WAERO ዋዕሮ

  • Home
  • WAERO ዋዕሮ
Call Contact the organization

WAERO ዋዕሮ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from WAERO ዋዕሮ, Nonprofit Organization, .

Create equal opportunity for women and men in our society to inspire, educate and support Eritrean women in their day to day activities in their life diaspora to become a value add member of the communities they live.

ወርሒ 4 ኣብ ኦቲዝም ዘለውም ህጻውንትና ንምጽንባልን ዓለም ለኻዊ ሕብረተሰባት ኣብ ኦቲዝም ዘለወን ኣመላኻኽታ ከዕብያ ዝተወፈየት ወርሒ እያ:: ድሮ እኮ ዝተፈላለዩ ህጻኔትን ዉለድን ብዛዕብኡ...
09/04/2026

ወርሒ 4 ኣብ ኦቲዝም ዘለውም ህጻውንትና ንምጽንባልን ዓለም ለኻዊ ሕብረተሰባት ኣብ ኦቲዝም ዘለወን ኣመላኻኽታ ከዕብያ ዝተወፈየት ወርሒ እያ:: ድሮ እኮ ዝተፈላለዩ ህጻኔትን ዉለድን ብዛዕብኡ ክጽሕፉ ቪድዮ ክሰርሑ ርኢና ኣለና::

በዚ ኣጋጣሚ ብምግባር: ኣቃልቦይ ዝሰሓበ ኣብነታዊ ኣቦ ሒዘልኩም መጺአ ኣለኹ:ኣብ ሜሪሸው ኣብ ደስታ ሚድያ:: ሳብስክራይብ ብምግባር ስድራቤት ኩኑ::

ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ጋል 3 ዓመት ኣዲኣ ዝገደፈታ ኦቲስቲክ ህጻን ጋለይ ዘረባ ክትዛረብ በቂዓ:: ናይ እዚ ወርሒ ጅግና ኣቦ ዮሃንስ ገብረማርያም ዝጋበርክዎ ቃለ መሕትት ጆባእ ይብለኩም::

ሰናይ ምክትታል::

https://donorbox.org/desta-media Please Make sure to like & subscribe to DESTA TV YouTube and turn on notifications to stay updated with all new uploads 🔔. ...

▪️ ኢትዮጵያዊት ስነጥበባዊት ሕልና ጌታቸው፡ ብዘይ ሰብኣይ ንጽል ኣደነት ዝመረጻ ደቂ ኣንስትዮ ንዓይ ጀጋኑ እየን።” ትብል። 💬▪️ “ዝኾነት ኣደ ንጽል ኣደ ክትከውን ኣይትደልን እያ።”▪️ ...
17/03/2026

▪️ ኢትዮጵያዊት ስነጥበባዊት ሕልና ጌታቸው፡ ብዘይ ሰብኣይ ንጽል ኣደነት ዝመረጻ ደቂ ኣንስትዮ ንዓይ ጀጋኑ እየን።” ትብል። 💬

▪️ “ዝኾነት ኣደ ንጽል ኣደ ክትከውን ኣይትደልን እያ።”

▪️ ዝኾነት ኣደ እንተመሪርዋ፡ እንተዘይመቺእዋ... ከማይ ከማይ ሓንቲ ብዛዕባ ደቃ እትግደስ ኣደ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕማቕ ሓዳር ርእሳ ኣድኒና ትነብርያ ዝብል እምነት የብለይን።

▪️ ካብ ሕማቕ ሓዳር ወጺኣ ንደቃ ብግቡእን ብስርዓትን ተዕብዮም።

▪️ ከምኡ ብምግባራ እንተወሓደ ንደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ወዲ እያ እተዕቢ።

▪️ ምኽንያቱ እንታይ ከም ዝተጎድአት ባዕላ ትፈልጥ እያ።

▪️ ንደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነብር ሰብኣይ እያ እተዕቢ።

▪️ ጓላ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይና ድማ፡ ብግቡእ መንገዲ እያ እተዕብያ፤ ኣብኣ ዝበጽሐ ኣብ ጓላ ንኸይበጽሕ ገይራ እያ እተዕብያ።

