St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ

Directions Website

St.Gabriel Vancouver BC  ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ St.Gebriel is Eritrean Oriental Orthodox Church located in Metro Vancouver.

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!!!መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ቤ/ት/ሰ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ተዛዚሙ።እቲ ብተኸታሊ ንኽልተ መዓልትታት ኣብ ቫንኮቨር ካናዳ ክካየድ ዝ...
09/07/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!!!

መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ቤ/ት/ሰ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ተዛዚሙ።

እቲ ብተኸታሊ ንኽልተ መዓልትታት ኣብ ቫንኮቨር ካናዳ ክካየድ ዝቐነየ መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ቤ/ት/ሰ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ብፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ዝተመደበሉ ብዓወት ተዛዚሙ።

እግዚአብሔር አምላኽና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ዘፈጸመና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና"  (ነህ ፲፥፴፱/10፡39)7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ብድምቀት ይካይደ ኣሎ።...
09/06/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" (ነህ ፲፥፴፱/10፡39)

7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ብድምቀት ይካይደ ኣሎ።
ኣብቲ ሎሚ ቀዳም ዝተኻየደ መደባት፡ ኩሉ መደባት ብዝወጽአ መርሃ ግብሪ መሰረት ብጽብቕ ተዛዚሙ።
ጽባሕ ሰንበት ድማ በቲ ዝወጽአ መርኃ ግብር መሰረት ክቕጽል እዩ።
ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ እዚ ካብ ምሉእ ሃገረ ካናዳ ካብዘለዋ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝመጽኡ ኣቦታት ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መዘምራን ምእመናን ይሳተፉ ኣለዉ።

ነዚ ዝግበረ ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!! ሰላመ እግዚአብሔር አምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና ናይ ጽባሕቀዳም (ዕለት 05-09-2026) መደብ ኣብ  ኣደራሽ 726 12 S...
09/05/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

ሰላመ እግዚአብሔር አምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና ናይ ጽባሕ
ቀዳም (ዕለት 05-09-2026) መደብ ኣብ ኣደራሽ 726 12 ST. NEW WESTMINSTER BC እዩ።
መደብ ዝጅምረሉ ድማ ልክዕ ሰዓት 9፡00 AM እዩ።
ብሰላም ምጽኡ።

ካብ ሰዓት 6AM -8AM ዘሎ ግዜ ግና መደብ ጸሎት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣሎ። ጸሎት ምስተወድአ ግን መደብ ብቐጥታ ኣብ ኣደራሽ 12 ST. NEW WESTMINSTER BC እዩ ዝጅምር።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!መንፈሳዊ ዕድመ"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና"  (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ መርሃግብ...
09/02/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

መንፈሳዊ ዕድመ

"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)

7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ

መርሃግብር ናይ ቀዳምን ሰንበትን ከምዚ ዝስዕብ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ብትሕትና ክንሕብር ንፈቱ

ብድሓን ምጽኡ!!!

09/01/2026

A Spiritual Invitation

“We will not forsake the house of our God.”
(Nehemiah 10:39)

The 7th Annual Conference of Sub-Diocese of Canada will be held under the theme:

“We will not forsake the house of our God.”
A spiritual conference has been organized for September 5–6, 2026 (5–6/09/2026) at the Eritrean Orthodox Tewahedo Church of Debre Bisrat St. Gabriel in Vancouver, Canada.
This great spiritual gathering will bring together participants from all Sunday Schools, and the Church warmly invites all members of the Christian faithful to attend and take part in this blessed occasion.
Everyone is warmly welcome.

Please come and be blessed!

God bless you all!

08/30/2026

A Spiritual Invitation

“We will not forsake the house of our God.”
(Nehemiah 10:39)

The 7th Annual Conference of Sub-Diocese of Canada will be held under the theme:
“We will not forsake the house of our God.”
A spiritual conference has been organized for September 5–6, 2026 (5–6/09/2026) at the Eritrean Orthodox Tewahedo Church of Debre Bisrat St. Gabriel in Vancouver, Canada.

This great spiritual gathering will bring together participants from all Sunday Schools, and the Church warmly invites all members of the Christian faithful to attend and take part in this blessed occasion.

Everyone is warmly welcome.

Please come and be blessed!

God bless you all!

