𝓣𝓱𝓮 𝓡𝓮𝓭𝓼𝓮𝓪 𝓖𝓪𝔃𝓮𝓽𝓽𝓮

  • Home
  • United States
  • Charlotte, NC
  • 𝓣𝓱𝓮 𝓡𝓮𝓭𝓼𝓮𝓪 𝓖𝓪𝔃𝓮𝓽𝓽𝓮

𝓣𝓱𝓮 𝓡𝓮𝓭𝓼𝓮𝓪 𝓖𝓪𝔃𝓮𝓽𝓽𝓮 𝓐𝓷 𝓐𝓬𝓽𝓲𝓿𝓲𝓼𝓶 𝓹𝓵𝓪𝓽𝓯𝓸𝓻𝓶 𝓯𝓸𝓻 𝓟𝓸𝓵itical change in Eritrea

ዓሻስ ከዕሽወኒ ጣፍ ነቒዙ በለኒ"ድዩ ዝተባህለ?~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~       እዞም ክልተ ኣብ ስእሊ ንሪኦም ዘለና ኣቦታትና ፡ ሓርበኛ መሓመድ ዑመር ሃኪቶ (ዑመር ሃኪቶ)...
02/11/2025

ዓሻስ ከዕሽወኒ ጣፍ ነቒዙ በለኒ"ድዩ ዝተባህለ?
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

እዞም ክልተ ኣብ ስእሊ ንሪኦም ዘለና ኣቦታትና ፡ ሓርበኛ መሓመድ ዑመር ሃኪቶ (ዑመር ሃኪቶ) ደግያት በየነ ዛህላይ መብዛሕትና ኣብዚ ናተይ ዕድመ ዘለና ኤርትራውያን ብስሞምን ስእሎምን እምበር ብኣካል ኣይንፈልጦምን ።

እዞም ክልተ ኣቦታት ኣብቲ ናታቶም ግዜ ዝነብረ ፖለቲካዊ መደረኽ ኤርትራ ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ዘስሚ ምኽንያት ኣይነበረን ። ክልቲኦም ኣቦታት ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበሮም ፖለቲካዊ መርገጺ ተጻራሪ እምበር ሓደ ኣይነበረን ።

ሓሶት ክደጋገም ንብዙሕ ግሩህ ሓቂ ክመስል ስለዝኽእል እቲ ሓቂ ክንገር ኣለዎ ። እዛ ስእሊ ኣብዚ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያ ፡ ብዙሓት ሰባት ገሊኦም “ታሪኽ ይድገም ኣሎ” ክብሉ ከለዉ ገሊኦም ድማ "ግዜ'ውን ይምለስ'ዩ" እንዳበሉ ምስ ክውንነት ዘይሰማማዕ ናይ ሓሶት ትራኸ ክትርኹ ንዕዘብ ኣለና ።

እዞም ኣቦታት ኩሎም ኣቦታትና ኢዮም ።
ኣነ ምስ ዝኾነ ዓይነት ታሪኽ ዝኾነ ባእሲ የብለን ። ምስ ታሪኽ ዝባኣስ ሰብ ዓሻ ጥራይ'ዩ ።
እንተኾነ ግን ፖለቲካ ሰብ ከይጽላኣኒ ኢልካ ንሓሶት ሓቂ ኣይትብሎን ። ሰብ ክፈትወኒ ኢልካ እውን ንሓቂ ሓሶት ኣይትብሎን ።

ንሓቂ ሓቂ’ዩ ። ንሓሶት ድማ ሓሶት'ዩ ክብሉ ትብዓት ዘይብሎም ሰባት ንሓቂ ጠማዚዞም ብምንጋር ንብዙሓት ግሩሃት ከደናግሩ ታሪኽ ክጥምዝዙን ስቕ ኢልካ ምዕዛብ’'ውን ንባዕሉ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ሓራ ኣየውጽኣካን ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ዘሎ ኤርትራዊ ኩሉ ሕቶ ሓርነት ኣልዒሉ “ፍትሓ ይረጋገጽ ። ሓርነት ይንገስ” ኢሉ ንፍትሒ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኣካል እታ ናይ መጀመርታ መለለይ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክትከውን ዘለዋ ዓባይ ነጥቢ ንኽውንነት ከም ዘለዎ ተቐቢልካ ነቲ ክተዕወቶ እትደሊ ዕላማ ንምዕዋት ታሪኽ ምዝባዕ ኣየድልን ።

ብሓሶት ንግዜኡ ክተታልል ትኽእል ትኸውን ። ብሓሶት ንግዜኡ ክትፍቶ ትኽእል ትኸውን ኢኻ ። እቲ ሓቂ ምስ ተፈለጠ ግን እቲ ዝተታለለ ክእረም ኢዩ ። እቲ ዝፈተወካ እውን ሓቂ ምስ ፈለጠ ክጸልኣካ'ዩ ። ካብ ብሓሶት እትፍቶ ፡ ብሓቅነትካ ክትጽላእ ይበልጽ ።

ምኽንያቱ እቲ ብሓሶት ተደናጊሩ ፈትዩ ዝቐረበካ ሓቂ ምስ ፈለጠ ክርሕቀካን ክጸልኣካን'ዩ ። እቲ ንሓቅነትካ ብኣሉታ ጠሚቱ ብግጉይ ግንዛበ ጸሊኡ ዝረሓቐካ ድማ ፡ ሓቅነትካ ምስተረድኦ ንግጉይ ግንዛቤኡ ኣሪሙ ክቐርበካን ክፈተወካን'ዩ ። ስለዚ ሓቅን ሓሶትን ብሓደ ክኸይድ ኣይኽእልን ።

ሕሉፍ ፍጻሜታትን ዝነበረ ኩነታትን በቲ ቅኑዕ ኣገባብ ብሓቂ ድኣ ክንገር ኣለዎ እምበር ጨውን ሽኮርን ኩሉ ጻዕዳ ኢልካ ኣብ ሓደ መትሓዚ ሓዋዊስካ ብሓደ ኣይተቀምጦን ። ጨውን ሽኮርን ኩሎም ነናቶም ጣዕምን ጥቕምን ኣለዎም ። ጥቕሞምን ጣዕሞምን ስለዝፈተኻዮ ግን ብሓደ ሓዋዊስካ ኣይትጥቀመሉን ።