▪️ ንጽል ኣደነት ዝመረጻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንዓይ ጀጋኑ እየን ዝመስላኒ። 💪

▪️ ምኽንያቱ በቲ ክፉእ ኣቦ ዓብዮም ንዕኡ ስለዘይትክእዎ ጽቡቕ እዩ።

▪️ ኣብታ ሕማቕ ኣቦ ዝመርሓ ስድራ ዝዓበየ ወዲ’ዩ እኮ ሎሚ ንጓል ዝዕምጽ ዘሎ፤ ጓል እናቐጥቀጠ ዝነብር ዘሎ፤ ከይትሰርሕ ዝዓግታ ዘሎ።

▪️ እወ! ኣብኡ ኣብ ሕማቕ ስድራ ዝዓበየ ሰብ እዩ።

▪️ ብዙሓት እዚ ኣበሃህላ እዚ ንፍትሕ ዘተባብዕን ኣቦታት ደቆም ካብ ምዕባይ ተስፋ ዘቑርጽን ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ‘ንጽል’ ክኾና ዘተባብዕ እዩ ይብሉ ኣለዉ።

▪️ ንስኹምከ እንታይ ትብሉ? ‘ንጽል ኣደነት’ ተተባብዑ ዲኹም? 🤔

▪️ በዚ ኣጋጣሚ ንኣፍልጦኹም፥ ካብ 100% ኢትዮጵያውያን ስነጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ እተን 95 ሚእታዊት ‘ንጽል ኣዴታት’ እየን። 📊

ብዳዊት G.

March 8 Gift from   to all of our  She applies skincare and glows 🌟💐 Happy Women’s Day to all the incredible women!You d...
08/03/2026

March 8 Gift from to all of our

She applies skincare and glows 🌟
💐 Happy Women’s Day to all the incredible women!
You deserve self-care, confidence, and a little glow ✨
🎉 Enjoy 30% OFF today only
Celebrate yourself or the amazing women in your life.

Five sisters from Ethiopia won 3 Olympic golds and 15 world titles together. 🏅🌍Raised in a small town filled with ambiti...
02/03/2026

Five sisters from Ethiopia won 3 Olympic golds and 15 world titles together. 🏅🌍

Raised in a small town filled with ambition, five sisters trained with relentless commitment. Their sunrise miles on dusty roads slowly shaped a legacy that commanded global respect. The Dibaba sisters were not only chasing medals... they were running for their family name, their pride, and their history.

Tirunesh, Genzebe, Ejegayehu, Anna, and Melat Dibaba became one of the most successful sibling groups in track and field. Together, they secured 4 Olympic gold medals, 2 silvers, 3 bronzes, and 15 World Championship titles. Following inspiration from their cousin Derartu Tulu, they reshaped distance running and strengthened Ethiopia’s presence worldwide.

This is more than numbers and records... it is a powerful example of unity, belief, and discipline. Their rise shows how greatness can grow from humble beginnings when passion drives hard work. The Dibaba name now represents resilience and excellence... how many families can say they changed a sport side by side?

RunningDynasty ProudHeritage

References:
BBC Sport: Tirunesh Dibaba wins Olympic gold in 10,000m
Reuters: Genzebe Dibaba sets world record in 1500m
Olympics: Tirunesh Dibaba Athlete Profile
World Athletics: Genzebe Dibaba Profile and Records
Smithsonian Magazine: The Rise of Ethiopian Distance Running

ሰላም ዋዕሮታት: 10ይ ዓመት ጽንብል ምምስራት ሜሪሸው ኣብ ደስታ ቲቪ ብውዕውዕ ኣገባብ እዩ ዝቅጽል ዘሎ:: ናይ ሎሚ ዕድምትና: ወናኒት ፍልይ ዝበለ ታሪኽ እያ:: ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ በይና ...
21/02/2026