08/29/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

መንፈሳዊ ዕድመ

"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)
7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ "ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" ብዝብል ቴማ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ ንዕለት 5ን 6ን መስከረም 20206 (5-6/09/2026) መንፈሳዊ ጉባኤ ተዳልዩ ስለዘሎ ኣብዚ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝሳተፋሉ ዓቢይ ጉባኤ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ክሳተፍ ቤተክርስቲያን ሓደራ ትብል።

ብድሓን ምጽኡ!!!

08/29/2026

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

መንፈሳዊ ዕድመ

"ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)

7ይ ዓመታዊ በዓል ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ "ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና" ብዝብል ቴማ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ ንዕለት 5ን 6ን መስከረም 20206 (5-6/09/2026) መንፈሳዊ ጉባኤ ተዳልዩ ስለዘሎ ኣብዚ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝሳተፋሉ ዓቢይ ጉባኤ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ክሳተፍ ቤተክርስቲያን ሓደራ ትብል።

ብድሓን ምጽኡ!!!

፲፮/16 ንሓሰ ዕርገታ ለቅድስት ድንግል ማርያምበዓል ዕርገታ ቅድስት ማርያምበስመአብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!እንቋዕ ናብ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓለ ዕርገታ ...
08/22/2026

፲፮/16 ንሓሰ ዕርገታ ለቅድስት ድንግል ማርያም
በዓል ዕርገታ ቅድስት ማርያም

በስመአብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

እንቋዕ ናብ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓለ ዕርገታ አብፀሐና!

በዓለ ዕርገታ ለማርያም

ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ታሪኽ ዝንገር ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ዕለት ሓዋርያት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ንኸዕርፉ ናብ ጌቴ ሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ ክኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ብኽፍኣት መንፈስ ተላዒሎም “ኣቐዲሙ ንወዳ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታን ተንሲኡ በርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ ዳሕራይ’ውን ነዛ ዓለም ንምሕላፍ ክመጽእ ኢዩ እናበሉ ብምምሃር ነቲ ህዝቢ ፈጺሞም ወሲደሞ ኢዮም።

ሕዚ ድማ ስቕ ኢልና እንተገደፍናያ ንዓኣ’ውን ከም ወዳ ተንሲኣ ዓሪጋ እናበሉ ብምምሃር ክህውኹናዶ ኣይኮኑን፧ ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኺሮም መጺኦም ኣብ መንጉኦም ታውፈንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ ተመሪጹ ከይዱ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከመሉ ዓራት ሓዘ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዘ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ብ



ናይ ሓዊ ሰይፊ ንኽልቲኤን ኣእዳዉ ስለ ዝቖረጸን ምስቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን እምበር ታውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ናብኣ ስለ ዝተማሕጸነ ብሕቡእ ተኣምር ነተን ዝተቖርጻ ኣእዳዉ ከም ቀደመን ጌይራ ፈዊሳቶ ኢያ።

ሽዑ መልኣከ እግዚኣብሔር ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ኣቐመጦ። ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ናብ ሓዋርያት ምስ ተመልሰ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ኣብገነት ምህላዉ ነገሮም፡፡ ሓዋርያት’ውን ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ረኺቦም ንምቕባር ካብ ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ/መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጎይታና ንናይ ኣዴና ሓድሽ ኣስከሬን ገይሩ ስለ ዝሃበም ብዓብይ ዝማሬን ብውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተኤሴማኒ ቀበርዋ።

ናይ ኣዴና ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን እሞ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም ክመጽእ ከሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተቐብረት ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ከም ትንሳኤ ወዳ ተንሲኣ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ ግዜ እዚ ትንሳኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ተበሳጭዩ “ቅድም ናይ ወድኺ ትንሳኤ ሕዚ ካዓ ናትኪ ትንሳኤ ከይ ረኣኹ ተሪፈ ” ኢሉ ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። በዚ ግዜ እዚ ኣዴና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሳኤኣ ከም ዘይረኣዩ ነጊራ ንቅዱስ ቶማስ ኣጸናኒዓቶ። ከይዱ እውን ንኣሕዋቱ ሓዋርያት እቲ ዝኾነ ኩሉ ክነግሮም ኣዚዛ፡ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኢያ።

ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ’ውን ፈሊጡ ነቲ ምስጢር ሓቢኡ “ሞት ብጥሪ ብነሃሰ ቀብሪ ከመይ ገይሩ ይኸውን” ንስኻ ብቐደሙ’ውን ንናይ ጎይታ ትንሳኤ ተጠራጢርካ ሕዚ እውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቕዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መቓብር ኣዴና ሒዘምዎ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ናይ ኣዴና ሬሳ ሰኣንዎ በዚ ከኣ ሰንበዱ። በዚ ግዜ እዚ ድማ ቅዱስ ቶሞስ “ኣይትኣምኑን ኢኹም ኢለ ኢየ እምበር ኣዴናስ ተንሲኣ ዓሪጋ ኢያ ” ኢሉ ንዝኾነ ዘበለ ኩሉ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ንኽኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም ንበረኸት ንኽኸውን ከኣ ቆራሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። ኣብ ዓመቱ “ንትንሳኤኺ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኣሎ ኢሎም” ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣትዮም በቲ መወዳእታ ሱባኤ ዓሰርተ ሽዱስተ ነሓሰ ጎይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን ፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቑራቡ ንናይ ኣዴና ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም።

ኣዴና ድንግል ማርያም ርህርህተ ሕልና ብኣማላድነታ ትሓግዘና ዝተባረኸ መዓልቲ ይግበረልና ።

ደብረ ታቦርበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።               ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መ...
08/19/2026

ደብረ ታቦር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ንጴጥሮስን ንያዕቆብን ንዮሓንስ ኃዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ጸሓይ ጻዕደወ። እንሆ ከኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ክዘራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፡ሓደ ንሙሴ ሓደ’ውን ንኤልያስ በሎ።
ጌና ጴጥሮስ እና ተዛራረቦ ከሎ ብሩህ ደመና ኣንጸላለዎም እንሆ ድማ ካብቲ ደመና “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ ኢዩ ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ ኣዝዮም ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም እሞ “ተንስኡ ኣይትፍርሁ” እውን በሎም ።ኣዒንቶም ንላዕሊ ቋሕ እንተበሉ ድማ ብዘይካ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።ካብ እምባ ክወርዱ ከለዉ ኢየሱስ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነዚ ዝረኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ” በሎም (ማቴ፲፯፡፩-፱/17፡1-9)።

1)ጎይታ ስለምንታይ ናብ ደብረ ታቦር ወጸ፧
ሀ) ምሳሌኡን ትንቢቱን ንምፍጻም፥
ምሳሌ፥ በዘመነ መሳፍንት ባራቕን ዲቦራን ንሲሳን ዝሰዓርሉ እምባ ኢዩ። በዚ ከኣ ባራቕ ናይ ጎይታ ምሳሌ ክኸውን ከሎ ሲሳን ከኣ ናይ ኣጋንንቲ ምሳሌ ኢዩ።
ትንቢቱ፥”ታቦርን ኣርሞንኤምን(ሄርሞንን) ንስምካ ዕልል ይብሉ” ኢሉ ልቢ ኣምላክ ዝተነበየሉ ኢዩ (መዝ፹፱፡፲፪/89፡12)።
ለ) “ንወዲ ሰብ ብኽብሪ መንግስቱ ክመጽእ ከሎ ክሳዕ ዝርእይዎ ካብዞም ኣብዚኣ ቆይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ ከም ዘለዉ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ተዛሪቡ ስለ ዝነበረ(ዮሓ ፳፩፡፳-፳፬/21/20-24, ማቴ 16፡28/፲፮፡፳፰)
ሐ) ኣብ ኢየሩሳሌም ብጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብዙሕ መከራ ከም ዝወርዶን ከም ዝቐትልዎን ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጎይታይ የድሕንካ እባ ድኣ እዚ ነገር እዚስ ኮቶ ኣባኻ ኣይውረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ ጎይታ ዝበሎ ቃል ክቕበልዎ ከምዘለለዎምን ብእግዚኣብሔር ኣብ ከኣ ንዕኡ ስምዕዎ ኢሉ ምስክርነቱ መታን ክህብ ኢዩ (ማቴ ፲፮፡፳-፳፰/16፡20-28)
መ) ኣብ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ኣብ ቂሳርያ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ “ኢሉ ዝመስከሮ ቃል ደግማይ ብእግዚኣብሔር ኣቦ ንምምስካር ኢዩ። እዚ ከኣ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ ኢዩ” ብምባል መስከረ(ማቴ፲፮፡፲፭/16፡15)
ረ) ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ዝሓተቶም ግዜ ሰባት ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ እና በሉ ሰባት ዝብልዎ ኣብ ቂሳርያ ገሊጾም ስለ ዝነበሩ፡ በዚ ከኣ ክርስቶስ ናይ ነቢያት ኣምላኽ ድኣ እምበር ነቢይ ከም ዘይኮነ ንነቢያት(ሙሴን ኤልያስን)ጸዊዑ ንምግላጽን ንምምስካርን ኢዩ(ዮሃ 21፡20-24/፳፩፡፳-፳፬, ማቴ 16፡28/፲፮፡፳፰)