እቲ ጥዕና ዘለዎ ኣጠቓቕማ ዓቕን ብዝሑ ኮነ መቐረቱ ኩሉ በቢ ነናቱ ።ኣብዚ ስእሊ ንሪኦም ዘለና ክልተ ኣቦታት ብዓይኒ ፖለቲካዊ ዕላማ ክጥመቱ እንከለዉ ፡ ናይ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ዕላማን ፖለቲካዊ መርገጽን ፈጺሙ ዘይራኸብ ክልተ ተጻራሪ ዕላማ ዝነበሮም ኣቦታት ኢዮም ።

ኣቦይ መሓመድ ዑመር ሃኪቶ (ዑመር ሃኪቶ) ሓደ ካብቶም ንሕና ኤርትራውያን ነጻ ሃገር ኮይንና ገዛእ ርእስና ክኢልና ባዕልና ንባዕልና ነብስና ክነመሓደር ዝበሉ ኣቦታት ኢዮም ። እዚ ማለት ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ነጻን ልኡላዊትን ሃገረ ኤርትራ ብምሕራይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ካብ ዝበሉ ሓርበኛታት ኣቦታት ኤርትራ ሓደ ኢዮም ።

ኣቦይ ደግያት በየነ ዛህላይ ድማ ሓደ ካብቶም ንሕና ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር ሃገር ክንመርሕ ዓቑምን ብቕዓትን ስለዘይብልና ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ይሕሸና ዝበሉ ኣቦታት ኤርትራ ኢዮም ።
ኣቦይ ደግያት በየነ ዛህላይ ከም ሰብ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ምርጫኦም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ምባሎም ገበን ኣይኮነን ።

ስለምንታይ ከምኡ መሪጾም ናቶም ምኽንያት ክህልዎም ይኽእል'ዩ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ መደረኽ ኤርትራ ናቱ ዝኾነ ረቛሒታት ነይርዎ ። ብዝያዳ ንምሁራርን ተመራመርቲ ታሪኽን ዝሕደግ ኮይኑ ኣብቲ ግዜ'ቲ ዝነበሩ ኤርትራውያን ካብቲ ዝነበረ ህሞት ተገንዚቦም ነናቶም ፖለቲካዊ ምርጫ መሪጾም' ኢዮም ።

ካብቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምርጫታት ኤርትራውያን ድማ ገሊኦም ኣቦታት እቲ ዝነበሮም ኣፈላላይ ኣወጊዶም ካብቲ ዘረሓሕቐና ዘቀራርበና ይበዝሕ ብምባል ነቲ ዘቀራርቦም ነጥብታት ብምርኣይ ኣብ ሓደ ጥርናፈ ብምጥርናፍ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ውዳበ ብምጥርናፍ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ማለት “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ዝብል ምርጫ መሪጾም ።

ገሊኦም ኣቦታት ድማ ምስ ጥልያን ብሞግዚት ጸኒሕካ ድሓር ምሉእ ነጻነት ንረክብ ዝብሉ ሻራ ኢጣልያ (ፕሮ-ኢታልያ) ዝብሉ ነይሮም ኢዮም ። ገሊኦም ኣቦታት ኤርትራ እውን ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ማለት (ኣንድነት) ዝብሉ ድማ ነይሮም ኢዮም ። ኣብዚ ፖለቲካዊ ምርጫታት እዚ እቲ ሰዓሪ ኮይኑ ዝወጽአ ኣተሓሳስባ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ዝጠልብ “ኤርትራ ንኤርትርትራውያን” ዝበል ምርጫ'ዩ ።

ብዝኾነ ኮይኑ እዞም ኣብዚ ስእሊ ንሪኦም ዘለና ክልተ ኣቦታት ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ፖለቲካዊ ምርጫኦም ፈጺሙ ዘይቃዶ ክልተ ተጻራሪ መትከል ክንሱ ብኸመይ ሓደ ከምዝነበሩ ኣምሲልካ ክግለጽ ይድለ ኣሎ ? እቶም “ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝበሉን እቶም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝበሉን ከመይ ኣቢልካ ሓደ ከም ዝነበሩ ኣምሲልካ ይግለጽ ?

ሕራይ ኣቦይ መሕመድ ዑመር ሃኪቶ (ዑመር ሃኪቶስ) እቲ ዘልዓልዎ ሕቶ ነጻ ሃገር ብዙሕ ህዝቢ ስዒብዎ ነቲ ኣይካኣልን ዝብል ዝነበረ ስዑር ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ ኣንድነትን ኣብርዒኑ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ዝጠልብ ምርጫ'ዩ ። እቲ ኣንድነት ማለት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ መሪጾም ብገዛእ ፍቓዶም
ብሓደ ድሑር ዘይስልጡን ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ክምርሑ ዝመረጹ ናይ ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ'ዩ ።

እሞ እዞም ክልተ ተጻራሪ መርገጺ ዝነበሮም ኣቦታት ከም ሓደ ሕርያ ዝነበሮም ኣምሲልካ ምቕራብ ፖለቲካዊ ቅጥፈት’ዩ ። ኣቦይ ዑመር ሃኪቶ ነጻ ሃገር ኤርትራ መሪጾም ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንኹን ። “ሓርነት ወይ ሞት” ካብ ዝበሉ ኣቦታት ኤርትራ ሓደ ኣቦይ መሓመድ ዑመር ሃኪቶ ምንባሮ ሰብ ጸጋ-ዕድመን ታሪኽን ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ ።

ብተ ሓደ ሸነኽ ድማ ካብቶም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ይሕሸና ማለት (ኣንድነት) መሪጾም ንሕና ሃገር ክንመርሕ ዓቑሚ የብልናን ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ይሕሸና ብምባል ደጋፊ ኣንድነት ካብ ዝነበሩ ኣቦታት ሓደ ኣቦይ ደግያት በየነ ዛህለይን ምንባሮም ሰብ ጸጋ-ዕድመን ታሪኽን ዝመስክሮ ሓቂ'ዩ ።

