Tigray Youth Association

Tigray Youth Association Tigray Youth Association

ናይ ሎሚ  ዓንዃር መልእኽቲ እዚ ጥቕሲ፣ ልባዊ ቅንዕናን ንፅህና ኣእምሮን ሓቃዊ ፣ ውሑስን ዘላቕን ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ቁልፊ ባእታታት ከምዝኾኑ ዘመላኽት እዩ።Embassy of Finland ...
28/08/2026

ናይ ሎሚ ዓንዃር መልእኽቲ እዚ ጥቕሲ፣ ልባዊ ቅንዕናን ንፅህና ኣእምሮን ሓቃዊ ፣ ውሑስን ዘላቕን ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ቁልፊ ባእታታት ከምዝኾኑ ዘመላኽት እዩ።
Embassy of Finland in Addis Ababa - Suomen suurlähetystö Addis Abeba

እዚ ምድላው ብድጋፍ ገንዘብ ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጱያ ብቐፃልነት ዝቐርብ እዩ። ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጱያ፣ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ውሑስ ሰላምን ድሕ...
27/08/2026

እዚ ምድላው ብድጋፍ ገንዘብ ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጱያ ብቐፃልነት ዝቐርብ እዩ። ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጱያ፣ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ውሑስ ሰላምን ድሕንነት ፣ኣብ ምጉልባት ስርዓት ዲሞክራስን ምስፋን ስሉጥን ፍትሓውን ምሕደራን ግቡእ ኣስተዋፀኦኦም ዘበርክትሉ መደላድል ንምምችቻው ፕሮጀክት ሓንፂፁ ምስ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ተዋዲዱ እናሰርሐ ይርካብ።
ዛጊድ ድማ ኣብ ሸሞንተ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ካብ ዝርከባ ዓሰርተ ሽዱሽተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተወከሉ ተምሃሮ ኣብ እንታይነት ሰላምን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም።
ናይዚ ኣካል ዝኾኑ ሕፅርን ምጥንን ኢሎም ንፁር መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ጥቕስታትን ኣበሃህላታትን ሰላም ኣብዚ መረባ ማሕበርና ናባኹም ከነብፅሕ ኢና።
Embassy of Finland in Addis Ababa - Suomen suurlähetystö Addis Abeba

መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ማሕበር መናእሰይ ትግራይትግራይ መኹባዕቲ ረዘንቲ ተፈጥሮኣውን ሰብ- ስራሕን ክብሪታት ምዃና ተደጋጊሙ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ ክዉንን ግብራውን ሓቂ እዩ።እዞም ሃይማ...
21/08/2026

መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

ትግራይ መኹባዕቲ ረዘንቲ ተፈጥሮኣውን ሰብ- ስራሕን ክብሪታት ምዃና ተደጋጊሙ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ ክዉንን ግብራውን ሓቂ እዩ።

እዞም ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ዘ-ልማዳውን ዝቕኒቶምን ካብ ሓደ ሕጓ ዝውሕዙን ንቡራት ክብርታትና ፣ ሰረት ህልውና ትግራይን ተጋሩን ኮይኖም ወሎዶታት ትማልን ሎምን ኣብ ፅንዒ ሓቂ፣ርትዕን ፍትሕን እናተኣሳሰሩን ክብሪ ፣ሓድነት፣ሰላም፣ነፃነት፣ፍቕሪ፣ሰብኣውነት፣ልግሲን ተስፋን እናሰበኹን መፂኦም እዮም።

ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል ኣሸንዳ፣ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ኣውርስን ፀሞረይን ሓደ ካብቶም ፀጋታት ተጋሩ እዮ ። በዓል ኣሸንዳ፣ማርያ፣ዓይኒ ዋሪ፣ ኣውርስ-ኣሸንዳን ፀሞረይን ብኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ዓመት መፀ ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ፈሊሙ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ደሚቑ ክኽበር ፀኒሑን ኣሎን።

እዚ ክብረ በዓል ብቐንዱ መናእሰይ ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፅታትን ወቂበን ንፈጣሪ ዘወድሱን ሰላም፣ሓድነት፣ልግሲ፣ፍቕሪ፣ሓልዮት፣ዕርቅን ብሩህ መፃእን ዘመላኽቱን ንቡራት ደርፊታት ተዓጂበን የኽብርኡ።