2) ሰለስተ ሓዋርያት ጥራሕ ስለምንታይ ሒዝዎም ናብ ምእባ ደየበ፧

ኣደ ዮሓንስን ያዕቆብን ንክርስቶስ ክልቲኦም ደቃ ሓደ ብየማን እቲ ሓደ ከኣ ብጸጋም ኣብ መንግስቱ ክቑመላ ለሚና ነይራ። እዚ ዝበለት ምድራዊ ንጉስ ስለ ዝመሰላ ኢዩ። ንሳቶም እውን “እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ ኢሉ ኣብ ዝሓተቶም ግዜ ኣብ ልቦም ዝነድድ ፍቕሩ ስለ ዝነበሮም እወ በሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሱ ሰማያዊ ንጉስ ድኣ እምበር ከምቶም ምድራያን ዘይምዃኑ መታን ክፈልጡ ናብ እምባ ኣደየቦም። ኣብዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ዝረኣየ ጴጥሮስ “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ በለ፡ኣቐዲሙ ስለ ኣምላኽነቱን ስለ ምስጢረ ተኣውህዶን ዝመስከሮ ቃል ደጊሙ ኣብ ደብረ ታቦር ክሰምዖ ከኣለ።ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ” ኢሉ ኣብ ቂሳርያ ዝመስከረ እግዚኣብሔር ኣቦ ከኣ ክርስቶስ ብተዋህዶ ናይ ኣብ ናይ ባህርይ ወዱ ከም ዝኾነ መስከረ።ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሞት ናይ ክርስቶስ ዝተቛወሞ ዘይኮነስ፡ኩሉ ሰብ ናይ ክርስቶስ ኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕን በቲ ዝሰምዖ ክነብርን ከም ዘለዎ ከብርህ ከኣ “ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ ኢዩ ንዕኡ ስምዕዎ” በለ።ክመውት ኢየ፡ክቕተል’የ እንተ በለኩም ንዕኡ ስምዕዎ ኣይትቋውምዎ ከኣ በለ።እዚ ከኣ ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ንዕኡ ስምዕዎ ዝበሎ ቃል ምስክርነት ኢዩ(ዘዳ፲፰፡፲፭/18፡15)
በዚ እምበኣር ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስ፡ዮሓንስ፡ያዕቆብ ናብ’ቲ እምባ ደየቡ።ጴጥሮስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ናይ ኣብ ናይ ባህሪ ወዱ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ቃል ሰምዐ።ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ቃል ከምዝጸንዕ ከኣ ኮነ።ከም’ውን ክርስቶስ ዝበሎ ቃል ሰሚዑ ክኸይድ እምበር ክቋወም ከም ዘይብሉ እውን ብእግዚኣብሔር ኣቦ “ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ቃል ተዋህቦ።ክልቲኦም ደቂ ዘብዲዎስ እውን ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ፡ሰማያዊ ንጉስ ምዃኑ ተገለጸሎም።

