Berhan Bora Chelena Development Association-BBCDA

Berhan Bora Chelena Development Association-BBCDA We are organized to support our community who affected by war. Our unity enable us to make it so!

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ኣብፅሐና። ትንሳኤ ክርስቶስ ድሕነት፡ ሰላም፡ ህይወት፡ ፍቕሪ እዩሞ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ይመል...
12/04/2026

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ኣብፅሐና። ትንሳኤ ክርስቶስ ድሕነት፡ ሰላም፡ ህይወት፡ ፍቕሪ እዩሞ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ይመልሰልና።

06/01/2026

ንመላእ ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንዝኽሪ በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፅሐኩም ኣብፀሐና ። ርሑስ በዓል!

ሰላም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ሃገርን ወፃእን ዘለኹም ክቡራትን ክቡራንን ደገፍትን ፈተውትን ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና።ንስኹምን ንስኽንን ብእትገብዎ ዘለኹም ገንዘባዊ፡ ሓሳባውን ደገፋ...
05/11/2025

ሰላም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ሃገርን ወፃእን ዘለኹም ክቡራትን ክቡራንን ደገፍትን ፈተውትን ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና።

ንስኹምን ንስኽንን ብእትገብዎ ዘለኹም ገንዘባዊ፡ ሓሳባውን ደገፋት ኣብ ማሕበረሰብና ዘለዉ ዓበይቲ ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ እናገበርና ፀኒሕናን ኣለናን። ዛግድ ብዝገበርናዮ ፃዕሪ እዉን ህዝባዊ ደገፍን ምስጋናን እናረኸብና ንርከብ።

ሕዚ እዉን እቲ ዝጀመርናዮ ማሕበረ- መሰረተ ልምዓታዊ ፀገማት ህዝብና ናይ ምንካይ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፍቓድና ዘሐደስና ምዃና ንገልፅ።

እቲ ልሙድ ዝኾነ ደገፍኩም፡ ሞራልኹም፡ ሓሳብኹም ኣበርትዕኹም ክትቕፅልሉ እዉን ንላቦ።

ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና።

እንኳዕ ናብ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ.ም ብሰላም ኣሸጋረረኩም፡ ኣሸጋገረና። 2018 ዓ.ም ሰናይ ክኾነልኹም ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና ሰናይ ትምኒታ ትገልፅ ። ዓመተ 2018፡-
10/09/2025

እንኳዕ ናብ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ.ም ብሰላም ኣሸጋረረኩም፡ ኣሸጋገረና። 2018 ዓ.ም ሰናይ ክኾነልኹም ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና ሰናይ ትምኒታ ትገልፅ ። ዓመተ 2018፡-

ወረዳ ቦራ ቸለና ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ከብድ እዋን፡ ድሙቕ በዓል ኣሸንዳ ብሓጎስን ስንትን ኣኽቢራቶ። እቲ ከባቢ ብብዙሓት ድሙቓትን መሳጥን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍጻሜታት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ...
25/08/2025

ወረዳ ቦራ ቸለና ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ከብድ እዋን፡ ድሙቕ በዓል ኣሸንዳ ብሓጎስን ስንትን ኣኽቢራቶ።

እቲ ከባቢ ብብዙሓት ድሙቓትን መሳጥን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍጻሜታት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣሸንዳ ቀንዲ ኣብነት እዩ።

እቲ በዓል ድልዱል ማሕበራዊ ምትእስ ሳር ህዝቢታይ እውን ኣጉሊሑ እዩ። ህዝቢ ቦራ ቸለና ብስኒት ሓባራዊ ምንባር ዝፍለጥ፣ ምስ ኣገው ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብመንፈስ ፍቕርን ሓድነትን ዝነብር እዩ።

22/08/2025

ንኹልኽን ኣዋልድ እንኳዕ ናብታ እትፈትወኣ መዓልቲ ኣሸንዳ ብሰላም ኣብፅሓክን!

