14/07/2025
ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ናይ ቑጠባዊ ፀገም ዘለዎም ህፃናት ኣብ ተሃራፊ ዕድመኦም ካብ መኣዲ ፍልጠት ተገሊሎም ናብ ደገ ዘማዕድዉን ዝወፁን ቁፅሮም ዘይናዓቁ ሰገናት ድሌቶምን ባህጎምን ንምቅናዕ ናውቲ ትምህርቲ ኣማሊኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምልኣኽ ዝግብኦም ቀለም ክቐስሙን ክህነፁን ብምግባር ከምኡ እውን ዝብላዕ ስኢኖም ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ዘይኽእሉን ጀሚሮም ንዘቋረፁን ናይ ገንዘብን ምግብን ድጋፍ ብምግባር ምስ ወለዶምን ቤተሰቦምን እናነበሩ ዝሕገዝሉ መንገዲ ተሊሙ ንዝሓለፉ 9 ዓመታት ንልዕሊ 50,ዐዐዐ ናይ ናውቲ ትምህርቲ፣ ን 50 ሰገናት ድማ ናይ ወርሓዊ ቐለብ ሓገዝ ብምሃብ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ዝርከብ ዘሎ ማሕበር እዩ። ውፅኢት ጉዕዞ 9 ዓመት ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ትማሊ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ተምሃሮ እናሃለው ሓገዝን ክትትልን ካብ ዝተገበረሎም 50 ሰገናት ሎሚ ኣብ 2ይ ብርኪ ፣ መሰናድኦን ዩኒቨርሲቲን (ናይ medicine ) ተምሃሮ ኮይኖም ይርከቡ። ዝተፀገሙ ህፃናት ካብ ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኽ ምስ ናይተፈጥሮ ወለዶም፣ ዘመድን መዕበይን ኾይኖም ማሕረሰብ ኣተሓባቢርካ ሓገዝ ዝረኽብሉ ዕድል ምምችቻይ ፍረ ምርካብ ከም ዝክኣል ብምግንዛብ ቐፃሊ "ሓደ ህፃን ንሓደ ቤተሰብ" ብዝብል ሓሳብ 100 ዝተፀገሙ ህፃናት ንምሕጋዝ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ምድላዋት ተወጊኑ ኣሎ።
ናይ " ሓደ ህፃን ንሓደ ቤተሰብ" ናይ ሓደ ወርሒ ጥሙር ወፃኢ 3500 (ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተሚትን ) እንትኸውን ናይ ዓቅምኹም ሓገዝ ንክትገብሩ ንፅውዕ።