በዓል ኣሸንዳ፣ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ ኣውርስ-ኣሸንዳን ፀሞረይን 2018 ኣ. ግ " ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ዓይኒዋር፣ ኣውርስ-ኣሸንዳን ፀሞረይን : ንዘላቒ ሰላም፣ሉኣላውነትን ምሕዝነት ህዝብታትን "ብዝብል መራሒ ሓሳብ ሰረት ሰላም፣ሓድነትን ተስፋን " ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብብርኪ ትግራይ ይኽበር ኣሎ።

እዚ በዓል ዝኽበር ዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተፈናቐሉ፣ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍኣ ሓደጋ ህልውና ኣብ ዝወደቐሉን እዩ።።

ብምዃኑ ድማ እዚ በዓል እንተነኽብር ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ህልውና ንምክልኻል ሓድነትና እነጠናኽረሉ፣ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀገማት ኣብ ዝኸፍአ ናብራ ዝርከቡ ወገናትና እንድግፈሉን ክኸውን ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይፅውዕ።

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝርከቡ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ኣዋልድ ኣሸንዳ፣ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ኣሸንዳ-ኣውርስን ፀሞረይን ርሑስ በዓል ይምነ።

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

ሲቪል ማሕበራት ኣብ ምጉልባት ስርዓት ዲሞክራስን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምሕደራን ፍትሓውን ዘላቕን ልምዓትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለወን ይእመን።ነዚ ኣስተዋፅኦ ኣብ ...
12/08/2026

ሲቪል ማሕበራት ኣብ ምጉልባት ስርዓት ዲሞክራስን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምሕደራን ፍትሓውን ዘላቕን ልምዓትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለወን ይእመን።

ነዚ ኣስተዋፅኦ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሲቪክ ማሕበራት ዘቤት ኩለመዳይ ዓቕመን ዘዕብያሉ ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ግብራዊ ምንቅስቓስ ከምፀንሐ ይዝከር።

እዚ ፕሮጀክት ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ብዝተረኸበ ድጋፍ ገንዘብ ብምትሕብባር ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ዞኣን ማሕበር መናእሰይ ትግራይን ዝትግበር ዘሎ ኾይኑ ዝተቐመጡ መዐቀኒታት ዘማልኣ 16 ሲቪል ማሕበራት ዘቤት ትግራይ ቐፀልቲ መዕበዩ ዓቕሚ ስልጠናታትን ብሉፃት ተመኩረታተን ዝወራረሳሉ መድረኻትን ክሳለጡ ፀኒሖም እዮም።

እዘን ሲቪክ ማሕበራት ዘቤት ብፍላይ ድሕሪ እዚ ብቐፃልነት ዝወሃቡ ዘለዉ ግብራውን ክልሰ-ሓሳባውን ስልጠናታት ኣብ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓሰን ዝፈጠሮ እወንታዊ ለውጢ ክግምገምን ከምብሉፅ ተመክሮ ክወራረስን ኪኢሉ እዩ።

ናይዚ ኣካል ዝኾነ ወርክሾፕ ምውርራስ ብሉፃት ተመክሮታት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ አሎ። ኣብቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሲቪክ ማሕበራት ዘሳተፈ ወርክሾፕ ብማሕበር መናእሰይ ትግራይን ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ዞኣን ዝተዳለዉ ክልተ ፅሑፋት ንዘተ ቐሪቦም እዮም።

እቶም ፅሑፋት ከምዘመላኸትዎ ኣብ ፕሮጀክት ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሓቖፋ ሲቪክ ማሕበራት ብቐፃልነት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝረኸብኡ ግብራውን ክልሰ ሓሳባው ስልጠናታት ዓቕመን ከዕብያን ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምሕደራን ልምዓትን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ክገብራን ፅቡቕ መደላድል ከምዝፈጠረለን ተሓቢሩ እዩ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ እቶም ዝተውሃቡ ስልጠናታት ዝፀንሐ ዘልማዳዊ ኣሰራርሓ እተን ሲቪክ ማሕበራት እዚ ዘመን ብዝጠልቦ ኣሰራርሓ ክትካእ ከምዘኽኣለንን እዚ እውን ስሉጥ ፣ ፅፉፍን ውፅኢታውን ዕዮ ንኸረጋግፃ ከምዝሓገዘንን ኣብ ዎርክሾፕ ተገሊፁ እዩ።

ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሐ ዎርክሾፕ ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይን ካብ ዞኣን ሓዊሱ ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሲቪክ ማሕበራት ዘቤት ትግራይ ዝተወከሉ ሓምሳ ሰብ ሞያታት ተሳቲፎም እዮም።

እዋናዊ መግለፂ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
05/08/2026

እዋናዊ መግለፂ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

Joint Press Release of Tigray Youth Association, Women's Association of Tigray and Tigray Farmers' AssociationUrgent urg...
03/08/2026

Joint Press Release of Tigray Youth Association, Women's Association of Tigray and Tigray Farmers' Association

Urgent urge to the international community concering the fresh dangerious military offensive against Tigrayan people.

As we all aware, Tigray Youth Association, Women's Association of Tigray and Tigray Farmers' Association have consistently appealed to the internationl community at large to ensure the full implementation of the Pretoria Cessation Hostilities accord signed nearly four years ago.

However, due to the very failure to do so, the silenced genocidal war on the people of Tigray has been continuning to worsen dangeriously.

Unfortunately, We are gravely concerned to receive reports of fresh and dangerious military offensive by the Ethiopian government against the people of Tigray in Western Tigray. These actions directly violate the Pretoria Cessation of Hostilities Agreement and poses severe survival threat on Tigrayan people.

Therefore, Tigray Youth Association , Tigray Women's Association and Tigray Farmers' Association of Tigray strongly urge the international community to take urgent action on the Ethiopian government to immediately halt its adventurous action that dragging the people of Tigray in to another round of genocidal war.

We are also calling the international community to put maximum pressure to open inclusive political dialogue between the signatories pf the Pretoria Cessation of Hostilities Agreement .

Tigray Youth Association , Tigray Women's Association and Tigray Farmers'Association

3rd August 2026

Mekelle, Tigray

ማሕበር  መናእሰይ ትግራይን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጱያ ኮምሽን ማሕበራዊ ልምዓት ጨንፈር ዓዲግራትን ኣብ ዙርያ ተጠቃምነት መናእሰይ ንዘተግብርዎም ንጥፈታት  ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕ...
10/07/2026

ማሕበር መናእሰይ ትግራይን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጱያ ኮምሽን ማሕበራዊ ልምዓት ጨንፈር ዓዲግራትን ኣብ ዙርያ ተጠቃምነት መናእሰይ ንዘተግብርዎም ንጥፈታት ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ይዝከር።

እቲ " ፕሮግራም ብቑዕ መንእሰይ" ተሰይሙ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታትን ዕስራን ሓሙሽተን ወረዳታትን ትግራይ ዝትግበሩ ንጥፈታት ብቐንዱ ኣብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበኾሩ ትምህርቶም ክቕፅሉ ምግባር፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይ፣ምሃብ ስልጠናታት ግብራዊ ክእለትን ሕውየት ስነ-ልቦናን ዘጠቓለሉ እዮም ።

በዚ መሰረት ኣብ ሸሞንተ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ኣድላይነት ትምህርቲ ፣ ሕውየት ስነ-ልቦና፣ምግታእ ፆታዊ መጥቃዕትን ንደቂ ኣንስትዮን ጉደኣት ኣካላትን ፍሉይ ቆላሕታ ምሃብን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝዘተዩ ዋዕላታት ተሳሊጦም እዮም።

ብፍላይ ካብ 15 ክሳብ 18 ክሊ ዕድመ ዝርከቡን ብዝተፈላላዩ ገዛእቲ ምኽንያታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበኾሩን ተምሃሮ ናብ ትምህርቲ ንምምላስ ብዝለዓለ ትኹረት ንምስራሕ ብዕምቆት ተዘትይሉ እዩ።

ኣብቲ እዋን ብዝተፈላለዩ ሞያታት ፈጠራ ተወዳዲሮም ተዓወቲ ዝኾኑ መናእሰይ ሽልማት ዝተበርከተሎም ኮይኑ ብሉፅ ተመክሮኦም እውን ኣካፊሎም እዩም።

ኣብቶም ዋዕላታት ካብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተወከሉ 537 ተምሃሮ፣ኣመራርሓ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ተወከልቲ ቲቬትን ኣካላት መንግስትን ተረኺቦም እዮም።