3) ነቶም ሸሞንተ ሃዋርያት ስለምንታይ ኣብቲ እግሪ ናይቲ እምባ ገደፎም፧

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ኣብ ቂሳርያ “ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” (ማቴ16፡13/፲፮፡፲፫)ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ንሰለስተ ደቂ መዛሙርቱ(ጴጥሮስ፡ ዮሓንስ፡ ያዕቆብ) ሒዙ ናብ እምባ ደየበ። ኩሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ዘይደየቡ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንተበልና ብይሁዳ ምኽንያት ኢዩ። ነቶም ሰለስተ ፈልዩ ምድያቡ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኣሎ፡ንይሁዳ ምስቶም ሸሞንተ ገዲፉ ምኻዱን ንኹሎም ናብቲ እምባ ዘይምድያቡን ከኣ ብሰንኪ ይሁዳ ኢዩ። እዚ ከኣ “የኣትትዎ ለኃጥእ ከመ ኢይርአይዎ ስብሐተ እግዚኣብሔር-ንረሲእ እንተ ራህራህካሉ ጽድቂ ኣይመሃርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሔር ድማ ኣይርእዮን”(ኢሳ፳፮፡፲/26፡10) ዝብል ትንቢት ኣቐዲሙ ስለ ዝተነግረ ኢዩ። እንተኾነ እቲ ኣብቲ እምባ ነቶም ሰለስተ ደቂ መዛሙርቱ ዝተገልጸ ምስጢር ነቶም ኣብ እግሪ እቲ እምባ ዝተረፉ እውን ተገሊጽሎም ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ደብረሲና ንሰብዓ ሊቃናት ዝተገልጸሎም ምስጢር(መንፈስ ትንቢት) ነቶም ኣብ ከተማ ዝተረፉ መተሓርይቶም ኤልዳድን ሙዳድን ዝተገልጸሎም ኢዩ (ዘኁ፡፲፩፡፲፮-፳፮/11፡16-26, ዘጸ ፳፬፡፱/24፡9)

4)ሙሴን ኤልያስን እንታይ ኢሎም ተዛሪቦም፧ ስለምንታይከ ንሳቶም ተመርጹ

ቅድሚ ዝተዛረብዎ ነገር ምርኣይና ሙሴን ኤልያስን ምዃኖም ብምንታይ ይፍለጡ ንዝብል፥
ነቢይ ሙሴ ኣብ ገጹ ብርሃን ለቢሱ ይርአ ነበረ (ዘጽ፴፬፡፳፱-፴፭/34፡29-35)።ነቢይ ኤልያስ ድማ ብርሃን ለቢሱ ከም ዝተወልደ ይንገረና ኢዩ።
ነቢይ ሙሴ :- “ኣነ ባሕሪ እንተኸፈልኩ፡ ደመና እንተጋረድኩ፡ ካብ ሰማይመና እንተኣውረድኩ እንተኾነ ንእስራኤላውያን ዘልኣለማዊ ድሕነት ከውህቦም ኣይከኣልኩን ንዓኻ ግና ይከኣለኩ ኢዩ።ንስኻ ናይ ሙሴ ኣምላኽ እምበር ሙሴ ኣይኮንካን” በለ።
ኤልያስ፥ “ኣነ ንሰማይ ዝናብ ከይህብ ምድሪ እውን ፍሬኣ ከይትህብ እንተ ከልከልኩ፡ካብ ሰማይ ሓዊ እንተኣዝነብኩ እንተኾነ ዘልኣለማዊ ድሕነት ከውህቦም ኣይከኣልኩን ንስኻ ግን ኩሉ እትኽእል ናይ ኤልያስ ኣምላኽ እምበር ኤልያስ ኣይኮንካን” በለ።
በዚ ከኣ ኣቐዲሞም ሰባት ገሊኦም ሙሴ ገላ ከኣ ኤልያስ ይብሉኻ ዝብል ምላሽ ናይ ሓዋርያት፡እዞም ክልተ ነቢያት ኣብ ደብረ ታቦር ብምርካቦም ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ሰናይ ተግባራትን ተኣምራትን ክገብሩ ዘብቅዖም ሓያል ኣምላኽ ንሱ ምዃኑ፡ ሙሴ ወይ ኤልያስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዘይክእል ግናኸ “ኣምላከ ሙሴ ወኤልያስ”ከም ዝኸነ መስኪሮም ኢዮም።
ብኻልእ’ውን ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝገለጾ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘጋጥሞ መግረፍትን ሞትን እውን ምስ ኣምላኾም ምስ ክርስቶስ ተዘራሪቦም ኢዮም (ሉቃ፱፡፴፩/9፡31)
ከምኡ ከኣ ብፍሉይ ሙሴን ኤልያስን ናብ ደብረታቦር ምምጽኦም ዝተነግረሎም ትንቢት ነይሩ ኢዩ።እዚ ከኣ ሊቀ ነቢያት ነቢይ ሙሴ ንእግዚኣብሔር ገጽካ ኣርእየኒ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ቅዱስ እግዚኣብሔር
“ሰብ ርእዩኒ ብሕይወት ኣይነብርን ኢዩ እሞ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ ,,,,,,ንስኻ ግና ብድሕረይ ክትርእየኒ ኢኻ ገጸይ ግና ኣይርአን ኢዩ።”(ዘጸ፴፫፡፲-፳፬/33፡18-24) ኢልዎ ነበረ።እንተኾነ እግዚኣብሔር ወልድ ስጋና ተዋሃሂዱ ሰብ ምስ ኮነ ኣብዚ ከረን’ዚ ሙሴ ክርእዮ በቒዑ ኢዩ።ነዚ ከኣ በቲ ከውሒ ክሓልፍ ከለኹ ክትርእየኒ ኢኻ፡ብድሕረይ ክትርእየኒ ኢኻ ክብል ዝተዛረበ።ንመለኮት ድሕሪት ኮነ ቅድሚት ስለ ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ምስ ግዙፍ ስጋ ምስ ተወሃሃድኩ ክትርእየኒ ኢኻ ክብል ስለ ዝደለየ ኢዩ።ከም ቃሉ መሰረት ከኣ ካብ ዓለመ ነፍስ ኣምጺኡ ከም ዝርእዮ ጌይርዎ ኢዩ።
ነቢይ ኤልያስ’ውን ኣብ ዳሕራይ ዘመን መጺኡ ከም ዝምስክር ተነጊርሉ ስለ ዝነበረ ኣብ ደብረታቦር መጺኡ ክምስክር ተራእየ (ሚል፬፡፭-፮/4፡5-6 ራእ፲፩፡፫/11፡3)።

