ሓበሻ ነበርቲ ካርቱም Habesha Residents In Khartoum

ሓበሻ ነበርቲ ካርቱም Habesha Residents In Khartoum እዛ ፔጅ እዚኣ፡ ንኣብ ኣዲስ ኣባባን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃ ንነብር፡ ህሉውን ግዝያውን ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ተገልግ ኢያ!
ካብ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ነጻ ፔጅ!

ሼር ሼር ሼር ኣሕዋትሰላምታ ናይ እግዚኣብሄር ናባኹም ይብጻሕ ክቡራት ይሕዋት ።እምብኣር ከስ እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ሓውና ሮቤል ግርማይ፡ (ወዲ ሃርያት) ዝብሃል ኮይኑ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ቦታ ...
08/03/2026

ሼር ሼር ሼር ኣሕዋት

ሰላምታ ናይ እግዚኣብሄር ናባኹም ይብጻሕ ክቡራት ይሕዋት ።እምብኣር ከስ እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ሓውና ሮቤል ግርማይ፡ (ወዲ ሃርያት) ዝብሃል ኮይኑ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ቦታ ሓጋዝ ዞባ ዓንሰባ ኮይኑ ኣብ ሱዳን ይቅመጥ ድሕሪ ምንባሩ ምስ ኩነታት ናይ ሱዳን ከም ኩሉ ሰቡ ናብ ኢትዮፕያ መዓስከር መተማ ዝብሃል ኣትዩ ኣብ መተማ ክቅመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ንከሰላ ክምለስ እየ ብዝብል ሓሳብ ብዕለት 7 ወርሒ 8 ።2025 ዓ/ም ካብ መተማ ተበጊሱ ድሕሪኡ ሽንፋእ ዝብሃል ዓዲ ቀሪበ ኣለኩ ድህሪ ምባል ካብኡ ንድሕሪት ደሃይ ዝብሃል የብሉን ።ሼር ውን ዓባይ ሓገዝ እያ ሞ ተሓባቢርና ደሃይ ሓውና ክንረክብ ደገፍኩም ኣይፈለየና ።
ርእየዮ ኔረ ዝብል ወይ ደሃዩ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱና ።

ኤደን ኣቶብርሃን ።[Mobil] +49 1521 7504341
ቶማስ ታረቀ።00251975049333
ቶማስ ተክለሃይ።00211929146219
Whatsapp same number

Stop Violence End The Abuseስደተኛ እምበር ኣይኮኑን ገበነኛታት!
24/02/2026

Stop Violence End The Abuse
ስደተኛ እምበር ኣይኮኑን ገበነኛታት!

" ንመሕዘኒ እትኸውን ስእሊ ኢያ" ነጽነት ወርቅነህቅድሚ ገለ ሳምንታት፡ እቲ ብመስሓቅ ኮመዲታቱን ኣዘናጋዒ መደባቱን ዝፈለጥ ብሉጽ ኣርቲስት ነጻነት ወርቅነህ፡ ነዛ ኣብ ታሕቲ ንዕዘባ ዝለና ...
16/01/2026

" ንመሕዘኒ እትኸውን ስእሊ ኢያ" ነጽነት ወርቅነህ

ቅድሚ ገለ ሳምንታት፡ እቲ ብመስሓቅ ኮመዲታቱን ኣዘናጋዒ መደባቱን ዝፈለጥ ብሉጽ ኣርቲስት ነጻነት ወርቅነህ፡ ነዛ ኣብ ታሕቲ ንዕዘባ ዝለና ስእሊ ኣብ ገጻት Facebook ን Instagramን " ንመሕዘኒ እትኸውን ስእሊ ኢያ" ኢሉ ጠቂዕዋ ኔሩ!

ፈጣሪ ካብ መረጸካ፡ በቃ ኣብ ገነት የንብርካ!

ምንጪ፡ ጉርሻ ፔጅ

ዘሕዝን:'( :'( :'( ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ኮሜድያን ነጻነት ወርቅነህ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ! ፈጣሪ ኣብ የማናይ ኢዱ ይቀበልካRest In Peace legend!
16/01/2026

ዘሕዝን:'( :'( :'(
ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ኮሜድያን ነጻነት ወርቅነህ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ! ፈጣሪ ኣብ የማናይ ኢዱ ይቀበልካ

Rest In Peace legend!