እሞ እዚ ክልተ ተጻራሪ መርገጺ ሓደ ኣምሲልካ ምግላጽ "ሳግላ ብላዕ ግን ኣይትቕላዕ” እንተኾይኑ ካልእ'ዩ ። ኣይፋል ታሪኽ ኢና ንነግር ዘለና እንተኾይኑ ድማ በቲ ቅኑዕ ኩርናዕ ክንገር ኣለዎ ። ከምቲ ሓደ ካብ ዓቀይቶት ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዝበሎ " ከይድና ከይድና ናብ ቀደምና ክንምለስ ኢና " ኢሉ ዘረባ ሰአ ኣቢሉ ነይሩ ።

ምናልባት እዚ እውን መን ይፈልጥ ናቱ መቐጸልታ ክኸውን ስለዝኽእል ጥንቅቕ ምባል ዘድሊ ይመስል ። ነገራት ዝብርቕርቕ ዝብሉ ዘለዉ ይመስሉ ። እቶም ግሩሃት “ላሕሞም ኣብ ኢዶም እንከላ ይሰድዋ ንቖላ”" ከይኾነኩም ። “ንሕና ንብሎ ሓርነት ፡ ዝኸውን ዘሎ ግን ኣንድነት” ከይኸውን ጽባሕ ብኣጋኻ ምጉራሕ ።

ከምቲ ግዜ ሓሙሳታት "ዓሻ በጊዕ ምስ ቶኹላ ዕርክነት ብሕራይ ሕራይ ከይዳ’ዛ ነጻነት “ ከይኸውን “ሓንቲ ግዜ ክትውስን ክልተ ግዜ ሕሰብ" ከምዝተባህለ ክልተ ግዜ ምሕሳብ የድሊ ። ትማሊ ዝተሳዕረ ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ ሎሚ ተሳስየሉ ምኽንያት የብሉን ። ሎሚ እውን ምርጫና “ሓርነት ወይ ሞት’ያ" ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኤርትራን ንኤርትራውያን ሰዓሪ'ዩ !!

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘለኣለም ክነብሩ’ዮም።
ሓርነትና ናይ ግድን'ዩ !!

02/09/2025

ህዉኻት ዘዕጥቑኻ ስረ “ቶሎ ጉየ” ምስ በሉኻ ይመሉቕ ። ድዩ ዝባሃል?
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ስረ ደቂ ተባዕትዮ ኮነ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝቐረቦምን ዝጠዓሞምን ዕዳጋ ከይድዶም ክገዝእዎ ዝኽእሉ ፈውሲ ዕርቃን መሸፈኒ ሰውነት'ዩ ። ስረ ንወዲ ይኹን ንጓል ሰብ ዕርቃኑ ከይወጽእ ፍርቂ ክፍሊ ሰውነቱ ሸፊኑ ግርማ-ሞጎስ ዘልብስ ጨርቂ'ዩ ።

ስረ እንተደለኻ ደስ ዝበለካ ሕብርን ዓይነት ጨርቅን መሪጽካ ባዕልኻ ብዓቐን ሰውነትካ መጠን ኣቕዲድካ ክተስፍዮ ወይ ድማ ፡ ኣብ ሓደ ንመሸጣ ዝተዳለወ እንዳ-ክዳውንቲ ማለት (readymed) ከይድካ ክግዛእ ዝኽእል ጨርቂ'ዩ ።

ብተወሳኺ እውን ሓደ ሩቡሕ ሓውካ/ኣሕዋትካ ወይ’ውን ሓንቲ ርብሕቲ ሓውትኻ/ኣሕዋትካ ፡ ከምኡ እውን ርቡሓት ሓውቦታትካ/ኣሞታትካ ፡ ርቡሓት ኣኮታትካ/ሓትኖታትካ ካልኦት ቤተ-ዘመድ ፈተውቲ ኣዕርኽቲ /መሓዙት ወዘተ ብመልክዕ ህያብ ወይ ሓገዝ ክምጥውኻ ይኽእሉ ።

እቲ ባዕልኻ መሪጽካ እተስፍዮ ወይ ድማ (ብዝግብእ ተጻፊፉ ንመሸጣ ዝተዋደደ ስረ) (readymed) ባዕልኻ ቅርጺ ሰውነትካ መጠን ዓቂንካ ስለ እትዕድጎ ብዙሕ ጸገም የብሉን ። ደስ ኣብ ዝበለካ ግዜ ምስ ደስ ዝብለካ መላብስቲ መሪጽካ ምልባስ ጥራይ'ዩ ።

እቲ ብመልክዕ ህያብ ወይ ሓገዝ ዝወሃበካ ስረ ግን ክሓጽረካ/ክነውሐካ ወይ ድማ ክጸበካ/ ክገፍሐካ ይኽእል'ዩ ። ምናልባት ሕብሪ ናቲ ጨርቂ እውን ደስ ዘይክብለካ ይኽእል'ዩ ። ስለዚ ከምቲ ንዓኻ ዝጥዕም ወይ ዝሰማማዕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ ።

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብቲ ብመልክዕ ሓገዝ ዝወሃበካ ግን ኣብ ግምት ክተእትዎ ዘለካ ክልተ ነገራት ኣለዉ ። እቲ ሓደ ከም ድሌትካ ማለት ንዓኻ ጥራይ ዘሕጉስን ሓገዝ ዝኸውንን ይኹን እምበር ከም’ቲ ንገዛእ ርእስኻ ደስ ዝብለካ ገይርካ ክትጥቀመሉ ማለት ክትልውጦን ክትሸጦን ዝፈቅድ ኣመራጺ ወይ ነጻነት ኣለዎ ።

