Eritreans collectif Switzerland association

Appeler Itinéraire Contacter l’organisation

Eritreans collectif Switzerland association Eritreans community in swiss from all cantons

28/01/2025

ጻውዒት ንኹሉ ተቓላሳይ
ኣብ 3ይ ጉባኤ ዓ/ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል 3ይ ምዱብ ጉባኤኡ ንምክያድ ይዳሎ። ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን መሪሕ ሓይሊ ዝጻወት ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ 3ይ ምዱብ ጉባኤኡ ንምቅናዕ ይሸባሸብ ኣሎ።

እቲ ካብ ዕለት 28-ለካቲት ክሳብ 2-መጋቢት 2025 ዝካየድ ጉባኤ፡ 'ውህደት ቀስትታትና ናብ ቀዳማይ ጸላኢና' ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክካየድ'ዩ።

ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ 2019 ካብ ዝምስረት ንደሓር፡ ቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም ኣብ ምርዳእን ጭቆና ምልኪ ንምፍራስን ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዘድሊ ኣሚኑ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓቢሮም ክሰርሑ ብቐጻሊ ይጉስጉስን ይሰርሕን።

ቃልስና ኣብ ደገ ከይትሓጽረ ንውሽጢ ዓዲ ሰሊኹ ብምእታው፡ ምስ ህዝቢ መላግቦ ፈጢሩ እቲ ንብህጎ ለውጢ ክመጽ’ውን ኣብ ምርብራብ ይርከብ። በዚ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ተገንዚቡ፡ ምስ ህዝቡ ክውግንን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ እጃሙ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኣብዚ ዝመጽእ 3ይ ጉባኤኡ ተጸንቢሮም ሃናጺ ርእይቶኦም ከበርክቱ ይዕድም። ኣብ ጉባኤ

• ምምራጽ ሓድሽ መሪሕነት፣
• ካብ ጸለውቲ ዕዱማት፡ መራሕቲ፡ ተቓወምቲ ውድባትን መንእሰያትን ናይ ሓሳብን ምይይጥን መድረኽ ክህሉ ኢዩ።
• ከምኡ’ውን ንዝመጽእ ምዕራፍ ናይቲ ምንቅስቓስ ዝዓለመ ስትራተጂካዊ ውጥንን መድረኻትን ክቐርብ ኢዩ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ 15 ጥሪ 2025

ዘለኩም ሕቶታት ንምምላስ በዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተወከሱ

Email: [email protected]
Website: www.eriYiakl.com

19/02/2024
29/08/2023
https://youtu.be/-k42f12hmDs
19/06/2023

https://youtu.be/-k42f12hmDs

Welcome to my YouTube channel dedicated to culture, politics, sports, history, and technology. Here, you'll find informative and entertaining videos on a ran...

https://youtu.be/YsJ_luMlQYI
14/06/2023

https://youtu.be/YsJ_luMlQYI

Welcome to Eritreans Yiakl Community Movement! Join us for inspiring content celebrating Eritrean culture, fostering unity, and driving positive change. Subs...

ኣብ04/6/2023 ሰሚናር ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ዝቕረበ ኤግዚቪሽን ናይ ብህግደፍ ካብቶም ቡዙሓት ገለ ውሑዳት ዝተጨውዩ ጋዤጠኛታት ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ።
05/06/2023

ኣብ04/6/2023 ሰሚናር ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ዝቕረበ ኤግዚቪሽን ናይ ብህግደፍ ካብቶም ቡዙሓት ገለ ውሑዳት ዝተጨውዩ ጋዤጠኛታት ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ።

Adresse

Geneva
1205

Téléphone

+41779290428

Site Web

Notifications

Soyez le premier à savoir et laissez-nous vous envoyer un courriel lorsque Eritreans collectif Switzerland association publie des nouvelles et des promotions. Votre adresse e-mail ne sera pas utilisée à d'autres fins, et vous pouvez vous désabonner à tout moment.

Contacter L’organisation

Envoyer un message à Eritreans collectif Switzerland association:

Raccourcis

Partager