ሰላም ዋዕሮታት: 10ይ ዓመት ጽንብል ምምስራት ሜሪሸው ኣብ ደስታ ቲቪ ብውዕውዕ ኣገባብ እዩ ዝቅጽል ዘሎ:: ናይ ሎሚ ዕድምትና: ወናኒት ፍልይ ዝበለ ታሪኽ እያ:: ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ በይና 4 ቆልዑ እንዳ ኣዕበየት ወናኒት 3 ትካል ዝኾነት ሓፍትና ዮርዳኖስ ሓድጉ ዝገበርክዎ ልብኻ ዝማርኽ ዕላል ጆባእ ይብለኩም::

ስድራቤት ደስታ ሚድያ ንምኻን ሳብስክራይብ ንግበር::

https://donorbox.org/desta-media Please Make sure to like & subscribe to DESTA TV YouTube and turn on notifications to stay updated with all new uploads 🔔. ...

ቀዳማይ ክፋል ናይ ኣብ ግዜ ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ዘጋጥም ቅዛነት: ምስ ሓኪም ናይ ስነዓእምሮኣዊ ጥዕና ይርዳኖስ ተስፋይ ዝነበረና ብጣዕሚ ዘገርም ናይ ትምህርትን እሂንምሂን መደብ ንምክትታል...
11/02/2026

ቀዳማይ ክፋል ናይ ኣብ ግዜ ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ዘጋጥም ቅዛነት: ምስ ሓኪም ናይ ስነዓእምሮኣዊ ጥዕና ይርዳኖስ ተስፋይ ዝነበረና ብጣዕሚ ዘገርም ናይ ትምህርትን እሂንምሂን መደብ ንምክትታል ኣብዛ ታሕቲ ዘላ መለጋግቦ ጠውቁ::

https://donorbox.org/desta-media Please Make sure to like & subscribe to DESTA TV YouTube and turn on notifications to stay updated with all new uploads 🔔. ...

ጸጋ፣ ካብ ዑረት ኣዒንታ ክትገላገል ንሓግዛ ጸጋ ቴድሮስ ዘርኡ፡ ጓል 46 ዓመት ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቈልዑን እያ።ንሳ፡ ካብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ፡ ዓዲ ተኽላይ፡ ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ዞባ ማእከ...
08/02/2026

ጸጋ፣ ካብ ዑረት ኣዒንታ ክትገላገል ንሓግዛ

ጸጋ ቴድሮስ ዘርኡ፡ ጓል 46 ዓመት ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቈልዑን እያ።ንሳ፡ ካብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ፡ ዓዲ ተኽላይ፡ ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ዞባ ማእከል ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ኣብ 6ይ ዙርያ ምስ ከደት፣ ኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፣ ምስ ብጾታ ኣብ ክፍለሰራዊት 37፡ 4ይ ብርጌድ ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ድሕሪ ምስታፋ፡ ኣብ 1999 ኣብ ኣእጋራ፡ ኣፍልባ፡ ዓንዲ ሕቆኣ ከምኡ ድማ ኣዒንታ ብኸቢድ ተሃርመት።

ጸጋ፡ ድሕሪ ከቢድ ማህረምታ ኣብ ሕክምና ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምእላያ፡ ጥዕንኣ ምስ ተመሓየሸ፣ ናብ ስድራቤታ ተመሊሳ፡ ሓዳር ብምግባር ቈልዑ ክትወልድ ክኢላ እያ።እዛ ኣባል ማሕበር ኲናት ስንኩላን ኤርትራ ዝዀነት ሓብትናን ኣዴናን ጸጋ፡ ምስ ዕድመ ምውሳኽ፡ ኲነታት ጥዕንኣ ክድይብ፡ክወርድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዘን ዳሕረዎት ዓመታት ግን ካብ ድሓን ናብ ዝከፍአ ስለ ዝተቐየረ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክትፍወሰሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ በጽሐ።