16/01/2026

R.I.P Ethiopian Legend Artist!!
ይሳዝናል!

 #ህጹጽ ጻዊዒት ንምድሓን ዜጋታት  #ኤርትራ ፣     ኣብ መዓስከር ኣለም-ዋጭ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብጃካ እቲ ብሸፋቱ ዝገጥሞ ዘሎ መቅተልትን ማሕረድትን መጭወይትን፥  ብሰንኪ ጥ...
24/12/2025

#ህጹጽ ጻዊዒት ንምድሓን ዜጋታት #ኤርትራ ፣
ኣብ መዓስከር ኣለም-ዋጭ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብጃካ እቲ ብሸፋቱ ዝገጥሞ ዘሎ መቅተልትን ማሕረድትን መጭወይትን፥ ብሰንኪ ጥምየትን ስእነት ቫይታሚንን ብዓጸቦ ልዕሊ 8 ህጻናት ቆልዑን ጥኑሳትን ክሞታ ከለዋ፥ ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ድማ ናይ ዲያቤትክን ካልእ መግቢ ዝደልይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ስደተኛታትን ንሞትን ንስንክልናን ተቃልዖም ኣለው። ኣላይ ዘይብሎም ኣቦታት ድማ ጉሓፍ እናኣከቡ ክብልዑ ተቀሲቦም ኣለው። ስለዚ ኩላትና ግዱሳን ነዚ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዊዒት ብምስማዕ እጃምኹም ከተበርክቱ ጻዊዒት ነቅርብ።

ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ Gbri Hyaway Samrawi

ነዞም ብጥምየት ዝሳቀዩ ዘለው ንምሕጋዝ፥
ብዋትስ ኣፕ ኮነ ብቀጥታ ንምድዋል፦ 00251901757334
ወይ 00251994697955 ወይ
--> bank of Abyssinia
Arabsa Branch,
Swift፦ ABYSETAA
Habteab Eyob and HENOK Girmay and Tsehay A/C NO " 179597497 "

ምንጪ፡ ካብዝን ካብትን

21/12/2025

ህጹጽ ጻውዒት (ሕልና ዘለዎ ሼር ይግበሮ)
ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኤርትራውያን ኩኑ ተጋሩ፡ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ሕንጻጽ ንዝርከቡ ተጋሩ፡ ብሰንኪ ስእነት መግብን መድሃኒትን ሂወት ብዙሓት ይረግፍ ኣሎ እሞ፡ ኩላትና ሰብ ሕልና ብዝተኻእለና መጠን ትንፋስ ሰብ ኣብ ምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝና ክነበርክት ንጽውዕ!
ሓውና ራእሲ ልኡል ካብ ኣብ ቲክቶክ ዝጸሓፎ!
@ራእሲ ልኡል ⓰:ህፁፅ ሓገዝ ን ሕንፃፅ
ኩለኩም ተጠቀምቲ ሶሻል ሚዲያ ድምፂ ኩኑና ከም ልፍለጥ ኣብ ሕፃፅ 16 ሽሕ ሰብ ይግነ ኣብ ኣፍ ሞት ልግነዩ 1700 ከባቢ እንትኮኑ 350 ከባቢ ደማ ብሞት ተፈልዮሙና እዮም ።
እዚ ክንብል ተለና ዞም ሕብረተሰብ እዚኦም ናይ ኩላትና ግዴታ ምኻኖም ንርዳእ ንክእል ኣለና ።
ብፅሑልና ቪድዮ ብምስራሕን ብምፅሓፍን ከምኡ ደማ ፅባሕ ኣብ ልጅመር ናይ LIVE ፕሮግራም ካብ ዕለት ቀዳም 11/04/2018 ጀሚሩ ተከታታሊ 3 መዓልቲ ኣብ ናይ ሜጀር TDF ካብ ሰዓት 3 ምሸት ልጅመር ምካኑ ክትነግሩልና ነተሓሳስብ ።
ሒሳብ ባንኪ ናይ 3ተ ሰብ
1000737293932
ራዕሲ ልዑል
Brezy Bre
Abel ሓያል ሰብ

