13/05/2026
ተስፋ ዝህብ ስራሕ!
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) መነባብሮ ሕብረተ ሰብ ንመቕያር ብዙሓት ስራሕቲ ሕውየት ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ማእኸል ኣድያቦን ሰየምቲ ኣድያቦን ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ኮይና ትሰርሖ ዘላ ምህርቲ ምሸላ ኣብ ምስሳን፣ ምጥንኻር መስኖ፣ ምምሕያሽ ምዕሩይ ኣመጋግባ፣ ምጥንኻር ኣብ ከባቢ ዝርከባ ንሓረስታይ ዝጠቕማ ትካላት ልዑል ለውጢ እናመፀ ይርከብ። ከም ኣብነት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ እትርከብ ጣብያ ማቻረ ብዙሕ ግዘ ንድርቂ ትጥቃዕ ዝነበረት ጣብያ እያ። ብዙይ ምኽንያት ድማ መናእሰይ ፍቐድኡ ስደት ይኸዱ ነይሮም። ኣብዙ ጣብያ ማረት፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት፣ መንግስቲ ብምትሕብባር ንሓረስቶት ብምትብባዕ 4 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ተዃዒተን ዘድሊ ኩሉ ተገጢሙለን ሒዚ ናብ ልምዓት ብምእታው መብዛሕትኦም ሓረስቶት ናብ ሃይሃይታ ልምዓት ኣትዮም ይርከቡ። ነበርቲ "ታሪኽ ድረቂ ተቐይሩ ማቻረ ኣብ ጠላዕ ሓጋይ ሓምለወይቲ ትኾን ኣላ" ይብሉ። እዙ ስራሕ መሊኡ እንትለምዕ 210 ሄክታር ብመስኖ ብምሽፋን 427 ሓረስቶት ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም።
🌾💧 Transforming lives through resilience!
Once stricken by drought and youth migration, Machare tabia in Raya Azebo is now thriving thanks to the WFP-assisted Resilient program. With a community-led irrigation system, farmers are reclaiming their land and future. A heartfelt thank you to REST, WFP, DECSi, the government, and our local champions for making this transformation possible! ??🌱