ጸጋ ብኩነታት ጥዕንኣ ተስፋ ከይቆረጸት፡ ቃንዛ ኣእጋራን ኣፍልባን ከምኡ ድማ ዓንዲ ሕቆኣ ጸይራ ክትነብር እኳ እንተ ፈተነት፣ ናይ ኣዒንታ ቃንዛን ኲነታትን ግን ኣመና ከቢድዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ብሓገዝ ስድራቤታን ፈተውታን ኣብ ቱርኪ ንምሕካም ገይሻ እኳ እንተ ነበረት፡ኩነታት ኣዒንታ ግን ኣብ ዝልዓለ ሓደጋ ዑረት ስለ ዝበጽሐ፡ እቲ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ኩነታት ሕክምና ድማ ብፋይናንሳዊ መልክዑ ክርአ እንከሎ ንዓቕማ ዝኸውን ስለ ዘይነበረ፡ ዓቕሊ ጽበት ናብ ሃገራ ኤርትራ ክትምለስ ተገደት።

ኣብ ኤርትራ ምስ ተመልሰት፡ ነገር ኣጋጣሚ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኩነታት ጥዕና ኣዒንታ ክምርምርዋ ዕድል ረኺባ ነይራ።ብመሰረት ዝሃብዋ ምኽሪ፡ ኣዒንታ ናብ ደረጃ ዑረት ከይከደ እንከሎ፣ ብህጹጽ ዝሓሸ ክፍሊት ናብ ዘለዎ ህንዲ ክትከይድ መኸርዋ። ጸጋ እውን ምኽሮም ሰሚዓ፡ ኣዒንታ ካብ ዑረት ክተድሕን፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ህንዲ ከይዳ ክትሕከም ናይ ዓቕሚ ጸገም እኳ እንተ’ጋጠማ፡ ሕጂ እውን ብሓገዝ ቤተሰባን ፈለጥታን ፡ ካብዝን ካብትን ኢላ ብናይ ገዛእ ርእሳ ዓቕሚ ኣዋሃሂዳ ከተማ ኒውደልሂ ህንዲ በጽሐት።

ኣብ ህንዲ ብህጹጽ መርመራ ምስ ተገበረላ፡ ንኽልተ ሰሙን ኢላ ዝመደበቶ ጉዕዞ፣ ዘድሊ መድሃኒት ወሲዳ ብግቡእ ሕክምናኣ ክትዛዝም፡ ሰለስተ ወርሒ ክትጸንሕ ምዃና ተሓበራ።ጸጋ ኣዝያ ሰንበደት።ኣብ መንጎ ምምላስን ምሕካምን ተቐርቂራ ድማ፡ ሓወይ፡ ሓብተይ ኢላ ኣብ ዘይትሕገዘሉ፡ ናይ ቀረባ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ኣብ ሻቕሎት ትርከብ።

ጸጋ፡ ኣዒንታ ተሓኪማ ናብ ስድራቤታን ደቓን ክትምለስ፡ ኩሉና ሰብኣውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኢደይ ኢድኻ ክንብል ብኣኽብሮት እሓትት።ጸጋ፡ ኣደ እያ፣ ብርሃን ኣዒንታ ተሓኪማ፡ ደቃ ክትናቢ ብንኽእሎ ንሓግዝ።ናብ ብዙሓት ክባጻሕ ስለ ዝገበርኩም፡ ብስም ጸጋን ስድራቤታን አመስግን።ብወገነይ ንጸጋ ምሉእ ጥዕና እምነየላ።

ንሓግዝ ክጥዕም ወከልታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገር እዞም ዝስዕቡ እዮም።https://gofund.me/e3b8637f9

© ብቀጥታ ናብ ዋትስ ኣፕ ክድውለላ ዝደሊ፡ ኣብ ህንዲ ብናይ ኤርትራ ቊጽራ፡ ኣብዚ ኣሎ።+291 7 225 067

©ሚኪኤል ጸጋይ 004740988 ነርወይ

©ደጀን ተስፉ 00447988718 ዓዲ እንግሊዝ

©ምስግና ሰናይ 00211923104151 ደቡብ ሱዳን

©ሃብተማርያም እዮብ 0031687503194 ሆላንድ

©ግርማይ ሙሉጌታ 004915753195273 ጀርመን

©ሰሎሙን ዛይድ 00256753590585 ኡጓንዳ

መምህር ዮሴፍ ወርቀ
ሽወደን

ናይዛ Lidya Major እተባህለት ሓብትና፡ ካብ ሓንቲ ዝሰርሓታ ቪድዮ፡ ምስሊ ገጻ ወሲዶም፡ ብኣርትዖት (edit) ኣወሃሂዶም ከም ዕርቃና ዝወጽአትን ኣጥ*ባታ ዝረኣያን ገይሮም ሰኒዖማ። ን...
02/02/2026

