18/08/2026
አርእስቲ ናይ አቤቱታና
አብ ጀርመን ንኤሪትራውያን ተኸላኸልቲ ሰብአዊ መሰላት ካብ ስግሮዶባዊ ጭቆናን ብገበን ምክሳስን ንምክልኻል ዝውሰዱ ወሰንቲ ስጉምትታት።
መግለጺ አቤቱታና
መንግስቲ ጀርመን አብ ናይ ጽምዶ ውዕላቱ ንበርጌሳዊ ማሕበራትን ስግረዶባዊ ጭቆናን ከም ዝከላኸል አብ ስምምዓቱ ገሊጹ ይርከብ። ንሕና እውን ካብቲ መንግስቲ ኤሪትራ አብርእሲ ኩሎም ተኸላኸልቲ ሰብአዊ መሰላትን ንነጻ ደሞክራስያዊ ስርዓት ጀርመን ዝፈጥሮ ዘሎ ስግአት ሐለዋ ክወሃበና ንሐትት።
ሐለዋ ወይ ዑቕባ ነቶም ተኸላኸልቲ መሰላት ካብ ክስን ገበነኛታት ካብ ምግባርን ንስርሖም ከተባብዕ ንጠልብ።
ኢምባሲ ኤርትራን ምስኡ ዝዛመዱን ዝተሐሐዙን ማሕበራት ክእገዱ አገዲሲ እዩ ኢልና ንአምን።
መብርሂ ስግረዶባዊ ጭቆና አብ ጀርመን
ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ካብ ኤሪትራ ሃዲሞም አብ ጀርመን ዝተዓቖቡ ኤሪትራውያን ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክመልኡ ይገብር እዚ ከአ ነቲ ስደተኛ ንገዛእ ርእሱ ከም ገበነኛ ምኽሳስ ማለት እዩ።
ብተወሳኺ አብ ጀርመን ካብ ዝነብሩ ኤሪትራውያን 2% ካብ ኡቶቶም ይኹን ካብ ዝቕበልዎ ማሕበራዊ ሐገዛት ግብሪ ናይ ዲያስፖራ እናበለ ካብ ሕጊ ወጻኢ ይጠልብ። እዚ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ነዚ ገንዘብ አብ ጀርመን ብዝርከባ ማሕበረኮማትን አብ ኤሪትራ ብዝርከቡ ቤተ ሰብን ጌሩ ንዝተገብሮ እገዳ ተሳጊሩ ይእክቦ።
እዚ ገንዘብዚ ስልጣኑ ንምንዋሕን ነቲ አብቲ ከባቢ ዘሎ ወትሃደራዊ ግርጭታት ንምምዋል ይጥቀመሉ።
ብተወሳኺ ንተኸላኸልቲ ሰብአዊ መሰላትን ስድራቤቶምን አብ ጀርመን ይኹን አብ ኤሪትራ ጽቕጠት ብምፍጣር ከም ዝጽለዉ ይገብር።
መንግስቲ ኤሪትራ አብ ጀርመን ዘሎዋ ናይ ኦርቶዶክስያዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያናት ይቆጻጸር ከምኡውን ንጥምቀትን መርዓን ዝኽፈል ክፍሊት ናብ ኤሪትራ ይስደድ።
ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅርበት ዘሎዎም አብ ጀርመን አብ ዝካየድ ናይ ዑቕባ መስርሕ ከም አተርጎምቲ ኮይኖም ብምእታው ትርጉምን ሐበሬታን ብምቕያርን አብ ልዕሊ ዑቕባ ሐተቲ ጸቕጢ ብምፍጣርን መሰል ዑቕባ ክጎድኡ ይርአዩን ከምኡውን ውልቃዊ ሐበሬታ ናብ ስርዓት ኤሪትራ የመሐላልፋ።
አብርእሲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝእከብ ቀረጽ ናይ መንግስቲ ኢደቤዛ ዝኾና ማሕበራት አብዝተፈላለዩ ፌስቲቫላት ግዱድ ናይ ወፈያ መዋጽኦታት ይገብሩ። አብዚ ፈስቲቫላት ጸረ ደሞክራሲ ፕሮፖጋንዳን ጽልኢ አንጻር ተኸላኸልቲ መሰላት ኤሪትራውያን ካልኦት አህዛብን ደገፍቶምን ይዝርግሕ።
ንተኸላኸልቲ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራን ወከልቶምን በቶም ERI-Blood ዝብሃሉ ሐውሲ ወትሃደራዊ ቅርጺ ዘሎዎም ብምውፋር የፈራርሑን የጥቅዑን።
ካብ 2021 ጀሚሩ አብ ጊሰን ዓመት ዓመት ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ናይ ኤርትራ ፈስቲቫል ዓቢይ አቓልቦ ረኺቡ ክግበር ጸኒሑ እዩ።
አቐዲሙ ንሰበስልጣን ብዛዕባ ዝግበር ጸረ ደሞክራስን ቅዋም ዘየፈቅዶ ብዓላት ከም ዘግበር ክሕብሮም ጸኒሑ እዩ መታን ክኽልክልዎ።
