ማሕበር ልምዓት እገላ - Egella Development Association

ማሕበር ልምዓት እገላ - Egella Development Association እዚ ገፅ እዚ ደቂ እገላ፡ ስለ ዓዶም እገላ እሂን ምሂን ዝብሉሉ ገፅ ኢዩ። ኣብዚ ገፅ ስለ ዓዶም ወቅታዊ ኩነታት 'ዉን ሓበሬታ ይረኽቡ። ሓበራዊ ገዛና 'ዩ።🌳

ሰናይ ዕድል ንተፈተንቲ!
10/06/2026

ሰናይ ዕድል ንተፈተንቲ!

04/06/2026


☘️☘️☘️☘️☘️☘️☘️

ነበርቲ ስዑዲ ከተማ ሪያድ ተወለድትን ፈተውትን እገላ ንዕለት 28 ጉንበት 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 3:00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ሆቴል እስትር መክረጅ 24 ኣብ ዝህልወና ልምዓታዊ ምይይጥ ንክትርከቡልና ብክብሪ ንዕድም። ኣብ ጂዛን ኣብ ሓደ ምሸት ልዕሊ 3 ሚልዮን ቅርሺ ብምዉፃእ ዝተሰርሐ ታሪኽ ኣብ ሪያድ ክድገም ብዝለዓለ ተገዳስነት ነራኸብ።

ካብ መተሓባበርቲ ከተማ ሪያድ ዝተለኣኸ!

ማልእ☘️

03/06/2026

ተወለድን ፈተውትን እገላ ነበርቲ ሱዑዲ ዓረብያ ፍሉይ ቦታ ጂዛንን ከባቢኣን ብጣዕሚ ዉፅኢታውን ታሪኻውን ዝኾነ ለይቲ ነይሩዎም። በቢከባቢኡ ዘለኹም ተወለድቲ ዉን እዚ ሰናይ ስራሕ ክትክተሉዎ ንላቦ። ክፍሊ መዋልዳን ወዲእና ናብ ካልእ ስራሕ ንሸጋገር👌

የቐንየልና!☘️

02/06/2026
02/06/2026

009660508345080 ናብ መምህር ናሆም 009660539581240 ናብ
ካሓሰ ባህታ ብምድዋል ቃል ምእታውን ኣታዊ ምግባርን ይከኣል 'ዩ።

ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ🖐
ማልእ☘️

02/06/2026

ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ነበርቲ ስዑዲ ተወለድትን ፈተውትን እገላ ፍሉይ ቦታ በሽን ከባቢኣን ተኣኻኺቦም ንማሕበሮም ንማልእ ብሓፈሻ መዛዘሚ ክፍሊ መዋልዳን ጣብያ ጥዕና ዕርዲ ጀጋኑ ብፍሉይ ገንዘባዊ ሓገዝ እናገበሩ ይርከቡ።

*ካልእ ናይ ልምዓት ዘይና* 🖐ኣብ ጣብያ ዝባን ጒላ ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ብኣስታት 16 ሚልዮን ቅርሺ ዝተሰርሐ ጥዕና ኬላ (health post) ብዕለት 21 ጉንበት 2018 ዓ.ም ተወከልቲ ቢሮ...
30/05/2026

*ካልእ ናይ ልምዓት ዘይና* 🖐
ኣብ ጣብያ ዝባን ጒላ ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ብኣስታት 16 ሚልዮን ቅርሺ ዝተሰርሐ ጥዕና ኬላ (health post) ብዕለት 21 ጉንበት 2018 ዓ.ም ተወከልቲ ቢሮ ሓለዋ ክልል ትግራይ፣ ማልእ ቦርድ፣ ስራሕ መካየድን ተወከልቲ ኣማኸርቲ ማልእን፣ ወረዳ ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቕ ኩነታት ተመሪቑ ኣሎ።

ማልእ☘️☘️☘️

ቦርድ ማሕበር ልምዓት እገላ፣ ቢሮ ኦዲትን ቁፅፅርን ማሕበር ልምዓት እገላን ቢሮ ስራሕ መካየድን ሎሚ ዕለት 26/05/2018 ናይ ዝሓለፈ 10 ወርሒ (01/ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ክሳብ መስከረ...
03/02/2026

ቦርድ ማሕበር ልምዓት እገላ፣ ቢሮ ኦዲትን ቁፅፅርን ማሕበር ልምዓት እገላን ቢሮ ስራሕ መካየድን ሎሚ ዕለት 26/05/2018 ናይ ዝሓለፈ 10 ወርሒ (01/ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ክሳብ መስከረም 30/ 2018 ዓ.ም) የካይድ ኣሎ።
ብተወሳኺ ናይ ቦርድ ማልእ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መደብ ኣፈፃፅማ ስራሕን መፃኢ ኣንፈትን 'ዉን ተዘትይሉ ኣሎ። እቲ ኣኸባ ሕጂ 'ዉን እናተኻየደ ይርከብ።

Address

መቐለ
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማሕበር ልምዓት እገላ - Egella Development Association posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share