ናይዛ Lidya Major እተባህለት ሓብትና፡ ካብ ሓንቲ ዝሰርሓታ ቪድዮ፡ ምስሊ ገጻ ወሲዶም፡ ብኣርትዖት (edit) ኣወሃሂዶም ከም ዕርቃና ዝወጽአትን ኣጥ*ባታ ዝረኣያን ገይሮም ሰኒዖማ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ኣብ ፔጃ ተኸታተሉ።

ነዚኣ ዝሰነዐ ተልመዴን ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ስናዕ ምዃና ትፍለጥ እያ። ብዙሓት ደቂ ገርሂ ልባ ግና፡ ወላ ስናዕ ምዃኑ እናረኣዩ ዝኣምኑ ኣለዉ። ኣብዚ ሕማቕ ዘመን ኣሽንኳይ ስእሊ ወላ ምስሊ ገጽካ ወሲዶም deepfake ተጠቂሞም ቪድዮ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ወላ ሓቀኛ ምስሊ AI ከይከውን እትጠራጠረሉ ዘመን ዘይግበር የለን።

ብዝዀነ፡ ሊድያ ነቲ ከምኡ ዝገበረ ሰብ ከም ዘዕጸወቶ ሓቢራ ኣላ። ጽቡቕ ስጕምቲ! ነዞም ከምዚታት ዝገብሩ ሰብ ክነቕሓሎምን፡ እናጠርዐ (report) ከዕጽዎምን ኣለዎ።

እዛ ሓብትና፡ ነተን “ስእሊዶ ቪድዮዶ ሒዘልኪ ኣለኹ።” ኢሎም ዘፈራርሕወንን ክሳዕ ገዛእ ርእሰን ዘጥፍኣን ከተንቅሐንን ዘይተደልየ ስጕምቲ ንኸይወስዳ ኣብዛ ቪድዮ ምምዓዳን ክትምስገን ይግበኣ። ብዓብይኡ ከኣ ነዚ ዘሰክፍ ዝመስል ኣርእስቲ ብግህዶ ወጺኣ ምዝራባ ኣገናዕ እብላ።

ጎይትኦም ገብረስላሴ

ኢጣልያዊት ፖለቲከኛ ሊሽያ ሮንዙሊሓራስ እያ ንሳ  ንጓል 44 መዓልቲ ናጽላ ህጻን  ጓላ ሑዛ ናብ ስርሓ  ተመልሰት፡ ንጓላ ናብ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣምጺኣታ። ኣብ መንጎ ድምጽን ኣኼባታትን ኣብ ...
25/01/2026

ኢጣልያዊት ፖለቲከኛ ሊሽያ ሮንዙሊሓራስ እያ ንሳ ንጓል 44 መዓልቲ ናጽላ ህጻን ጓላ ሑዛ ናብ ስርሓ ተመልሰት፡ ንጓላ ናብ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣምጺኣታ። ኣብ መንጎ ድምጽን ኣኼባታትን ኣብ ስትራስበርግ፡ ንህጻና ኣብ ሕቑፋ ሒዛ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጡባ እንኣጥበወት ፡ምውዓላ መስተዪ ቡን፡ ኣብ ደስ ዝብል ወጎኢ ኮይና ላ። ክንክን ህጻናት ምስ ሞያዊ ጠለባት ሚዛን ንምሃብ ዘጋጥም ጸገም እዩ ንመብዛሕታኤን ደቀንስትዮ። ሮንዙሊ ብዘይ መደረታት ይኹን ኣዋጃት፡ ኣብ ደገፍ ወለዲ፡ ተዓጻጻፍነትን ትካላዊ ርህራሄን ዓለማዊ ክትዕ ዘበገሰ ድምጺ ኣልቦ ግን ከኣ ሓያል ምስሊ ኣቕሪባ፡ መሪሕነት ማለት ሓልዮት ማለት እውን ምዃኑ፡ ኣደነት ድማ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዘይብሉ፡ ግን ከኣ ዝርአን ዝኽበርን ኣካል ሞያዊ ህይወት ክኸውን ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩና።
ደስ ዝብል ናይ ወለዲ እዋን ይኹነልና::