ኣብቲ ብመልክዕ ህያብ ዝወሃበካ ግን ፍልይ ዝበለ ኩነት ኣለዎ ። ንናትካ ድሌት ይኹን ንናይ ወሃቢ ድሌት ወይ ባህጊ ብዘሰማምዕ መልክዕ ክትግበር ጽቡቕ'ዩ ። ምኽንያቱ ገሊኡ ዓቅኖ'ሞ ማዕቀንካ እንተዘይኮይኑ ናብቲ ቦታ መሊስና ክንልውጦ ንኽእል ኢና ዝብለካ ኣሎ ።

ገሊኡ ድማ እንተ ንሰናይ እንተስ ንግናይ እቲ ዝህበካ ህያብ ከምዘለዎ ዝኾነ ምቅይያራት ወይ ምልውዋጥ ከይገበርካ ክትጥቀመሉ ዝደሊ ኣሎ ። ገሊኡ እውን በቲ ህያብ ኣቢሉ ርእሱ ዝኻኣለ መልእኽቲ ንምሕላፍን ክሃርሞ ዝደለየ ዕላማ ንምዕዋትን ዝጥቀመሉ ሜላ እውን ኣሎ ።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ድማ ከምቲ ንሳቶም ተገዲሶም ዝህቡኻ ዘለዉ ንስኻ እውን ነቲ ናታቶም ተገዳስነትን ድሌትን ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ነቲ ኣኽቢሮም ዝሃቡኻ ህያብ ብኽብሪ ክትቅበሎን ክትዕቅቦን ኣገዳሲ'ዩ ። ብመልክዕ ህያብ ዝተጎልበበ ካልእ ስዉር ዕላማ ዘለዎ ውህብቶ ምስ ዝኽውን
“ልቓሕ በሶሮ ኣይውዕል ኣይሓድር “ምዃኑ
ዘክር ።

ምናልባት ኣብ ገዛእ ሂይወትካ ዝኾነ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዘሕድር ንስብእነትካ ኣብ ዋጋ ዕዳ ዘየእቱ ምስ ክብሪ ሰብኣውነትካ ዘይራጸም ምስዝኸውን ነቲ ጽቡቕ ባህጎምን ሰናይ ግብሮም ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ናታቶም ምርጫን ድሌን ንምኽባር ከምዘለዎ ክትጥቀመሉ ወይ ድማ ክትዕቅቦ ኣገዳሲ'ዩ ።

ብዝኾነ ኮይኑ እቲ ዝመጽኣካ ወይ ዝተዋሃብካዮ ስረ ፡ ንዝነውሓካ ማዕቀንካ ገይርካ ተሕጽሮ ። ማለት ትቖርጾ ወይ ትኸብሶ ። ንዝሓጸረካ ድማ ብመጠን ቁመት መሸከልካ ዓቂንካ ትልቅቦ ማለት ተንውሖ ። ንዝገፍሓካ ድማ ብዝሰማመዓካ መጠን ተጽብቦ ። ንዝጸበበካ እውን ብመጠን እቲ ንስኻ እትደልዮ ዓቐን ተግፍሖ ።

እስከ ሕራይ ብዛዕባ እቲ እንለብሶ ስረስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ገይርካ ይለበስ ። እቲ ዝኾነ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዘይኽእል ጉዳይ ስብእና ኸ እንታይ ይኹን ? ሰብኣይ እምበር ስብእና ንጾታዊ ትዕድልቲ ኣይውክልን’ዩ ።

ስብእና ንወዲ ተባዕታይ ጥራይ ዝምልከት ትዕድልቲ ኣይኮነን ። ስብእና ንሰብኣይ ይኹን ንሰበይቲ ንወዲ ይኹን ንጓል ማዕረ ዝምልከት ተፈጥራዊ ትዕድልቲ'ዩ ። ስብእና ብዓይንኻ ዘይራአ ብኢድካ ዘይድህሰስ ውሽጣዊ ጥንካረ'ዩ ። ስብእና ብእተርእዮ ንጹር መትከላዊ ጽንዓትን ዘይወላወል ጽኑዕ መርገጺ'ዩ ።

ስብእና ኣይዕደግ ኣይሽየጥ ። ስብእና ኣይዋሃብ ኣይልወጥ ። ስብእና ኣይጸብብ ኣይገፍሕ ። ስብእና ኣይሓጽር ኣይነውሕ ። ስብእና ልክዕ ማዕቀን ነቲ ክውንኖ ዝተዓደሎ ሰብ ዝዋሃብ ባህርያዊ ትዕድልቲ'ዩ ። ስብእና ዝዕቀን ኣብቲ ስብእና ዝሓትት ቁርጺ እዋን እተርእዮ ቁርጺ ውሳነ'ዩ ።

ስብእና ከም ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ምስ ኩነታት መልክዐ ምድሪ ዝቀያየር ተለዋዋጢ ሕብሪ ኣይኮነን ። ስብእና ከም ኩነታት ኣየር ምስ ወቕቲ ዝቕየር ጠባይ ንፋስ ኣይኮነን ። ስብእና ከም ዋጋታት ዕዳጋ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝቀያየር ታሪፍ ኣይኮነን ። ስብእና መደረኽ መሪጽካ ግዜን ኩነታትን ሪኢኻ ሓኔታይ ምዃን ኣይኮነን ።

ስብእና ዝዕቀን ኩነታት ቀውጢ ኣብዝኾነሉ ህሞት ፡ ብዙሓት ኣሮማይ ደጊም መዋጽኦ የሎን ። ካብዚ ንላዕሊ ምቕጻል ኣይካኣል ። እቲ ዝብሉና ዘለዉ ንስማዓዮም ። ብሰላም ኢድና ሂብና ዝበሉና ንስማዕ ኢሎም ኣብዝጃጀውሉ ጸቢብ ፈታንን እዋን ስንኻ ነኺስካ ኣይጻዓድን ምባል'ዩ ። ነቲ እዚ ኣይካኣልን’ዩ ዝባህለ ፈታኒ ኩነታት ፡ ዝካኣል ምዃኑ ንምርኣይ ኣብ ቁርጺ እዋን እተርእዮ ቁርጺ ውሳነ’ዩ ።

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘለኣለም ክነብሩ'ዮም ።
ሓርነትና ናይ ግድን'ዩ !!

