18/11/2025
* ካብ ኦፒኤም ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ እዩ ክንጥቀመሉን ነቶም ክጥቀሙሉ ዝተሸገሩን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዘሉን ይግብኣና!
እዚ Appointmen look up system ዝበሃል ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ኮይኑ ግሩፕ ናምበርና ብምእታው ኩነታት ክንፈልጠሉ ንኽእል።
1. መን እዩ ናብ ኦፒኤም ክመጽእ ዘለዎ!
እቶም ኣስማትኩም ኣብቲ ናይ ቆጸራ መመልከቲ ኣፕሊኬሽን ዘሎ ሊንክ ቆጸራ ክወሃበኩም እዩ፡ ኣብቲ ዝተዋህበኩም ዕለት ናብ ኦፒኤም ክትመጹ ትኽእሉ።
እቶም ንኢንተርቪው ንሎሚ ዓመትን ንዝመጽእ ዓመት ዝተቆጸርኩም'ውን ኣብዚ መመልከቲ ሊንክ ቸክ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
2. ናብ ኦፒኤም ክመጹ ዘይብሎም!
* እቶም ኣቐዲምኩም ኢንተርቪው ዝገበርኩም፡ ጉዳይኩም ኣብ መስርሕ ዘሎ፡ ናብ ኦፒኤም ዘምጽእ የብልኩምን። ጉዳይኩም ውሳኔ ምስ ተዋህቦ ጥራይ ኢኹም ክትመጹ ዘለኩም።
* እቶም ኣስማትኩም ወይ ቁጽርኹም ኣብዚ ሊስት ዘይረኸብኩሞ'ውን ናብ ኦፒኤም ዘምጽእ የብልኩምን፡ ጉዳይኩም ኣብዚ ኣይተኻተተን ዘሎ፡ ክሳብ ካልእ ወግዓዊ ሓበሬታ ዝመጽእ ክትጽበዩ ኢኹም።
* እቶም ሪጀክት ተባሂልኩም ዝነበርኩም'ውን ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃበኩም ናብ ኦፒኤም ክትመጹ የብልኩምን።
3. ንጉዳይ ኣብ መመልከቲ ኣፕ ቸክ ምግባር
* እቶም ድሮ ኢንተርቪው ዝገበርኩም ኣብ ጉዳይኩም ሓድሽ ጉዳይ ከይህሉ ንምርግጋጽ ኣብዚ ሊንክ ቸክ ምግባር ከድልየኩም እዩ።
* ንጉዳይኩም ውሳኔ ተዋሂብዎ ከይከ'ውን ወይ ውን ወረቀትኩም ክትወስዱ ዝብል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
4. ኣገዳሲ ሓበሬታ
* ኢንተርቪው ድሕሪ ምግባርኩም ካብቲ ኦፊስ ቀልጢፍኩም ብምውጻእ ነቶም ብድሕሬኹም ዘለዉ ቦታ ክትገድፉሎም ይግባእ።
* ጉዳይኩም ኣይተረኽበን( case not found) ዝብል እንተመጽይልኩም ወይ ኣብ ካምፓላ ኣይተመዝገብኩምን፡ ወይ ጌጋ ጉሩፕ ናምበር ኣእቲኹም ኣለኹም፡ ወይ ድማ ጉዳይኩም ኣብዚ መስርሕ ኣይተኻተተን ዘሎ። ንጉዳይኩም ዝምልከት ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ ዝወሃበኩም ኣብ ገዛኹም ክትጸንሑ ይግባእ።
5. ሓፈሻዊ መምርሒ
* ኣብ ካምፓላ ዝተመዝገቡ ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ ኣብዚ መስርሕ ተኻቲቶም ይርከቡ።
* ጉዳይካ ኣብዚ መስርሕ እንተዘየለ ናብ ኦፒኤም ኣይትምጻእ።
* ኣብዚ መመልከቲ ኣፕሊኬሽን ሓድሽ ነገር ከይህሉ ደጋጊምካ ቸክ ምግባር ከድሊ እዩ።
Eritrean Refugees in Uganda
@ Eritreans in Uganda
17/10/2025
Kampala, Uganda