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ስውኣት ትግራይ ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ-—----------------------------------------ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ኣ...
21/06/2026

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ስውኣት ትግራይ ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ
-—----------------------------------------
ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ኣሸሓት ዓመታት ዘቑፀሩን መራኽቦ ጫፋት ዓለም ዝኾኑን ገዘፍቲ ስልጣነታት ስነ-መንግስቲ፣ታረኽ፣ባህሊ፣ፖለቲካ፣ ዲፕሎማስን ወተሃደራዊ ጥበብን እዩ።

እዚ ህዝቢ፣ ሃገር ኣጣይሹ ትርጉም ዘምሃረ እንትርፊ ልግሲ ኢድ ሃቡኒ ዘይመፃደቕ፣ ወፅዓን መግዛእትን ኣምሪሩ ዝሕረም ጥራሕ እንተይኮነስ ስለ ኩሉ ሰናይ መቕርብ ግዳምን ክብል ብዘይስስዓ ኩለንተንኡ ዘበጀወ እውን እዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ህዝቢ ትግራይ፣ምስ ዘመናት እናተባረዩ ኣንፃር ህልውንኡ ዘቕንዑ ቅሉዓት ተፃብኦታት ብሄራዊ ዕብለላታት፣ ፅንታን ግበታን ሓይልታት ውሽጥን ግዳምን ብመስተንክራዊ ሓቦ ፣ ወኒ ፣ፅንዓትን ጀግንነትን ክቃለስ ፀኒሑን ኣሎን።

ዕላማ መዋእላት ዝተሳገረ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኢትዮጱያ ጣኦት መግዛእቲ ሕሰምን ክፋእን ብምፍርራስ ሓቂ፣ ማዕርነት ፣ ኪዳን ብርሃን ፣ርትዕን ፍትሕን ምትካል እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ቀለስቲ በቢ መዋእሉ ክካየዱ ዝፀንሑን ዘለውን መረርቲ ቃልሲታት ዝኾኑ መናእሰይ ትግራይ ብዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ ብፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ይኹን ድሒሩ ብሓይሊታት ፅንተት ዘቤትን ግዳምን ካብ ዝተኣወጀ ሙሉእ ፅንታ ዲሒንና እነሆ " ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ህልውናናን ሉዓላውነትናን " ብዝብል ረዚን መራሒ ሓሳብ እንዝክሮ ዘሎና መበል 38 ዓመት መዓልቲ ስውኣት ንምብዓል በቒዕና።

ይኹን እምበር ሐዚ እውን እዚ ክቡር ዕለት እንትንዝክር ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽን ስውኣትና ዝወደቕሉ ዕላማ ብግብሪ ንምርግጋፅ ዕረፍቲ ኣብ ዘይህብ ፈታኒ መድረኽ ኮይንና እዩ።

እዚ ረዚን ዕለት፣ ዕለተ ክብርን ዝኽርን ጥራሕ እንተይኮነስ ሓሳረ-መንከራ ህዝብና ንኽመሓው መባእ ናይዝኾኑ ስውኣትን ቃልን ግብርን እነዋስበሉ እውን እዩ።

ብቐንዱ ዕላማን ደበስን ስውኣትና ዝዕወት ድማ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኣላውነትን ትግራይ ውሑስ እንትኸውን፣ ንዝበፅሓና ፅንታ ፍትሕን ርትዕን እንትረጋገፅን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር መረበቶም እንትምለሱን እዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ምእንተ ውሑስ መፃኢ ተጋሩን ትግራይን ክብሉ ክቡር መስዋእትን መቁሰልትን ናይ ዝገበሩ ስድራ ስውኣት ንምሕብሓብን ኩለመዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ቀለስቲ እዚ ቅያ ዝኾኑ መናእሰይ ንምርግጋፅን ቃል ናብ ተግባር ንምሽራፍ እንረባረበሉ ወሳኒ እዋን ኣለና።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቃል ስውኣት ትማልን ሎምን ንምትግባርን ዙርያ መለሽ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ግቡኡ ንምውፃእ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ከረጋግፅ ይፈቱ።

ክብርን መጎስን ንስውኣና!!
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
15 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ፣ትግራይ