5) ደብረታቦር ናይ መን ምሳሌ እያ፧

ሀ) ናይ ወንጌል ምሳሌ– ደብረ ታቦር ናይ ወንጌል ምሳሌ ኢያ ክበሃል ከሎ እቲ እምባንምውጽኡ ኣዝዩኣሸጋርን ኣድካምን ኢዩ።ኣብ ዝባን ምስ ወጻኻ ግና ንኹሉ ነቲ በሪኽን ዓሚቕን፡ንዝጎበጠን ትኽ ንዝበለን ኩሉ ዓይነት ስፍራ ኣብ ልዕሊኡ ኮንካ ንኽትርእዮየኽእለካ።ወንጌል’ውን ንኽትመሃራን ንኽትነብረላን ብዙሕ ድኻምን ጻዕርን እትሓትት ኢያ።እንተ ኾነ ብብዙሕ ድኻም ድሕሪ ምምሃር ግና ጽድቅን ሓጢኣትን ፈላልያንኣነጺራንተርእየካ።
ለ)ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ እያ: ደብረ ታባር ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ ኢያ።ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያት እትውረስ ብብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ስለ ዝኾነ (ግብረ ሃዋርያት፲፬፡፳፪/14፡22)
ሐ) ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እያ: ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኢያ ክበሃል ከሎ ከም ናይ እግዚኣብሔር ቃል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ስርዓትን ንኽትነብር ክንደይ ድኻምን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ደብረ ታቦር ምስጢረ ስላሴ ከም ዝተገለጸ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ይንገር።ንቅድስት ስላሴ ብማህሌትን ብቕዳሴን ክተመስግን ትነብር።
ደብረ ታቦር ልዑልን በሪኽን ስፍራ’ዩ።እምባ መሰረቱ መሬት ክኸውን ከሎ ጫፉ ግና ንሰማይ ገጹ ዝወጸ እዩ።ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መስረታ ካብ ዓለም (ካብ ምድሪ) ክኸውን ከሎ ክብራግን ኣሰማያዊ ኢዩ።

6) ካብ ሓዋርያትን ካብ ነቢያትን ስለምንታይ መረጸ፧

ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሓዋርያትን ነቢያትን ናብ ደብረ ታቦር ዘምጽኣሉ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ።
ንሱ ከኣ ደብረ ታቦር 1)ናይ ወንጌል ምሳሌ ስለ ዝኾነት ቅዱሳን ነቢያት ንወንጌል ብምሳሌን ብትንቢት ሰቢኾም ኢዮም።ምኽንያቱ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ማሕጸን ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ስለ ዝኾነት።ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ ብግልጺ ዝሰበኽዋ ስለ ዝኾነት።
2)ደብረ ታቦር ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ስለዝኾነት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሉይ ኪዳን ሓድሽ ኪዳን ከም ዝንገር ንምግላጽ
3) ደብረ ታቦር ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ ስለ ዝኾነት ቅዱሳን ነቢያትን ቅዱሳን ሓዋርያትን ብሓድነት ዝወርስዋ ምዃኖም ንምግላጽ ኢዩ።