ሼር ሼር ሼርካብታ ደምበ ስነ-ጥበብን ስነ-ጥበባውያን ዝኾነት ስድራ፡ ስድራቤት ገዲም ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስ ዝፈረየ ውልዶ ስነ-ጥበበኛ ቶማስ ዮሃንስ፡ ሕጂ'ውን ቅድሚ 45 ዓመታት፡ ...
19/12/2025

ሼር ሼር ሼር
ካብታ ደምበ ስነ-ጥበብን ስነ-ጥበባውያን ዝኾነት ስድራ፡ ስድራቤት ገዲም ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስ ዝፈረየ ውልዶ ስነ-ጥበበኛ ቶማስ ዮሃንስ፡ ሕጂ'ውን ቅድሚ 45 ዓመታት፡ ብበሃር ነፍስሄር ዶክተር በረኸት መንግስትኣብን ገዲም ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስን ተዘይማ፡ ብ ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስ ዝተሓደመት " ዓሌት ቤተሰባ" ዘርእስታ ናይ ቀደም ደርፊ፡ ብብሉጽ ኣገባብ ተሓዲሳ ድሮ ኣብ ከብሒ Youtube ተዘርጊሓትልና ኣላ'ሞ ሃየ ነስተማቅራ፡ Subscribe, share, like ብምግባር ንስድራቤት ባባ ዮሃንስ ደገፍናን ምስጋናናን ንግለጸሎም!
ድምጻዊ ቶማስ ዮሃንስ፡ ንስነ-ጥበባዊ ወላዲኡን፡ ብሉጻት ድምጻውያን ሰምሃር ዮሃንስን ዳናይት ዮሃንስን ተኸቲሉ ብሉጽ ክእለቱ ኣብ ምንጽብራቅ ይርከብ ኣሎ።

ክብረት ይሃበልና ስድራቤት ገዲም ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖ!

ንጉዱሳት ትምልከት ሓበሬታእቶም ብብዝሒ ኣብ ቲክቶክ ቪድዮ ትዝርግሑ፡ ልክዕ ከም ቲክቶክ ዓይነት Buzzer ትብል app መጺኣ ኣላ! እዛ ኣብ ዘይከም ናይ ቲክቶክ ብ View ትኸፍል ኢያ! ኣ...
19/12/2025

ንጉዱሳት ትምልከት ሓበሬታ
እቶም ብብዝሒ ኣብ ቲክቶክ ቪድዮ ትዝርግሑ፡ ልክዕ ከም ቲክቶክ ዓይነት Buzzer ትብል app መጺኣ ኣላ! እዛ ኣብ ዘይከም ናይ ቲክቶክ ብ View ትኸፍል ኢያ! ኣብ መጻኢ ን ቲክቶክ ክትወዳደር ትኽእል App ኢያ! ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ትግደሱ ኣሕዋት ጠቃሚት ኢያ! ኣብ play store ይኹን ኣብ Appstore ኣላትኩም!
Invitation Code: ምስ ትደልዩ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ኮፒ ጌርኩም ወሲድኩም የእትዉዋ!
https://app.buzzerfan.com/referral-invite/rs8939baac036140b5a1d42ff8b59577bd

ኣዲኡ ዝፈቱ ክሰምዓ ዘለዎ ደርፉ!ስድራቤት ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስ፡ ከም ቆጸርኦም መሰረት፡ ንወላዲቱ ዝደረፋ ደርፊ ብብሉጽ ኣገባብ ብምሕዳስ ናብ ከብሕታት Youtube ሰቂልልና ኣሎ'...
13/12/2025

ኣዲኡ ዝፈቱ ክሰምዓ ዘለዎ ደርፉ!
ስድራቤት ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ እስቲፋኖስ፡ ከም ቆጸርኦም መሰረት፡ ንወላዲቱ ዝደረፋ ደርፊ ብብሉጽ ኣገባብ ብምሕዳስ ናብ ከብሕታት Youtube ሰቂልልና ኣሎ'ሞ፡ በዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሊንክ ብምእታው ነስተማቅራ!

ንኹለን ኣዴታትና ዕድመን ጥዕናን ይሃበን!

Thanks for watching our little family jem!we hope this tune brings smile to your f...

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሓበሻ ነበርቲ ካርቱም Habesha Residents In Khartoum posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share