02/02/2025

ዘይኽመሰካስ ነየስሕቐካ !!
~~~ • ~~~ • ~~~ • ~~~

ካብዚ ኣብ ሃገርና ለውጢ የድሊ'ዩ ። ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ይንገስ ። ሓርነት ይረጋገጽ ፡ ህዝቢ ዝመረጾ ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል ።

ብሕጊ ንመራሕ ። ጸጋታት ሃገር ንደቂ ሃገር ይኹን ። ህዝቢ ብዛዕባ ጸጋታቱ ሓቀኛ ሓበሬታ ይዋሃቦ ። ሰባት ብዘይ ክስን ፍርድን ምእሳርን ምስዋርን ደው ይብል ። ዝብል ሕቶ ጠለብን ዘለዎ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ፡ መራሕቲ ህግደፍ ናይ መንነት ቅልውላው ሰለዘለዎም ኢዮም ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቕይዎ ዘለው ። ዝብሉ ሰባት ኣዝዮም ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም ።

ኢሰያስን ከምኡ ዝኣመስሉ ካልኦት ብጾቱን ናይ ትግራይ መበቆል ስለዘለዎም ኮነ ኢሎም ንሃገርና ኤርትራ ንምዕንው ህዝቢ ኤርትራ ዝብትንዎ ዘለው። ዝብሉ ሰባት ቁጽሮም ማእለያ የብሉን ። ሓጎስ ክሻ ትግራዋይ’ዩ ከመይ ኣቢሉ ሓላፊ ቁጣባ ህግደፍ ኮይኑ ?

እቲ ምኽንያት ንጹር'ዩ ። ኢሰያስ ከምኡ ትግራዋይ ስለዝኾነ ናይ መንነት ምትእስሳር ስለዘዎም ከምኦም ዝኣመሰሉ ካልኦት ሰባት ወሲኾም ኩሉ ዓይነት ስልጣን ጸጋታትን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሮም ስለዝወዓልዎ ንሳቶም ዝደልይዎ ዕላማ ንምዕዋት ጥራይ ይሰርሑ ኣለዉ ።

ነዚ ትማሊ ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳዕረ ፍሹል ዕላማ ገዛእቲ ንምዕዋት እቲ ዘለዎም ግዝያዊ ልዕልና ተጠቒሞም ንሓደ ክልተ ሰነፋት ኤርትራውያን መሳርሒ ዝኾንዎም ስልጣን ዘይብሉ ስማዊ ሽመት ብምሃብ ኣብ ንገሊኦም ቁንጣሮ ናይ ጥቕሚ ሓለፋ ብምሃብ መሳርሒ ገይሮሞም።

እዞም ብግንዖ ቑንጣሮ ጥቕምን ስማዊ ሽመትን ኣዕሽዮም ኣብልሽውና ኣቋማጢዖም ኣፎም ከምዝሕዙ ዝገበርዎም ብልሽዋት ን ብሕሱም ጭቆናን ሳንሳን ኣቢሎም ሕሰም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ግዲ ከይገበሩ ሕልናኦም ሸይጦም ውልቃዊ ጥቕሞም ብምቕዳም ሕሰም ህዝብን ሃገርን ከም ራህዎ ይሓስብዎ ኣለዉ ።

እዞም ንሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝሓስብዎ ሰነፋት ፡ ሕማቕ እንዳራኣዩ ከምዘይራኣዩ ። ሕማቕ እንዳሰምዑ ከምዘይሰምዑ ። ሕልናኦም ቀቲሎም ውልቃዊ ጥቕሞም ምቕዳም ጥራይ ከይኣክል ፡ ስኒቱ ብምዝራግ ንሓድሑዱ ኣብ ምትፍናንን ምጥርጣርን ጸሚዶም የሳቕይዎ ኣለዉ ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ውሑድ ነጥብታትን ካልኦትን እንዳበሉ ዝቑዝሙን ዘማርሩን ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን።
እሞ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት መፍትሒት ክትከውን እትኽእል እታ እንኮን ንጽርትን ነጥቢ ኩሉ ኤርትራዊ ነቲ ኩሉ ንምፍልላዩ ንምድኻሙን ዝግበርን ዝባሃልን ድሑር ፈላላዪ ወፍርታት ክጽየኖ ይግባእ ።

ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ፈላሊኻ ንምድኻምን ተስፋ ንምቑራጽን ዝግበር እኩይ ጻዕርታትን ነዚ እውይ ውጥን ንምዕዋት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ፍብሩኽን ድሑር ከፋፋሊ ኣጀንዳታት ንዮው ደርብዩ ሃገር ማእከል ዝገበረ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ጽኑዕ መትከል ቀጥ ኣቢሉ ብምሓዝ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዘተምርለሰ ሕቶ ሕርነትን ንምምላስ ዘካይዶ ቃልሲ ዕላማኡ ክነጽር ይግባእ ።

ከም እኽሊ ቀዋዒት ንኹሉ ኣብ ሓደ ሎቖታ ሓዋዊስካ ምሓዝ ድሓር ይፈለዮ ምባል ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ክበዝሕ'ዩ ። ነቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕወቶ ምትካል ህዝናዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ከም ቀደሙ ቅድም ቃልስና ነዕውት ካልእ ድሓር ነርክበሉ ። ሒጂ ግዜ ሕቶን ርኢቶን ኣይኮነን ። ኣብ ስራሕ ኣለና ።

ዓቑሙ ንዝሰርሕ ዘሎ ሰብ ኣይተዐንቅፉ ። በቲ ሓደ “ንሕና መንግስቲ ኢና” ዝብል ዕዉር ዘረባ ክዝረቡ ይስምዑ ። ሕቶ ምስ መጽጸ ድማ “ንሕናኮ ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ኣይኮናን” ይባሃል ። እዚ ከይኣክል ሓደ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ህዝብን ሃገርን ወኪሉ ምስ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ስምምዓት ክገብር ዝኽእል ሓደ ሕጋዊ ድጋፍ ህዝቢ ዝረኸ ኣካል ጥራይ'ዩ ።