7) ካብ ሰብ ሓዳር ሙሴ ካብ ደናግል ከኣ ኤልያስ ስለምንታይ ኣምጽአ፧

ካብ ሰብ ሓዳር ጥራሕ ኣምጺኡ ኔይሩ እንተ ዝኸውን “እቶም ዝተመርዓዉ መንግስተ ሰማያት እንወርስ ንሕና ጥራሕ ኢና” ምበሉ ነይሮም።ከምኡ’ውን ደናግል ጥራሕ እንተዝኾኑ እውን ደናግል ብወገኖም “መንግስተ ሰማያት እንወርስ ንሕና ጥራሕ ኢና” ምበሉ እንተኾነ ግና ዝተመርዓዉ ይኹኑደናግል ሕገ እግዚኣብሔር ሓልዮም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝነብሩ ብሓባር ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ዝኣትዉ ንምግላጽ ዝኣክል ካብ ደናግልን ካብ ሰብ ሓዳርን ከምጽእ ክኢሉ።
ከምኡ ከኣ ካብ ምዉታን ንሙሴ(ዘዳ፴፬፡፰-፲፩/34፡8-11)ካብ ሕያዋን ንኤልያስ( (2ነገ፪፡፲፩-፲፪/2፡11-12)ሒዙ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተረኽበ “ንሕና እዞም ክሳዕ ምጽኣት ጎይታ ብሕይወት እንጸንሕ ዝበሎምን፡ነቶም ዝሞቱ ኮቶ ከም ዘይንቕድሞም ዝበሎምን ንመንግስተ ሰማያት ሓቢሮም ከም ዝወርስዋ ንምግላጽ ኢዩ።(1ተሰ፬፡፲፭/4:15)

8) ኣብዚ ንዓና ምንባር ጽቡቕ ኢዩ።

ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ጎይታይንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ ፡ሓደ ንሙሴ ሓደ’ውን ንኤልያስ በሎ። እዚ ከኣ ንስኻ ከም ቀድምካ እንተጠመና ሕብስቲ ኣበርኪትካ እና መገብካና፡ እንተ ሓሚምና እና ፈወስካና፡ እንተ ሞትና እና ኣተንሳእካና ሙሴ ድማ ከም ቀደሙ ደበና እና ጋረደ፡ መና ካብ ሰማይ እና ኣውረደ፡ ኤልያስ’ውን ከም ቀደሙ ሰማይ እና ለጎመ፡ ሓዊ እና ኣዝነበ ጸላኢ እና ኣጥፍአ ንዓና ኣብዚ ምናብር ጽቡቕ በለ።
ቀጺሉ እውን ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ በለ። ኣቐዲሙ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ንዝቕበሎ መከራ “ጎይታይ የድሕንካ እባ ድኣ እዚስ ኮቶ ኣባኻ ኣይውረድ”(ማቴ፲፮፡፳፳/16፡22) ብምባል ተገሲጹ ስለ ዝነበረ ኢዩ።
9)ነዚ ዝረኣኽምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ
እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት እዚኣቶም ኣብቲ ዝደየብዎ እምባ ምስ ወጹ በቲ ዝረኣይዎ ሰንቢዶም ወደቑ። ዮሓንስ መጥምቕ ነዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ቃል ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክሰምዖ ከሎ ኣይሰንበደን ኣይወደቐን ከኣ።(ማቴ፫፡፲፫-፲፯/3፡13-17)ከመይ ዮሓንስ መጥምቕ ኣይተጠራጠረን፡ ሓዋርያት ግን ብኣምላኽነቱ ተጠራጢሮም ስለ ዝነበሩ በቲ ዝሰምዕዎ ቃል ሰንቢዶም ወደቑ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ቀሪቦ ተንከዮም እሞ ተንስኡ ኣይትፍርሆ በሎም። ንሳቶም ካብቲ ወዲቖምሉ ዝነበሩ ስፍራ ተንስኡ ንላዕሊ ቁሊሕ እንተ በሉ ግና ነቶም ኣቐዲሞም ዝረኣይዎም ቅዱሳን ነቢያት ኣይረኣይዎምን ድምጺ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ እውን መሊሶም ኣይሰምዑን፡ ነቲ ምስኣቶም ዝደየበ ክርስቶስ ጥራሕ በይኑ ረኣይዎ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ እምባ ገዲፎ ናብ ታሕቲ ገጾም ተበገሱ እና ወረዱ ከለዉ ካኣ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነዚ ዝረኣኽምዎ ንሓደ እኳ ከይትነግሩ ኢሉ ኣዘዞም ንሳቶም ካኣ ንምንታይ ድኣ መማህራን ሕጊ ቅድም ኤልያስ ክመጽእ ኣለዎ ዝብሉ ኢሎም ሓተትዎ(እዚ ዝበሉ ሰንቢዶም ብግናብሮም ወዲቖም ጸኒሖም ድሕሪ ምትንስኦም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ስለ ዝመሰሎም ኢዩ)።
ክርስቶስ ነቲ ዝረኣይዎ ኣይትንገሩ ኢሉ ዝኣዘዞም ምኽንያት፥
እቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝረኣይዎ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽ ክቡር ምስጢረ መለኮት፡ ቅድሚ እቲ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝረኽቦ ሓሳረ መከራ ክንገር ስለ ዘይግባእ ኢዩ፡፡
ተሰቒሉ ሞይቱ ክሳዕ ዝትንስእ ብዛዕብኡ ዝተነግረ ኩሉ ሰባት ብእምነት ስለ ዘይቕበልዎ ኢዩ።
ኮንቱ ውዳሴ ንኸይከውንን ቅዱሳን ሓዋርያት እውን ብድሕሪኡ ዝረኽቦ ብዙሕ መከራ ስለ ዘሎ ንሱ ከይኮነ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ምዝራቦም ጽባሕ መታን ከይዕንቀፉ ኢዩ።

