩ ጥንካረታት ብምግፋሕ ካብ ዝነበሩ ድኽመታት ድማ ብምምሃር፤ ኣብ ዝቕፅል ዓመት 2019 ዓ.ም ብውዕይ መንፈስን ተዓፃፃፋይነትን ብምምራሕ ዝሓሸ ስራሕ ንምውጋን ቃል ብምእታው እቲ መድረኽ ሎሚ ተዛዚሙ።
ንሓግዝ ንሕውየት ትግራይ
-TDA Mobile App
https://play.google.com/store/apps/details...
-Own TDA Digital ID
https://member.tda-int.net/become-member
Open to anyone, anywhere
-Telebirr Fundraising
https://www.superapp.ethiomobilemoney.et:38443/.../mIndex...
-Wegagen Bank: 1111
-LIB: 1111
-Tele-birr: 560777
-CBE Mobile Banking App
-CBE Birr Fundraising
-Give 1 Birr a day by sending “OK” to 6831

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘእቱ ብሉፅ ውፅኢት ምርካቦም ዝተስምዓ ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ገሊፃ።
28/08/2026

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘእቱ ብሉፅ ውፅኢት ምርካቦም ዝተስምዓ ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ገሊፃ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ተምሃሮ 12 ክፍሊ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ 2018...

ሓደ ዘተባብዕ ተግባር ኻልእ ዘተባብዕ ተግባር ይወልድ፤ መንፈስ ምሃብን ምትሕግጋዝን ብተግባር“ሓደ ይመርሕ። ካልእ ይኽተል። ብሓባር ድማ ዱር ዕድላት ንተኽል።”============ትማሊ ኢንጂነ...
28/08/2026

ሓደ ዘተባብዕ ተግባር ኻልእ ዘተባብዕ ተግባር ይወልድ፤ መንፈስ ምሃብን ምትሕግጋዝን ብተግባር
“ሓደ ይመርሕ። ካልእ ይኽተል። ብሓባር ድማ ዱር ዕድላት ንተኽል።”
============

ትማሊ ኢንጂነር ታደሰ የማነ ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራቤቱን ፍርያት ቓላሚኖ ብብርኪ ሃገር ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘመዝገብዎ ሃገር ዘስደመመ ልዕልናን ብሉፅነትን ብምግራምን ብሉፅነት ኣብ መላእ ትግራይ ክጋፋሕን ክባዛሕን ካብዘለዎም ባህግን ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ብምዃን 255,500 ብር ብምውፋይ ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ፕሬዚዳንት ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ዝኾኑ ኢንጂነር ኣሸናፊ ሃይሉ 36,500 ብር ብምውፋይ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ኮይኖም።

ኢንጂነር ታደሰ ዝጀመርዎ ተበግሶ ብምስዓብ ማልት ኣብ መላእ ትግራይ ብቕዓት ዘለዎ ወለዶን መንእሰያትን ንምፍጣርን ንምግፋሕን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝድግፍን ንካልኦት ድማ ዘተባብዕን ተግባር ዝፈፀሙ ኢንጅነር ኣሸናፊ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ድማ ቃል ኣትዮም።

ኣብ ትግራይ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ኸባብታትን እትርከቡ ንጋዶን ሰብ ሃፍትን ኣሰር ኢንጅነር ኣሸናፊ ሃይሉን ኢንጀነር ታደሰ የማነን ብምስዓብ ዕድመ ልክዕ ኣባል ማልት ብምዃን ክትፅንበርዎምን ምሩፅ ዘርኢ ብሉፅነት ተጋሩ ኣብ ምብዛሕ ክትሕግዙን ንላቦ።

እዚ ተግባር ካብ ኣባልነት ንላዕሊ ንትምህርቲ፤ ንብቕዓትን ልዕልነትን ከምኡ'ውን ንመፃኢ ትግራይ ዝግበር ቁርፀኝነት እዩ።
የቐንየልና ኢንጅነር!

Address

Ethiopia/Tigray/Mekelle
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai Development Association posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigrai Development Association:

Share