ERISAT-Eritrean Satellite Television

Website Contact the organization

ERISAT-Eritrean Satellite Television ERISAT strives to create, produce & distribute outstanding content, through trusted journalism to inform ,inspire and engage.

Eritrean Satellite Television (ERISAT) was founded in 2018 by Eritreans in the diaspora as a not-for-profit (501(c)3) organization registered in the State of California. ERISAT as a media organization aspires to be the PBS or BBC of Eritrea, and as such, it must be fair and balanced. Justice and fairness being the center of its core values, it is a media platform for all Eritreans to share their ideas on how Eritrea can become a nation governed by fair and just laws.

 #ዜና | ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘተ ተኻይዱ | ኣመሪካ፡ ንህወሓትን ዕጡቃትን ጻውዒት ገይራ
10/20/2026

#ዜና | ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘተ ተኻይዱ | ኣመሪካ፡ ንህወሓትን ዕጡቃትን ጻውዒት ገይራ

ሰላም ተኸታተልቲ ኤሪሳት (Erisat)። ንሎሚ ዝሓዝናዮም እዋናዊን ኣገደስትን ዜናታት ሒዝናልኩም ቀሪብና ...

10/20/2026

ንሎሚ 20 ጥቅምቲ 2026: ዝተዳለው ዜናታት ኤሪሳት

#ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘተ ተኻይዱ |

#ኣመሪካ፡ ንህወሓትን ዕጡቃትን ጻውዒት ገይራ

ዩጋንዳውያን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሃገሮም ወፍሪ ጀሚሮምፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ልዕሊ 2,000 ሓደስቲ ኣባይቲ መንበሪ ንዜጋቱ ምርካቡ ስዒቡ፡ ገለ ዩጋንዳውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲ...
10/20/2026

ዩጋንዳውያን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሃገሮም ወፍሪ ጀሚሮም

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ልዕሊ 2,000 ሓደስቲ ኣባይቲ መንበሪ ንዜጋቱ ምርካቡ ስዒቡ፡ ገለ ዩጋንዳውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንፕረዚደንት ኬንያ ብምንኣድ “ፕረዚደንትና ብፕረዚደንትኹም ንቐይር” ዝብል ሓሳባት ከቕርቡ ምጅማሮም፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ክትዕ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣበጊሱ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ዶቸ ቨለ ሎሚ 20 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ትርከብ ከተማ ኤልዶሬት ዝተሃነጹ 2,157 ኣባይቲ፡ መንግስቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ብሕሱር ዋጋን ብንጹር ወርሓዊ ክፍሊትን ሰብ ዋና ገዛ ንምግባር ዝተግበሮ መደብ ናእዳ ይረክብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ብኣስታት 41 ሚልዮን ዶላር ዝተሃነጸ ዘመናዊ መንበሪ ኣባይቲ፣ ድኳናት፣ መዕበይ ህጻናት፣ መጻወቲ ቦታታትን ካልኦት ኣገደስቲ ማእከላትን ዝሓዘ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዋጋ ሓደ ገዛ ኣስታት 4,900 ዶላር ኮይኑ፡ ወርሓዊ ክፍሊቱ ከባቢ 29 ዶላር ዝጅምር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመላኽት።

ገለ ዩጋንዳውያን ንስራሕቲ ሩቶ ብምንኣድ፡ ንዕኡ ብፕረዚደንት ሃገሮም ዮዌሪ ሙሴቨኒ ንምቕያር ድልየት ከም ዘለዎም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ብኣንጻሩ ኬንያውያን ነቐፍቲ፡ እዞም ኣባይቲ ብሰንኪ ወሰኽ ግብርን ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ንዝተጸገሙ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ዝተሃነጹ'ዮም ብምባል ፖለቲካዊ ምስሊ ይህብዎ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣሜሪካ፡ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ምዒዳኣሜሪካ፡ ምስ ለበዳ ኢቦላ ብዝተኣሳሰር፡ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቓ...
10/20/2026

ኣሜሪካ፡ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ምዒዳ

ኣሜሪካ፡ ምስ ለበዳ ኢቦላ ብዝተኣሳሰር፡ ዜጋታታ ናብ ኬንያ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቓ።

እቲ ብ19 ጥቅምቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ እገዳ መገሻ ዘይኮነስ፡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ክጓዓዙ ምሕሳቦም ነቲ ሓደጋታት ብጥንቃቐ ክግምግሙ ዝምዕድ'ዩ።

ኬንያ ክሳዕ 18 ጥቅምቲ 2026፡ ሸሞንተ ብኢቦላ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ምርግጋጻ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ክሳዕ 20 ጥቅምቲ ድማ፡ ብሰንኪ ምስ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ምትንክኻፉ ዝተወሸበ ሓደ በዓልመዚ ጥዕና ኬንያ ሓዊሱ ጠቕላላ ቁጽሪ ሕሙማት ትሽዓተ በጺሑ ኣሎ።

ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተጓዕዘ ፈላማይ ሕሙም ብ5 ጥቅምቲ ከም ዝሞተን፣ እቶም ዳሕረዎት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ምስቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖምን ጸብጻብ ዶቸ ዌለ ይሕብር።

ብመሰረት ሰብመዚ ጥዕና ኬንያ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰፊሕ ማሕበረሰባዊ ምትሕልላፍ ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ የለን።

እቶም ሰብመዚ፡ ምስ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ውልቀሰባት ዝተራኸቡ ሰባት ምክትታል ብምክያድ ሓድሽ መልከፍቲ ዘጋጠሞም ሰባት ንምልላይን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻርን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣመሪካ፡ ኣብ ገጠራት ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእልን ገለ ትካላት ክንክን ጥዕና እኹል መድሃኒትን መሳርሕታትን ከም ዘይብለን ብተወሳኺ ኣጠንቂቓ ኣላ።

እዚ ድማ፡ ሰብመዚ ወላ'ኳ ነቲ ሕማም ንምግታእ ይጽዕሩ እንተለዉ፡ ዝርገሐ ኢቦላ ግን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጉልሕ'ዩ።

ኣመሪካ፡ ግዜያዊ ዕቑባ  ኣስታት 1,800 ሱዳናውያን  ከም ዘናወሐት ተገሊጹ ክፍሊ ውሕስነት ኣመሪካ፡ ንኣስታት 1,800 ዝኾኑ ሱዳናውያን ዝወሃብ ግዜያዊ ዕቑባ (Temporary Protect...
10/20/2026

ኣመሪካ፡ ግዜያዊ ዕቑባ ኣስታት 1,800 ሱዳናውያን ከም ዘናወሐት ተገሊጹ

ክፍሊ ውሕስነት ኣመሪካ፡ ንኣስታት 1,800 ዝኾኑ ሱዳናውያን ዝወሃብ ግዜያዊ ዕቑባ (Temporary Protected Status - TPS) ከም ዘናውሐ ማዕከን ዜና ቲ.ኤር.ቲ ኣፍሪቃ፡ ብ19 ጥቅምቲ ጸብጺቡ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ተወሲኑ ዝነበረ ግዜያት ዕቑባ ሱዳን፡ 19 ጥቅምቲ 2026ን ክውዳእ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ክፍሊ ውሕስነት ኣማሪካ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ መምርሒ ወግዓዊ ክሳብ ዝገብር እቶም ስደተኛታት ሕጋዊ ሓለወኦም ሒዞም ክጸንሑ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዜግነትን ስደትን ኣመሪካ፡ ብዘውጽኦ መምርሒ መሰረት፡ እቶም ሰባት ካብ ምስጓግ ድሕነት ክረኽቡን፡ ናይ ምስራሕ መሰሎም'ውን ምስቲ ገደብ ግዜ ብሓባር ተናዋሑ ኣሎ።

እዚ ውሳነ ምጽናሕ DHS ንኣስታት 1,800 ሱዳናውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ናይ ሓለዋ ግዚኦም ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከብቅዕ ተሓሲቡ ዝነበረ ልዕሊ 100 ሽሕ ዩክሬናውያን ስደተኛታት እውን ዝሓወሰ'ዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ምስቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መደባት TPS (ኣብ ከም በዓል ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ካሜሩንን ኢትዮጵያን) ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስራዝን ተሪር መርገጺን ዝጻረር ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠማ ቀጻሊ ውግእን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፡ ካብ 1997 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ መደብ TPS ከም ዝተሓረየት ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ውሳነ እዚ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሱዳናውያን ንግዚኡ ዓቢ ዕረፍ ቲ ዝህብ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

 #ዜና | ህቡብ ሙዚቀኛ ተላ ሉጂ ዓሪፉ | ኣብ ሱዳን፡ 160 ሰባት ብድሮን ተቐቲሎም
10/20/2026

#ዜና | ህቡብ ሙዚቀኛ ተላ ሉጂ ዓሪፉ | ኣብ ሱዳን፡ 160 ሰባት ብድሮን ተቐቲሎም

ሰላም ተኸታተልቲ ኤሪሳት (Erisat)። ንሎሚ ዝሓዝናዮም እዋናዊን ኣገደስትን ዜናታት ሒዝናልኩም ቀሪብና ...

 #ዜና | "ጥምረት ንህልውና"፡ ንኣመሪካ ግብረመልሲ ሂቡ | ሓደ ወትሃደራዊ መኰነን ተቐቲሉ
10/19/2026

#ዜና | "ጥምረት ንህልውና"፡ ንኣመሪካ ግብረመልሲ ሂቡ | ሓደ ወትሃደራዊ መኰነን ተቐቲሉ

ሰላም ተኸታተልቲ ኤሪሳት (Erisat)። ንሎሚ ዝሓዝናዮም እዋናዊን ኣገደስትን ዜናታት ሒዝናልኩም ቀሪብና ...

Address

California City, CA

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ERISAT-Eritrean Satellite Television posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ERISAT-Eritrean Satellite Television:

Shortcuts

Share