ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ

ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ documentation, charity, for helping members

28/05/2026
ናብ ፦ ዝምልከቶ ኹሉ!             ~~~~~~~~ዋኒኑ ፦ ቶምቦላ ሕድሪ ሎቶሪ ዕፃ ዝወድቐሉ ዕለት ምንዋሕ ይምልከት~~~~~~~~~   ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ተሓቢሩ ከምዘሎ ማሕበርና ማሕበር...
07/05/2026

ናብ ፦ ዝምልከቶ ኹሉ!
~~~~~~~~
ዋኒኑ ፦ ቶምቦላ ሕድሪ ሎቶሪ ዕፃ ዝወድቐሉ ዕለት ምንዋሕ ይምልከት
~~~~~~~~~
ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ተሓቢሩ ከምዘሎ ማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣብቲ ሕሉፍ ፅንተታዊ ኲናት ወለዶም ንዝሰኣኑ 2000 ዝኾኑ ኣዐርዮም ንዝተፀገሙ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ውሑስ ሂወት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተጀመረ ናይ ቶምቦላ ሕድሪ ሎቶሪ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክልልና መሰረት ብምግባር ናይ ቶምቦላ ሕድሪ ትኬት መሸጣ ፍቓድ ካብ ሚያዝያ 30/2018 ኣ/ግ ናብ ሰነ 13/2018 ኣ/ግ ክናዋሕ ንዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ናይ መናውሒ ፍቓድ ሓቲትና ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ረኺብና ስለዘለና ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2018 ኣ/ግ ተናዊሑ ከምዘሎ ንህዝብና ክንሕብርን መሸጣና ክሳብ ሽዑ ከምዝቕፅልን ክንገልፅ ንደሊ።
ኣብተን ተሪፈናና ዘለዋ ሰሙናት ቶምቦላ ሕድሪ ካብ ኤሌክትሪክ ናይ ገዛ መኪና ጀሚሩ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ዕፃታት ዘለዎ ብምዃኑ ዝነኣሰት ንሓንቲ ትኬት ዋጋ ካብ 100 ብር ጀሚርኩም ብምግዛእ ብሓደ ገፅ ዕድልኩም እናፈተንኩም ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ዜግነታዊ ግቡእኹም ክትዋፅኡ ፃውዒትና ክነቕርብ ንፈቱ።
 ዕፃ ዝወድቐሉ ግዜ ፡ ኣብ ድሮ መዓልቲ ሰማእታት 14 ሰነ 2018 ኣ/ግ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ሰዓት
 ዕፃ ዝወድቐሉ ቦታ ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ!

!
ምስ ሰላምታ!

ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ
29 ሚያዝያ 2018 ኣ/ግ
መቐለ : ትግራይ !

12/04/2026

~ ንኹለኹም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ 2018 ኣ/ግ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና🙏❤‼

ሰናይ በዓል ትንሳኤ🙏

ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ን187 ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ንመንበሪ ዝኸውን ቦታ ዓዲሉ።ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ኣይተ ተስፋይ ኣወጣሀኝ ከም ዝሓበርዎ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ 18...
04/04/2026

ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ን187 ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ንመንበሪ ዝኸውን ቦታ ዓዲሉ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ኣይተ ተስፋይ ኣወጣሀኝ ከም ዝሓበርዎ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ 187 ኣብ ሰለስቲኡ ምዕራፍ ግቡኦም ንዝፈፀሙ ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ነንሕድሕዶም 140 ካሬ መሬት ከም ዝተዓደለ ኣገንዚቦም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ንሃርበኛታትን ስድራ ስውኣትን ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ዝገለፁ እቶም ከንቲባ ፈተውን ተወላድን ከተማ ዛላንበሳ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ግደኡ ከበርክት ፀዊዖም።

ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ብግደኦም ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ጀጋኑን ስድራ ጀጋኑን ንምጥንኻር ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ዝነኣድ እዩ ኢሎም ክብል ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፀብፂቡ።

26 መጋቢት 2018 ዓ/ም
ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ

20/03/2026

~ ንመላእ ስዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1447 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብፀሓኩም!!
ዒድ ሙባረክ !