ኣከባብራ በዓል ደብረ ታቦር(፲፫/13ነሓሰ)

ደብረታቦር ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ናይ ጎይታ ኮይና ኩሉ ግዜ ዓመት መጸ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዓቢ ድምቀት ትኽበር።በዚ ግዜ እዚ ንዕለቱ ዝምልከት ስብከታት ፡መዝሙራትን ናይ ዕለቱ ቅዳሴን ይካየድ በዚ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ወንጌል እና ኣስተምሃረት ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብጽንዓት ክሳዕ መፈጸምታ ምጽናሕ ናብታ ዘልኣለማዊት ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም ምእታው ከም ዘኽእል ብዕቱብ ንደቃ ተስተምህር።
ንሕናኸ፧
ቅዱሳን ነቢያት ናብ ዝርከብሉ ናይ ቅድስት ስላሴ ትምህርቲ ኣብ ዝንገረላ ክብሪ ኣምላኽ ዝግለጸላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተረኺብና ናብታ ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ስፍራ ደብረታቦር ብነፍስን ብስጋን እንነግድ ክንደዮኖት ኢና፧ወይስ ከምልምዲ ተቖጺሩ ብዓይኒ ስጋ ጠሚትና ብናይ ስጋና መሓውር እንድይብ ክንደዮኖት ኢና፧
እምበኣርከስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ከምእትምህረናን እትእዝዘናን ብዓይኒ ስጋዊ ኣካላትና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ መጺእና ብዛዕባ መጻኢ ሂወትናን ተስፋ መንግስተ ሰማያትን ክንሓስብ፡ከምቲ ቅዱሳን ነቢያት (ሙሴን ኤልያስን) ምስ ሓዋርያት ሓቢሮም ኣብ ደብረታቦር ዝተረኽቡ ንሕና’ውን ብሕጊ ኣምላኽ ተጸሚድና ብወንጌል ተመሪሕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምስልካይ ኩሉ ግዜ ምስ እንርከብ ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን ኣብ ሰማያዊት ቤት(መንግስተ ሰማያት) ክህሉ ኢና።እዚ ምዃኑ ፈሊጥና ሎሚ ብመንፈሳዊ ሕልናናን ብስጋዊ ኣካልናን ናብዛ ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ሃገር (ኢየሩሳሌም) ከውርሰና ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን።ንግደትና ንግደት ኩሎም ቅዱሳን ይግበረልና።ኣሜን፡
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።

Address

271 Ingleton Avenue
Burnaby, BC
V5C5R8

Opening Hours

Saturday 4pm - 9pm
Sunday 3am - 9am

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share