ኣብዚ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላት ግን ክገብርዎም ዘለዎም ተግባራትን ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን ። ከምወዮ ቀዳሞት ዝበልዎ “ደቂ ብዝሕቲ ድሌቶም በበይኑ ፡ ሓደ ቆሎ ክብል ፡ እቲ ካልእ ድማ ጥጥቖ ይብል" ኮይኑ ኣሎ ።

እከለ ከይኹሪ ። ብዓል እከለ ከምኡ ኣይፈትዉን ። ብዓል እከለ መታን ክመጽኡና ከምዚ ንበል ። ድሓን ቀስ ኢሉ ክርድኦም'ዩ ። ክሳብ ዝርድኦም ሸለል ንበሎም ። ወዘተ ወዘተ ዝብል ወጀሃላይ ኣጠማምታ ክንዮ ክሳራን ተወሳኺ መከራን ንሓድሕድካ ናብ ዝኸፋአ ጥፍኣት ዝመርሕ ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ ወጊድ’ዩ ክባሃል ዝግብኦ ።

ሕፍር ከይበሉ “ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣይትበሉ ፡ ሃገሩ ዝጠፍኦ ሰብ የሎን ። ንመን ድኣ ክትከውን ?" ዝብል ዝንቡዕን ጽግዕተኛን ኣተሓሳስባ’ዩ ፡፡ “ኣነ ክገዝኣካ ኢየ ። ኣነ ከሳቕየካን ከዋርደካን'የ” እንዳበለ ዝመጽእ ዓማጺ የሎን ።

እቶም ዝያዳ ሓደገኛታት መደናገርቲ “ንሕና ንፈትወካ ኢና ። ንሕና ንሓልየልካ ኢና ። ንሕና ንዓኻ ኢና ንቃልሰ ዘለና ። ንሕና ምእንታኻ ኢና እዚ ኩሉ ውርደት ንዋረድ ። መስገደል ንሓልፍን ንጽረፍን ዘለና” እንዳበሉ ንሂይወትካ ልዕሌኻ ዝሓልዩላ ኮይኖም ዝመጻደቑ ።

እቲ ንዓኻ ዘድልየካ ልዕሌኻ ዝፈልጡልካ ኮይኖም እንዳተዘረቡ ከብቅዑ ፡ “ንሕና ንኤርትራ እንተዘይስዒርና ኣይተወለድናን ። ኤርትራ ትግራይ ንምጥፋእ ዝተሰርሐት ድፋዕ'ያ " ዝብል ዕሱብ ኣተሓሳብ ዋላ'ኳ ስዑር ኣተሓሳስባ እንተኾነ ፡ “ሓሳዊ እንተዘየእመነ የጠራጥረካ ብዙሕ ግሩህ ክግራህ ይኽእል'ዩ ። ስለዚ ነገራት ብኣጋኡ ክጸርን ክንጽርን ኣለዎ ።

ከምዚ ምስ ኮነ ዶ ይኸውን ፡ “ጥፉእ መጣፍእቲ ይደሊ” ዝተባህለ ? እዚ ጥፉእ ናይ ጥፉኣት ኣተሓሳስብ ዝተሓንገጠ ዓንዛር ከም ልኡኻ ሓሊቦ ጥሉል መልእኽቲን ንጹር ዕላማ ዘይብሉ ኣውርየ-በላዕ ስለ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ይቃለስ ኣለኹ እንተበለ“ ቅድም ብሞራል ድሓር ብኣክል ክንቀትለኩም እሞ ድሓር ግን ክንምሕረኩም ኢና “ ድዮም ዝብሉና ዘለዉ ?

ኤርትራ ንኤርትራውያን ።
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘለኣለም ክነብሩ'ዮም ።
ሓርነትና ናይ ግድን'ዩ !!

05/10/2023
02/28/2023

ሕጂ’ውን፡ጋና ክንየው ሳይበራዊ ተቓውሞ እንታይ ንግበር፣? 'ዚ ሓርነታዊ ቃልሲ፡እንተኾነ ክንየው ሳይበራዊ ዝጥምቱን ዝእምቱን ተቓለስቲ ይጽበ ኣሎ።
ብርግጽ፡ዝሓለፈ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ብሓድነት እምበር፡ ብጃምላ ናብስደት ብምፍርጣጥ፡ብፍርሒ ተገሪዝካ ብምጕጅጃልን ኣይተረጋገጸን፡ ሕጂ’ውን ከምትማሊ ሽብዳዕዳዕ ከዳዓት ጕጅለ ህግደፍ ከነምክን፡ ዳግማይ ታሪኽ ክንሰርሕ፡ ከምህዝቢ ሓድነትና ኣብክውንነት ኤርትራ ወሳኒ ኢዩ፡ ክውንነት ኤርትራ፡ ከምዘለዎን ኣብዘለዎን ሓንጎፋይ ኢልካ ዋንነት ምውሳድ ይጽበየና’ሎ። ሓራን ነጻን ህዝቢ ክንከውን፡ ነ’ዚ ካብናይሩሑቕን ቀረባን፡ ገዛእቲ ሓይልታት፡ እንተላይ ንሰብ ሸዋ ሓዊስካ፡ ብዝገደደ መልክዑ ዝጭቁነናን፡ ኣብገዛእ መሬትና፡ ባሮት፡ መጻወትን መርወዩ ሰይጣናዊ ትሃኑ፡ክንከውን፡ መታወኒ፡ብሓዊ ናይምጽዋት ባህሉን ባህሩን፡ ክንከውን፡ዝፈረደና ጕጅለ ህግደፍ፡ ክንስዕሮ፡ ቀዳምነታትና ፈሊጥና፡ጫሌዳታት ኣርእስታትት፡ነጺግና፡ ብሓድነት ንሓርነት ክንጕዓዝ ክንግደድ ኢና። ዋላ ካብሩሑቕ ማዕዶ/ዋላ ካብስግር ባሕሪ፡ ናይብዙሓት ሰናይ ድሌት የድሊ።ብውሑዱ ሳይበራዊ ጕጅለኣዊ፡ ህልኽን ጠቐነን ክውሕድ ኣለዎ። እንግሊዛውያን crab mentality ዝብልዎ ሓረግ ኣሎ፡ ክራብ ዝብሃሉ ሕንጕጕ ባሕሪ ኣለዉ፡ 20-30 ኣብሻኬሎ እንተኣኪብካዮም፡ ካብ’ታ ሻኬሎ ከምልጥ ዝኽእል ብጻዮም የልቦን። እቲ ሓደ ክወጽእ ሑኽ ይብል፡እቲ ሓደ ከኣ ጎቲቱ የውርዶ። ተሃላሊኾምን፡ተሓላሊኾምን፡ ኣብእግሪ ሻኬል ይሞቱ። ህልኽ ውጹዓት ሓቢርካ ውድቀት ኢዩ። ካብ’ዚ እንስሳዊ/ሕንጕጓዊ ባህሊ ክንናገፍ ይግባእ።
ዎድሓንኩም
ኤርትራን ኤርትራውነትን ሕግን ድግን ተኺሎም ክቕጽሉ ኢዮም
ሓርነትና ናይግድን’ዩ?

መሰረተ እምነት  ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡- ሓይሊ ሓሳብና፡ ነ’ቲ ዘይንቡር ጫካዊ፡ ፖለቲካዊ ባህሊ ናይሕጂ ህግደፍ፡ ናይበረኻ መሪሕነት ሻዕብያ፡ ምላእ ብምላእ፡ ብዘይ ነሓፍነት፡ ዝጻ...
02/26/2023

መሰረተ እምነት ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡-