ምሕብሓብ ደቂ ስዉኣት ንሓደ ትካል ዝወሃብ ስለዘይኰነ ኩሉ ትኹረት ክህበሉ ይግባእ ተባሂሉ።እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ንልዕሊ 2 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ስዉኣት ዝሕግዝ...
28/02/2026

ምሕብሓብ ደቂ ስዉኣት ንሓደ ትካል ዝወሃብ ስለዘይኰነ ኩሉ ትኹረት ክህበሉ ይግባእ ተባሂሉ።

እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ንልዕሊ 2 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ስዉኣት ዝሕግዝ ፕሮጀክት "ቶምቦላ ሕድሪ" ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ መድረኽ ገሊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣይተ ገ/ጀወርግስ ሓርገን ከምዝበሎ፡ ማሕበሮም ኣብ 3ቲኡ ምዕራፋት ቃልሲ ንዝተሰውኡ ጀጋኑ ደቆም ንምሕብሓብ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

ልዕሊ 41 ሽሕ ደቂ ስዉኣት ሓቚፉ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ማሕበር፡ ካብዚኣቶም ልዕሊ 23 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ብምሕባር፡ ሐዚ ድማ ሎቶሪ "ቶምቦላ ሕድሪ" ብምድላው ንውሑስ መፃኢ ልዕሊ 2ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ስዉኣት ዝሕግዝ ፕሮጀክት ዕላዊ ምግባሩ ገሊፁ።

ፀገም ደቂ ስዉኣት ማሕበርና ጥራሕ ብዝሰርሖም ዕማማት ዝፍታሕ ኣይኮነን ዝበለ ኣይተ ገብረጀወርግስ፤ ምእንቲዙይ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ብፍላይ ድማ ህዝብን መንግስትን ፍሉይ ትኹረት ክህበሉ ይግባእ ኢሉ።


ፕሮጀክት "ቶምቦላ ሕድሪ" ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘለዉ ትኬት ክቖርፁ ንዝደልዩ ኣካላት ብመንገዲ ትካል "ኣሃዝ ፕላትፎርምስ" ክቖርፁ ከምዝተመቻቸወ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ ብወገኖም፡ ምእንቲ ትግራይ ክብሉ ክቡር ሂወቶም ናይ ዝኸፈሉ ስድራ ንምሕጋዝ ዝካየድ ስራሕቲ ኣብ ጎኒ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኰይኖም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

እቲ ሎተሪ ክሳብ ሚያዝያ 30 2018ዓ.ም ዝፀንሕ ኰይኑ፡ ንዕድለኛታት ኤሌክትሪክ መኪና፣ ኤሌክትሪክ ሞተር ሳይክል፣ ጀነሬተር ማይን ካልኦትን ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ።

# ዘርኡ ገ/ጀወርግስ

ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ እቶቱ ን2 ሽሕ ደቂ ስዉኣት ዝውዕል ፕሮጀክት "ቶቦላ ሕድሪ" ዕላዊ ገይሩ።እቲ ማሕበር ነዚ ዘፍለጠ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኰይኑ፡ ንስዉኣት ዘን...
27/02/2026

ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ እቶቱ ን2 ሽሕ ደቂ ስዉኣት ዝውዕል ፕሮጀክት "ቶቦላ ሕድሪ" ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ማሕበር ነዚ ዘፍለጠ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኰይኑ፡ ንስዉኣት ዘንቋሽሹ ዝርርባት ክእረሙ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣይተ ገ/ጀወርግስ ሓርገን ከምዝበሎ፡ "ንውሑስ ሂወት ደቂ ስዉኣት እጃምና ነወፊ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እቲ ፕሮጀክት፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘለዉ ወገናት ብቴሌብርን ካልኦት ኣማራፅታትን ሎተሪ ክቖርፁ ይኽእሉ ክብል ገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ቃልሲ ትግራይ ኢሉ'ውን መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ተጋደልቲ፡ ስድረኦም ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ ዝበለ መንእሰይ ገ/ጀወርግስ ደቂ ስዉኣት ዓርሶም ዝኽእልሉ መንገዲ ንምፍጣር ኩሉ ወገን ክረባረብ ፀዊዑ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ማሕበር ተጋዳላይ ጎይተኦም ገ/ገርግስ ብወገኑ፡ ን2 ሽሕ ደቂ ስዉኣት ክንሕግዞም ብምዕላም ካብ ምምሕዳር ብሄራዊ ሎተሪ ፍቓድ ኣውፂእና ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

