07/06/2026
ካብ ጋንታ ትራንስ ብሽክሌተኛ ቤተልሄም ዳኒኤል ተዓዊታ
ሻምፕዮና ኦሎምፒክ ሲስተም ውድድር ብሽክሌታ ኮርሶ ትግራይ ሎሚ ብክልቲኡ ፆታ መዛዘሚ ውድድሩ እናካየደ እንትኸውን ኣቐዲሙ ብደቂ ኣነስትዮ 60 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ምስ መዛዘሚ 4 ቮላታ ዝሓዘ ናይ ከተማ ክሪተርየም (Criterium) ውድድር ዘካየደ ኮይኑ፤ ተቐዳዳሚት ጋንታ ትራንስ ብሽክሌተኛ ቤተልሄም ዳኒኤል ተዓዊታ።
ተቐዳደምቲ ነዚ ርሕቐት ንምዝዛም 1 ሰዓትን 42 ደቒቓን 33 ሰከንድን ዝወሰደለን እንትኾን ብስዓት 34.47 ኪ/ሜ ዝተዓቀነ ናህሪ ተጓዒዘን።
ብመሰረት እዙይ ብሽክሌተኛ ቤቴልሄም ዳንኤል ካብ ጋንታ ትራንስ 25 ነጥቢ ብምርካብ ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ፣ ብሽክሌተኛ ኣብረት ገ/ሚኪኤል ካብ ጋንታ ትራንስ 10 ነጥቢ ብምርካብ ተዓዋቲት ሜዳልያ ብሪ፣ ብሽክሌተኛ ቅሳነት ግርማይ ካብ ጋንታ መስፍን 8 ነጥቢ ብምርካብ ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን እየን።
ብዚ መሰረት ድማ ጋንታ ትራንስ 1 ወርቂን 1 ብሪን እንትትረክብ ጋንታ መስፍን ድማ 1 ነሓስ ጥራሕ ረኺባ እያ።
ቀፂሉ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ 90 ኪ/ሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር እናተኻየደ ይርከብ ክብል ድወት ሓቢሩ።