ሓይሊ ሓሳብና፡ ነ’ቲ ዘይንቡር ጫካዊ፡ ፖለቲካዊ ባህሊ ናይሕጂ ህግደፍ፡ ናይበረኻ መሪሕነት ሻዕብያ፡ ምላእ ብምላእ፡ ብዘይ ነሓፍነት፡ ዝጻረር፡ ካብሱር መሰረቱ ዝቡንቍስ ሓርነታዊ ኣተሓሳስስባና ኢዩ። ሕጊ ተፈጥሮ ከምዝምስክሮ፡ ሰብ ክውለድ ከሎ ነጻ ኮይኑ ኢዩ ዝውለድ። እምበኣርከስ፡ ኵሉ ሰብ፡ፈጣሪኡ ዝሃቦ ነጻነት፡ ተጠቒሙ፡ ሸቂሉ፡ሓሪሱ፡ ነጊዱን ተማሂሩን ብሃፈጻምኡ ክነባበር-ሲ፡ ማንም ፍጡር ሰብ ከምኡ፡ ብዘይ ርትዓዊ ምኽንያት፡ ብዘይሕጊ፡ ክነፍጎ፡ ተፎጥሮኣዊ መሰላቱ ክቕንጥጦ፡ መለኮታዊ ይዅን፡ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ማንም ፍጡር ወዲ ኣዳም የልቦን። እምበኣርከስ- ጕጅለ ህግደፍ፡ ናይዝኾነት ተራ ኤርትራዊት ስድራቤት ውላድ፡ ክገፍፍ፡ ንብረት ክዘርፍ፡ ቅንጣብ ስልጣን የብሉን። ምናልባት፡ህግደፍ ዝውንኖ፡ ኣሎ እንተኾይኑ፡ ሓጺነ-መጺኑ ጥራይ ኢዩ። ካልእ ዝውንኖ ሕጋዊ ነገር የብሉን። እዚ ርትዓዊ-ሰረተ-እምነት'ዚ ኣብድርድር ዘይቀርብ፡ መትከላዊ እምነትና ኢዩ። ክንዲዝኾነ ከኣ ራኢይና፡ ተልእኾናን፡ ዕላማናን፡ ኣብሓርነት ዜጋትትን፡ ሕጋዊ ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኮረ፡ ይኸውን። ንዅሉ ንጹር ክኸውን፡ ኵሉ ንኸዶ ከይዲ፡ ንድይቦ ዓቐበን፡ ንወርዶ ቁልቁለትን፡ እንኸፍሎ ረዚን ዋጋ፡ሓርነትናን ሓርነት ህዝብናን ዘማእከለ ኢዩ። ግድን እናውደቕናን እናተሳእናን፡ክብጻሕ ዘለዎ ሕድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣብጕዕዞ ሓፋሽ ህዝብና ምዃኑ፡ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይኮነን።
እምበኣር፡-ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡እኩብ ድምር ናይ ሰባት ጥርናፈ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ጥርናፈ ኢዩ። ሓይሊ ሓሳብና፡ ንህዝብና ካብጭቆና ክናገፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ክዳነ፡ ነጻን ሓራን ኮይኑ፡ ካብራዕድን ሽቝረራን ተገላጊሉ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታቱ ከሰላልስ፡ ወሊዱ ከዕቢ፡ ባይታ ዝህብ እማመ ኢዩ። እዚ ጥንሰ-ሓሳብና ኣብባይታ ዕድል ክረክብ ከኣ ኣብወዳበና ድስፕሊን፡ እሙናት ንዕላማና ምስንኸውን ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ’ዚ ኣተሓሳስባ ዝሰመሩ፡ነ’ዚ ሰናይ ሓሳብ ዝርዕምሉ፡ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ፡ናይ ሓባር መረዳእታና፡ ክዓዝዝን ከስፋሕፍሕን፡ ኣብእንህቦ መግለጺታትን፡ መደባት ፈነወታት፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ክከታተሉና፡ ክግምግሙና፡ ከተባብዑና፡ መድረኽ ኵፉት ኢዩ። ከምተወሳኺ፡ኣሎ ንዝብሃል፡ ድኽመታት ዝእርምን ዝመቅፍን፡ ኣክንዲ ብወረጃ ማዕዶነት፡ ብግብሪ ተሳቲፍካ፡ ምሕጋዝ ዝጠልብ መድረኽ በጺሕና ኣለና። ኢድ ምሕዋስ፡ብግብሪ ምርኣይን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ዝበዝሕ ሰብ ብተግባርን፡ ብገዛእ ዓይኑ ብምርኣይን ስለዝምሃር፡ ግብራዊ ተሳፍትነት ክስነ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ኣብነት ምዃን የድሊ። እምበኣር፡ ናይኵሎም ደቂ ሃገር ዕዙዝ ተሳትፎ ክህሉ፡ ብሓንጎፋይ ነተባብዕ።
ኤርትራን ኤርትራውነትን ሕገ-መንግስቲ ተኺሎም ክነባበሩ ኢዮም
ሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት'ዩ፡ሓርነትና ናይግድን'ዩ።

01/15/2023

ርትዓዊ፡ ስነ-ሞጎት !
✅😉👀👂👀👂

𝙏𝙝𝙚 𝙚𝙣𝙙- 𝙁𝘼𝙏𝙀 𝙤𝙛 𝘾𝙡𝙞𝙦𝙪𝙚 𝙋𝙁𝘿𝙅 𝙘𝙖𝙣𝙣𝙤𝙩 𝙗𝙚 𝙤𝙪𝙩𝙨𝙞𝙙𝙚 𝙤𝙛 𝙩𝙝𝙚 𝙡𝙞𝙨𝙩𝙚𝙙 𝙤𝙥𝙩𝙞𝙤𝙣𝙨 𝙗𝙚𝙡𝙤𝙬.Obviously,There is no one-size-fits-all metho...
01/12/2023

𝙏𝙝𝙚 𝙚𝙣𝙙- 𝙁𝘼𝙏𝙀 𝙤𝙛 𝘾𝙡𝙞𝙦𝙪𝙚 𝙋𝙁𝘿𝙅 𝙘𝙖𝙣𝙣𝙤𝙩 𝙗𝙚 𝙤𝙪𝙩𝙨𝙞𝙙𝙚 𝙤𝙛 𝙩𝙝𝙚 𝙡𝙞𝙨𝙩𝙚𝙙 𝙤𝙥𝙩𝙞𝙤𝙣𝙨 𝙗𝙚𝙡𝙤𝙬.
Obviously,There is no one-size-fits-all method for removing a military dictatorship from a country, as the specific circumstances of each case can vary greatly. However, some general strategies that have been used in the past to achieve this goal include:

(1) Building a broad-based coalition of opposition groups: This can include civil society organizations, political parties, trade unions, and religious groups.