"በዓል ኣሸንዳ: መሰረት ሰላም፣ ሓድነት፣ ተስፋ ትግራይ እዩ " ብዝብል ቴማ ክኽበር እዩ።እዚ ዘይርሳዕ ባህላዊ ተመክሮ ኣብ ቦራ ቸለና ብድምቀት ስለዝኽበር ተጸንበሩና!በዓል ኣሸንዳ ካብ ጽን...
11/08/2025

"በዓል ኣሸንዳ: መሰረት ሰላም፣ ሓድነት፣ ተስፋ ትግራይ እዩ " ብዝብል ቴማ ክኽበር እዩ።

እዚ ዘይርሳዕ ባህላዊ ተመክሮ ኣብ ቦራ ቸለና ብድምቀት ስለዝኽበር ተጸንበሩና!

በዓል ኣሸንዳ ካብ ጽንብል ንላዕሊ- ህርመት ልቢ ሃብታም ቅርሲ ትግራይ፣ ምልክት ጽንዓት፣ ሓያል ሓይሊ ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን ’ዩ።

ሎሚ ዓመት ንጡፍ ማሕበረሰብ ቦራ ቸለና ኣካል ናይዚ ፍሉይ ፍጻመ ክትኮኑ ይዕድመኩም፣ ትውፊትን እምነትን ሓጎስን ኣብ ሓደ ድሙቕ ምርኢት ባህሊ ዝራኸብሉ።

ዕለት: 18 ነሓሰ 2017 ዓ.ም
📍 ቦታ: ወረዳ ቦራ ቸለና።

ንምንታይ ነዚ ፈስቲቫል ምሳና ምሕላፍ ከየምልጠኩም ንብል ኣለና?

✨ድሙቕ፡ ሙቁር ባህላዊ ትሕዝቶኡ ዘይለቐቐ፡ ማሕበረሰባዊ ትሕዝቶኡ ዝዓቀበ፡ ሓበን ትግራይ ዝኾነካ ተመክሮ እትረኽብሉ – ትንፋስ ዝህብ ምርኢታት፣ ባህላዊ ሳዕስዒት፣ ከምኡ እውን ፅባቐ ቅርሲ ትግራዋይ ዘርእዩ መሳጢ ሙዚቃ ዘመስክሩ ትሕዝቶታት

🤝 ሓድነትን ሰላምን ንምጥንኻር– ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓቢርካ ፍልልያት ንምርኻብ ንመፃኢ ተስፋ ዘዕቢን ፅምብል ደው ንምባል።

📸 ድምፂ ንቦራ ቸለና ኩኑ – ዋላ’ውን ክትሳተፉ እንተዘይከኣልኩም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሑፋት፣ ስእልታት፣ ቪድዮታት ብምክፋል መንፈስ እቲ ፈስቲቫል ክተጉልሑ ንዕድም።

ኣሸንዳ ንሰላም ከምኡ'ውን ባህሊ ትግራይ ተጠቒምካ ነቲ መልእኽቲ ኣብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ!

ጻውዒት ንስራሕ:
✅ ብኣካል ተሳተፉ – ኣብ ቦራ ቸለና ብሕብርታት፡ ድምጽታት፡ ልምድታት ኣሸንዳ ክትጥሕሉ።

✅ ብቨርቹዋል ደግፉ – ካብ ፈስቲቫል ንእንዝርግሖ ሓበሬታ ተኸታተሉ፣ ተሳተፍ፣ ሼር ብምግባር ባህላዊ ሃብቲ ትግራይ ብዓለም ደረጃ ንምዕባይ ይሓግዙ።

እዚ ካብ በዓል ካብዚ ንላዕሊ- ምንቅስቓስ’ዩ። ትግራይ ዘይስበር መንፈስ ንምኽባርን ንመጻኢኣ ብርሃን ንምብራህን ኣዋልድ ክእከባ እየን።

ዘዳለዎ: ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ወረዳ ቦራ ቸለና ምስ ማሕበር ልምዓት ብርሃን ቦራ ቸለና።

ተኽሊ ኣሸንዳ ብስፍሓት ኣብ ዝበቕለሉ በዓል ኣሸንዳ የኽብሩ!

ኣሸንዳ 2017 ንሕውየት ልቦናን ፡ ሰላምን ሓድነትን።

ካብ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ወረዳ ቦራ ቸለና ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ዝተሳናድአ።

ማልብቦቸ

Address

Kedamay Weyane
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Berhan Bora Chelena Development Association-BBCDA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share