አበዚ ግን እናሐዘና ክንገልጾ እንደልዮ ነገር ሰበ ስልጣንን ህዝብን ጎንጽታት ምስ ተፈጸመ ከም አብነት አብ ስቱትጋርትን ጊሰንን ጥራይ እዮም ዝሰምዑደ
አብ ሄስን ዝተወስደ ናይ ፓሊስ አሰራርሐ ማለት ሰነድ ተክኖለጂ ሰብ ዝሰርሖ KI ናይ ገጽ መለለይ ንኤሪትራውያን አብ ጀርመን ንምልላይ ዝተጠቕመሉ ተክኖለጂ ካብ ጻዕዳ ገጽ ወጻኢ ከምዘይሰርሕ እናተፈልጠ እዩ። ከምኡውን ሐደ ሱፐር ሪኮግናይዘር ዝብሃል ተክኖለጂ እውን ተጠቒሞም እዚውን ካብ ዓሌቶም ወጻኢ ንዝኾኑ ብዙሕ ጌጋታት ከም ዘለዎ ምዃኑ እናተፈልጠ።
እዚ ከአ ንብዙሐት ንጹሃት ኤሪትራውያንን ተኸላኸልቲ መሰላትን ክጥርጠሩን ክቕጽዑንገይሩ እዩ።
ከምኡውን አብ ፖሊስ ዘሎ ትካላዊ ዓሌትነት አብ ሄሰን ብዘፍርሕ አብ ሐደገኛ ምዕባሌ ከም ዝበጽሐ እዩ ዝርአ።
አብ ኖርወይ ብዝተገብረ አብ መንጎ ተጣበቕቲ መሰላትን ናይ መንግስቲ ደገፍትን ማለት ከም አብ ጊሰንን ስቱትጋርትን። አብኡ ዝርከብ ባይቶ ናይ ስግረዶባዊ ጭቆና ብኸመይ ንከላኸሎ ዝብል ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ጠለብ አቕሪቡ።
ናይ ጀርመን ሰብመዚ ግን ብዘሎዎም ዓቕሚ ነቲ ከምኡ ዝገበረ ኩነታት አብ ግምት ዘየካተተ ስጉምቲ ብምውሳድ ንክልተ ኤሪትራውያን ተወከልቲ ናይ ሰብአዊ መሰላት መዘና ዘይብሉ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ሂቦም።
ንሕና ነዚ ናይ አቤቱታ ፌርማ ዝፈርመና ንባይቶ ናይ መንግስቲ ጀርመን ምቁጽጻርን ጭቆናን ናይ መንግስቲ ኤሪትራ አብ ጀርመን ከብቅዕ ሳዕቤናዊ ስጉምትታት ክውሰዱ ንሐትት።
-ምስ ግዳይ ዝኾኑ ናይ መሰል ወዲ ሰብ ተጣበቕቲ ብምዃን ናይ ስራሕ መደብ አንጻር ስግረዶባዊ ጭቆና ናይ ኤሪትራ መንግስቲ ምድላው።
-ንስግረዶባዊ ጭቆና ንምውድኡ አምባሳደር ኤሪትራ ካብ ጀርመን ክስጎግ ከም አብ ሆላንድ።
-ብገንዘብ ናይ ጀርመን ጌሮም ጸረ ደሞክራስን ጽልዋታቱን ግርጭት አብ ጀርመን ዝነብሩ ኤሪትራውያን ዝሕግዙን ነቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ መንግስቲ ዘገልግሉ መሕበራትን ቤተ ክርስትያናትን ክኽልከሉ።
-መታን ማእከልነት ክዕቀብን ሻራነት ክውገድን ንስርዓት ቀረባ ዝኾኑ አስተርጎምቲ ካብ መስርሕ ዑቕባ ክውጹ።
-ንብሕታውነትን መሰረታዊ መሰላት ንምሕላው KI ናይ ገጽ መለለይን Supper Recognizer ዝተባህለ ተክኖሎጂ ንጸዓዱ ዘይኮኑ ክኽልከሉ።
ስለዚ ነዚ ጉዳይ መንግስትን ባይቶ ጀርመንን ክርእዮን ክምርምሮን መታን: ኣብ ታሕቲ Link ወጽዩ ዘሎ ናይ ጥርዓን (Petition) ንፈርም ካልኦት ንኽፍርሙ ድማ ሸር ብምግባር ክትተሓጋገዙና ብትሕትና ንሓትት።
👇👇👇👇👇👇👇
https://c.org/hkbGhyy92c
Eritrean Blue Community e.V. Germany
ነዚ ጽሑፍ ዝድግፋ መርትዖታት ዘለዎም ምንጭታት
-ጀርመናዊ ፈደራላዊ አብያተ ፍርዲ
-ናይ መንግስቲ ኤሪትራ ነዋሕ ኢድ
-ብምስጢር ዝተቐድሐ ቪድዮ አብ መንጎ ሰራሕተኛታት ኢምባሲ ሽወደን።
-ንቐጻልነት ስርዓት ብአባላት ድያስፖራ ዝግበር ውጽኢት።
-አብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ጸላኢ ይሰምዕ።
-አብ ጀርመን ስግረዶባዊ ጭቆና
-ዓመጽ አብ ኤሪትራዊ ፌስቲቫል ሐንቲ ጥይት ትአክል
-አከብቲ ገንዘብ ንዲክታቶር
-ኤሪትራዊ ራብዓይ ሐይሊ።
-ጨካን ቀታሊ ንተቓዋማይ መንግስቲ ኤሪትራ።
Entschiedene Maßnahmen zum Schutz von transnationaler Repression und Kriminalisierung