(2) Nonviolent resistance: This can include mass protests, strikes, and other forms of civil disobedience.

(3)International pressure: Countries, organizations and international bodies like United Nations, may pressure the dictatorship to step down through diplomatic, economic, or other means.

(4)Building support for the opposition: This can include providing material assistance, training, and other forms of support to opposition groups and individuals.

(5)Negotiations: In some cases, the dictatorship may be willing to negotiate the terms of its exit from power.

(6)Military intervention: Military intervention may be conducted by regional or international actors, with the aim of removing the dictatorship by force, this should be seen as the last resort, often leads to prolonged conflicts and a lot of human casualties.
HĚłoĚłpĚłeĚłfĚłuĚłlĚłlĚłyĚł ĚłoĚłnĚłeĚł ĚłoĚłfĚł ĚłtĚłhĚłeĚłsĚłeĚł ĚłmĚłaĚłyĚł ĚłtĚłaĚłkĚłeĚł ĚłpĚłlĚłaĚłcĚłeĚł ĚłbĚłeĚłfĚłoĚłrĚłeĚł ĚłtĚłhĚłeĚł ĚłeĚłnĚłdĚł ĚłoĚłfĚł Ěł2Ěł0Ěł2Ěł3Ěł.Ěł

𝙏𝙝𝙚 𝙚𝙣𝙙- 𝙁𝘼𝙏𝙀 𝙤𝙛 𝘾𝙡𝙞𝙦𝙪𝙚 𝙋𝙁𝘿𝙅 𝙘𝙖𝙣𝙣𝙤𝙩 𝙗𝙚 𝙤𝙪𝙩𝙨𝙞𝙙𝙚 𝙤𝙛 𝙩𝙝𝙚 𝙡𝙞𝙨𝙩𝙚𝙙 𝙤𝙥𝙩𝙞𝙤𝙣𝙨 𝙗𝙚𝙡𝙤𝙬.
Obciously,There is no one-size-fits-all method for removing a military dictatorship from a country, as the specific circumstances of each case can vary greatly. However, some general strategies that have been used in the past to achieve this goal include:

(1) Building a broad-based coalition of opposition groups: This can include civil society organizations, political parties, trade unions, and religious groups.

(2) Nonviolent resistance: This can include mass protests, strikes, and other forms of civil disobedience.

(3)International pressure: Countries, organizations and international bodies like United Nations, may pressure the dictatorship to step down through diplomatic, economic, or other means.

(4)Building support for the opposition: This can include providing material assistance, training, and other forms of support to opposition groups and individuals.

(5)Negotiations: In some cases, the dictatorship may be willing to negotiate the terms of its exit from power.

(6)Military intervention: Military intervention may be conducted by regional or international actors, with the aim of removing the dictatorship by force, this should be seen as the last resort, often leads to prolonged conflicts and a lot of human casualties.
HĚłoĚłpĚłeĚłfĚłuĚłlĚłlĚłyĚł ĚłoĚłnĚłeĚł ĚłoĚłfĚł ĚłtĚłhĚłeĚłsĚłeĚł ĚłmĚłaĚłyĚł ĚłtĚłaĚłkĚłeĚł ĚłpĚłlĚłaĚłcĚłeĚł ĚłbĚłeĚłfĚłoĚłrĚłeĚł ĚłtĚłhĚłeĚł ĚłeĚłnĚłdĚł ĚłoĚłfĚł Ěł2Ěł0Ěł2Ěł3Ěł.Ěł

Address

Charlotte, NC

Telephone

+17047037070

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when 𝓣𝓱𝓮 𝓡𝓮𝓭𝓼𝓮𝓪 𝓖𝓪𝔃𝓮𝓽𝓽𝓮 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to 𝓣𝓱𝓮 𝓡𝓮𝓭𝓼𝓮𝓪 𝓖𝓪𝔃𝓮𝓽𝓽𝓮:

Share