22/06/2026
እዚ ረዚን ዕለትን መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ
እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ "ዋሕስና ጽንዓትና፡ " ኣብ ዝብል ቴማ ከም ሽሙ ዝሕብሮ ዝብዓል ዘሎ ክከውን ከሎ 20 ሰነ ኣደ 24ተን ጉንበት ከም ምካና መጠን ኣዝዩ ዝዓዘዘን ዝረዘነን ዕለተ ሰማእታት 20 ሰነ ክበሃል ይካኣል። ብዙሓት ዕሸላት ለይለይ፥ መንእሰይስትን ዓርካናት ኣቦታትናን ኣዴታትናን እንዳጎየዩ ብርኮም ከይዓጸፉ ምስ ጥምየትን መከራን ኣብ ሓመድ ተነጺፎን ኣብ እምኒ ተተሪእሶም፥ ንስካ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ ብዘይ ተጉላብነት ንእስነቶም እታ እንኮ ዘይትድገም ሂወቶም ከይበቀቁ ሞባእ ዝኮኑ ሰምእታትና ሂወቶም ነዛ ሃገረ ሰማእታት. "" ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ ከም ሽምዓ ብርሃን መኺኾም ነዛ ነጻን ልእላዊትን ብርሃን ዝኮነት ሃገር ዘረከቡና ንሕና ከኣ ነዛ ውቅብትን ጽብቅትን ተባሃጊት ዝኮነት ሃገረ ስማእታትና ፥ካብ ዝኮነ ዝመጽእ ካብ ውሽጢ ይኩን ካብ ደገ ኣንጻር ሃገርና ተጻቦኦታት ከም 4ይ ግንባር ኮይና ከም ዝሓለፉ ዓበይቲ ተጻቦኦታትን ዓበይቲ ፈታኒ ዝኮኑ መስገደላትን፥ ብሓደ ልቢ ብሓደ ህርመት ሽምጥናን ዋልታናን ገቲርና ደው ክንብልን መንእሰያትና ፥ ብጉብእ ታሪክ ሰማእታትና ክነማሓልልፍን መንእሰያትና ክንኩስኩስን ፥ ክንሃንጽን ክንዲ ዝካኣላና መጠን መስዋእቲ ክንከፍልን ካልእ ውን እዛ ሃገር እዚኣ ሃገረ ጀጋኑ ሰማእታት ካብ ኮነት በዚ ዕለት እዚ ቃል ስዋኣትና የሕዲስና ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገርና ዓቢ ዝኮነ ነጥቢ መቀይሮ ምግባር ንሃገርና እጃምና ክነበርክትን ክንዋጻእን ብዓቅምና ዘፍቅዶ መሰረት ""መሰስኒ"" ሰማእታትና ከነበርክትን ስድራቤት ስዋኣትን ደቂ ስዋኣት ብውልቂ ወይ ውን ፥ብልፍንቲ ኮይና፥ ክንጥውርን ክንሕግዝን ብሽም ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር እጃምና ከነበርክት ለበዋና ነማሓላልፍ። በዚ ምክንያት ዚ ከኣ ካብኩለን መንግስታዊ ብዓላት እታ ዝረዘነት ዕለተ ሰማእታት ምካና ንገልጽ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ንብሎ ኤርትራዊ ኩሉ ግዜ ኣይምብርከን እዩ ምክንያቱ ሓደራ ጀጋኑ ሰማእታት ኣያታቱን ኣቦታቱን ዋዓሩ ኣዴታቱን ዘጽንሕሉ ታሪክን ለበዋን ስለለዘለዎን ክንዲ ዝመጸ ይምጻእ ጸገማት ይኩን ሽግራት ሃገሩ ብሓባር ኮይኑ ከም ንህቢ ዓሲሉ ዓውት ሓዚሉ "ሞጊቱ ረቲዑ ፥ጸላእቱ ብዓወት ኣምበርኪኩ ስለዝወጽ ሰማእታትና ቅሰኑ ቅሰኑ ኣብ መቃብርኩም ክንብሎም ንደሊ።
ሓይልናን፥ ሓድነትናን ጽንዓትናን ዋሕስና!!
ሰማእታትና ብስራሕና ይደበሱ!!!
ዘላኣለማዊ ዝክሪ ንሰማእታትና !!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!!
ማሕበረኮም ናንተስ ፍራንስ🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