ካብ ሳባ ኪዳነ

ናብ ሕጊ ክትቀርብ: ኣለዋ 🥹🥹🥹!!! 🚨 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ሓንቲ ባቡር ብሓንቲ ጓለ’ንስተይቲ ጾ*ታዊ ዓመጽ ወሪድዎ። ፖሊስ CCTV ምስልታት ዓማ*ጺት ኣውጺኡ ኣሎ...
20/01/2026

ናብ ሕጊ ክትቀርብ: ኣለዋ 🥹🥹🥹!!!

🚨 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ሓንቲ ባቡር ብሓንቲ ጓለ’ንስተይቲ ጾ*ታዊ ዓመጽ ወሪድዎ።

ፖሊስ CCTV ምስልታት ዓማ*ጺት ኣውጺኡ ኣሎ 🚆...

ፖሊስ መጓዓዝያ ብሪጣንያ (BTP) ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓንቲ ባቡር እተፈጸመ ጾ*ታዊ ዓመጽ ይምርምር ኣሎ።

🔴 እቲ ፍጻመ ብዕለት 14 ታሕሳስ 2025 ከባቢ ሰዓት 9፡40 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንጎ Sheffieldን Worksopን ኣብ South Yorkshire ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር እዩ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ፡ እቲ ግዳይ ብጥቐኣ ሕልፍ ክብል፡ ሓንቲ ኣብ መንበር እታ ባቡር ኮፍ ኢላ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ጾ*ታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሓትሉ ይሕብሩ። ሰኣሊለነ!

ወግዓዊ መርመራ እቲ ጕዳይ ተጀሚሩ ኣሎ።

📸 ናይ CCTV ምስልታት/ስእልታት እታ ጓለ’ንስተይቲ ተዘርጊሖም ኣለዉ። ፖሊስ፡ ህዝቢ ክተሓባበሮም ሓቲቶም ኣለዉ። ዝዀነ ሓበሬታ ዘለዎ፡ ወይ ይፈልጣ እየ ዝብል ሰብ፡ ክሕብሮም ድማ ሓቲቶም ኣለዉ።

⚠️ ኣገዳሲ መዘኻኸሪ

ጾታ*ዊ መጥቃዕቲ፡ ጾ*ታ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝዀነ ሰብ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ፖሊስ ጾ*ታዊ መጥቓዕቲ ምስ ዘጓንፍ፡ ዝዀነ ሰብ ጾ*ታኡ ብዘየገድስ ክሕብር የተባብዑ።

ገለ ጸይ*ቅታት ኣብ ገለ ናይ ቋንቋ English ፔጃት፡
°’እቲ ሰብኣይ ዕድለኛ እዩ።”
° “ንዓይ ግዳ ዘይገብረለይ ዝነበረ።”
° “ድሕሪ ሕጂ ብባቡር ምጕዓዝ ክጅምር እየ።”
° “እዛ ጓል፡ ሰዓት ክንደይ እያ ኣብታ ባቡር ትኣቱ።”..ወዘተ ዝብሉ ርእየ።

እዚ ጕዳይ ዕቱብ እዩ ዝመስል። ጓል ጾ^ታዊ መጥቓዕቲ ከምዚታት ኣይምበሉን።

መምህር ጎይትኦም

Address


Telephone

+447456006026

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when WAERO ዋዕሮ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to WAERO ዋዕሮ:

Shortcuts

  • Want your organization to be the top-listed non profit organization?

Share