ዝወሃቦም ዘሎ ግብራውን ክልሰሓሳባውን ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ፣ ፅቡቕ ዓቕሚ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ሰልጠንቲ ተምሃሮ ገሊፆም።ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዘድሃበ ስልጠና ንተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣ...
02/06/2026

ዝወሃቦም ዘሎ ግብራውን ክልሰሓሳባውን ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ፣ ፅቡቕ ዓቕሚ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ሰልጠንቲ ተምሃሮ ገሊፆም።

ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዘድሃበ ስልጠና ንተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ይወሃብ ኣሎ።
========================
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዘን ምስ ዝንቀሳቐሳ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ኢምባሲታትን ተሓባቢሩ ኣብ ምዕባይ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።

ናይዚ ኣካል ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝገበሮ ድጋፍ ገንዘብ ኣብቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሓቖፋ ከተማታት ሸራሮ፣ሽረ፣ኣኽሱም፣ዓድዋ፣ዓብዪ ዓዲ፣ ዓዲግራት ፣ መቐለን ማይጨውን ዝርከባ ዓሰርተ ሽዱሽተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተወከሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተምሃሮ ግብራውን ክልሰ-ሓሳባውን ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ ግብራውን ክልሰ ሓሳባውን ስልጠና ኣብ እንታይነትን ረብሓን ሰላም፣ ምእላይ ጎነፃት፣ ምዕሟቕ ቐፃሊ ሰላም፣ እንታይነትን ሳዕቤናትን ሓበሬታ ጠቐነ (disinformation) ከምኡ እውን ስሑት ሓበሬታ( misinformation) ኣድሂቡ በቢምዕራፉ ተመዲቡ ብቐፃልነት ይወሃብ ከምዘሎን ነዚ ስልጠና ዝከታተሉ ዘለዉ ተምሃሮ " ኣምባሳደራት ሰላም " ተባሂሎም ከምዝምረቑን ተሓቢሩ እዩ።

እዞም ሰልጠንቲ ተምሃሮ ፣ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ብማሕበራዊ ሚድያታት ኣቢሎም ዝፍነዉ ሃወኽቲ ናይ ፈጠራን ስሑታትን ሓበሬታ ብምክልኻልን እወንታዊ መልክዕ ብምትሓዝን ኣቢሎም ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ግበኦም ክዋፅኡ ቐፃሊ ደገፍን ክትትልን ክግበረሎም እዩ።

እዚ እውን ብዋናነት ኣብ ዝወከልወን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተጣየሻ ውዳበታት ሰላም፣ ማንዛ ምስ ማንዛ ብዝግበር ምልውዋጥ ሓበሬታ፣ ዝመፅሉ ማሕበረሰብ ብምንቓሕን ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ማሕበራዊ ሚድያን ብምጥቃምን ከምዝትግበርን ነዚ ዝሕግዝ ንዋት ንነብሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ከምዝግበረለን ተገሊፁ።

እዚ ንኻልኣይ ጊዜ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት ኢምባሲ ፊንላንድ ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ከምዝፀንሕ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ እዩ።

ቀዳማይ ዙርያ ፕሮጀክት ኢምባሲ ፊንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተግበረ ኾይኑ ዝተፈላለዩ መናእሰይ ብኣምበሳደር ሰላም ኣሰልጢኑን አመሪቑን ናብ ግብራዊ ስራሕ ከምዘዋፈረ ይዝከር።
Embassy of Finland in Addis Ababa - Suomen suurlähetystö Addis Abeba

መልእኽቲ እንዃዕ ኣብፀሐኩም ማሕበር መናእሰይ ትግራይህዝቢ ትግራይ ፣ ሓቂ፣ ርትዕን ፍትሕን ዝመትከሉን ንዕብለላን ምልክን ካብ ርሑቕ ኣምሪሩ ዝፅየፍን ህዝቢ ከምዝኾነ እንተላይ ፀላእቲ ዝምስክ...
27/05/2026

መልእኽቲ እንዃዕ ኣብፀሐኩም ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ፣ ሓቂ፣ ርትዕን ፍትሕን ዝመትከሉን ንዕብለላን ምልክን ካብ ርሑቕ ኣምሪሩ ዝፅየፍን ህዝቢ ከምዝኾነ እንተላይ ፀላእቲ ዝምስክርዎ መሪር ሓቂ እዩ።

እዞም ዘመናት ተሻጊሮም ወለዶታት እናወረስዎም ዝመፁ ረዘንቲ ክብሪታት ተጋሩ ዘይጥዕሞምን ኣብ እንግደዓ ህዝቢታት " ቸቸ" ብዝልማዶምን ገዛእቲ ዘቤትን ግዳምን ኣንፃር ህልውንኡ ዘቕንዑ ተደጋገምቲ ወፍሪታት ፅንታ ከካይድሉ ፀኒሖምን ኣለውን።

ህዝቢ ትግራይ ፣ ምስ እዋናት እናተፈራረቑ ከጋጥምዎ ዝፀንሑን ዘለዉን ፅዑቓት ወፍሪታት ኣንፃር ህልውና " ሓድነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ምሽጥራዊ ኣምር ረዚን ክብሪ ሰሚሩ እናበደሀ ህልውንኡ ብቐፃልነት የውሕስ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብመዋእሉ ተደጋገምቲ ፣ ነዋሕትን መረርትን ብረታዊ ቃልሲታት ዘካየደ እንትኸውን ኣብዚ ከም ኣብነት ዝግለፅ ድማ ሎሚ ዓመት ንመበል 35 ግዜ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዓወት 20 ግንቦት ምድምሳስ ውልቀ መልኪ ስርዓት ደርግ እዩ።

በዓል ዓወት 20 ግንቦት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተዳዕኒኑ ዝነበረ ደረት ኣልቦ ደርባውን ብሄራውን ምልክን ዕብለላን ብመሪር ብረታዊ ቃልሲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ደዃዕዃዕ ኢሉ ሓመድ ድበ ዝኣተወሉን ኣብ ክንድኡ ሓቂ፣ ርትዕን ፍትሕን ዝተተኸለሉን እዩ።

በዓል ዓወት 20 ግንቦት፣ መርኣያ ኹናት ፣ ስደት ፣ ሚሒር ድኽነት፣ ድንቁርናን ድሕረትን ኮይኖም መዋእሎም ሰንሰን ክብሉ ዝፀንሑ ህዝቢታት ኢትዮጱያ፣ መርኣያ ስሉጥ ልምዓት ፣ ሰላምን ዲሞክራስን ኮይኖም ኣብ መድረኽ ዓለም ክደሚቁ ዘኽኣለት ዕለት እውን እያ።

ይኹን እምበር ሎሚ ዓመት " 20 ግንቦት እምነ ኹርናዕ ምውሓስ ልዓላውነትና " ብዝብል ገዚፍ ቴማ እነኽብሮ ዘሎና በዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣብ ዝተፈለየ ህሞት ኮይንና እንፅምብሎ ከምዘሎና ርዱእ እዩ።

እዚ በዓል ፣ ብሰንኪ ዝተኣወጀልና ትሉም ፅንተት ኹናት ልፍንቲ ዘቤትን ግዳምን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ሰገር ዶብ ዝተሰደዱን ተጋሩ ኣብዘይተመለስሉን ብጥምየትን ሰኣኖ መድሓኒትን ብቐፃልነት ኣብዝሃልቁሉን፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉዓላውነትን ትግራይ ብወረርቲ ኣብዝተጎበጠሉ ፣ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኣብዘይተጀመረሉ ፣ ብሓፈሻ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ካሊእ መልክዕ ሒዙ ብሰላሕታ ይቕፅለሉ ኣብ ዘሎ ይኽበር ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ መርኣያ ፅንዓትን ዓወትን ዝኾነ በዓል ዓወት 20 ግንቦት እንተነኽብር ፣ ኣብ ትሕቲ ኣምር ሓድነት ኩላትና ዓሲልና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ህላወ ትግራይን ተጋሩን ንምውሓስ ብሓደ ልቢ ፀቕጥታትና ከነሓይል ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይፅውዕ።

ደጊምና ኣብ ውሽጢ ዓድን ግዳምን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቲ ቃልስናን እንዃዕ ንበዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም ክንብል ንፈቱ።

" 20 ግንቦት እምነ ኩርናዕ ምውሓስ ሉዓላውነትና!! "

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

Address

Mekelle, Tigray
Mekelle
454

Telephone

+251970073586

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Youth Association posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigray Youth Association:

Shortcuts

Share