እቲ ሎተሪ ካብ ለካቲት 20 ክሳብ ሚያዝያ 30 2018ዓ.ም ክኸድ ምዝፀንሕ ድማ ተገሊፁ።

ማሕበር ደቂ ስዉኣት ተጋደልቲ ትግራይ፡ ንሉኣላውነት ትግራይ ዝጠሓሰ ውሳነ ቤትምኽሪ ፌደሬሽን ንኹንን ዝበለ ኰይኑ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ተኸቢሩ ተመዛበልቲ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ፀዊዑ።

ብኻልእ መዳይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሽም "መድረኽ ደለይቲ ለውጢ" ኣብ ዝብል ዋዕላ ተጋሩ፡ ንስዉኣት ዘየኽብር ዝርርብ ኣብ ግልፂ መድረኽ ተዘሪቡ ዝበለ እቲ ማሕበር፤ ነቲ ተግባር ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነስ ብሕጋዊ መንገዲ ከምዝኸዶ ኣፍሊጡ።

# ዘርኡ ገ/ጀወርግስ

ንኹለኹም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ውዳበታትን ሓለፍቲ~~~~~                         ኣብ ዘለኽምዎ                           ~~~~~~ ዋኒኑ: - ...
26/02/2026

ንኹለኹም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ውዳበታትን ሓለፍቲ
~~~~~
ኣብ ዘለኽምዎ
~~~~~~
ዋኒኑ: - ኣብ መኽፈቲ መድረኽ ቶምቦላ ሕድሪ ክትርከቡ ምዕዳም ይምልከት።
ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ከም ዝተገለፀ ማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ኣዐርዮም ዝተፀገሙ ልዕሊ ክልተ ሽሕ (2000) ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ዘኽታማት ደቂ ስውኣት ዘላቒ ውሑስ ሂወት ንምፍጣር ዓሊሙ “ቶምቦላ ሕድሪ” ፕሮጀክት ብምድላው ሃፍቲ ከተኣኻኽብ ካብ ዝምልከቶ ናይ ኢትዮጵያ ሎተሪ ምምሕዳር ፍቓድ ረኺቡ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ይርከብ።

ምእንተዚ ዕላማ እዚ ቶምቦላ ሕድሪ ብዝብለ ቴማ ኣብ መላእ ትግራይ ዝካይድ ቶምቦላ ሎተሪ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ ብምርካብ ንትሕቲ ዕድመ ደቂ ስውኣት ዝዓለመ እቶት መተኣኻኸቢ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ መኽፈቲ ፕሮግራም ስለ ዘለና ንዕለት 21 /06/2018 ኣ/ግ ሰዓት 3:00 ኣብ መእተዊ በሪ ሓወልቲ ሰማእታትት ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ናይ ትካልኩም ሓላፊ/ተወካሊ ዕዱም ጋሻ ኮይንኩም ክትርከቡልና ንዕድም ።
#ንውሑስ ሂወት ደቂ ስውኣት እጃምና ነወፊ!!

ምስ ሰላምታ

ብምኽንያት መበል 51 ዓመት ለካቲት 11 ዝተውሃበ መግለፂ እንኳዕ ኣብፀሐኩም  መርኣያ ፅንዓት ፣ ጀግንነት ፣ ኣይምብርከኽን በሃላይነትን ህዝባውነትን ዝኾነት 10ታት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፈ...
17/02/2026

ብምኽንያት መበል 51 ዓመት ለካቲት 11 ዝተውሃበ መግለፂ እንኳዕ ኣብፀሐኩም

መርኣያ ፅንዓት ፣ ጀግንነት ፣ ኣይምብርከኽን በሃላይነትን ህዝባውነትን ዝኾነት 10ታት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፈለላ ምእንተ መሰልን መዓርነትን ዓርሰ ምሕደራን ዕላማ ተሓንጊጦም ብራኸ ቃልሲ ተጋሩ ልዕል ክብል ዓብዪ እጃም ዘበርከተት ወሳኒትን ጀማሪት ብረታዊ ቓልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ መበል 51 ዓመት ለካቲት 11 እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና።
ተጋሩ በቢ ምዕራፍ ወለዶታት ምእንተ ዓዶምን ክብሪ ህዝቦምን ክብሉ መስዋእቲ እናኸፈሉ መፂኦም እዮም። 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ዝጀመረ ቃልሲ ተጋሩ እውን ኣብ ዓወትን ምኽባር ዓርሰ ምሕደራን ዓርሰ ውሳነን ዘኽእል ሕገ መንግስቲ ፀዲቑ ብስርዓትን ሕግን ልኣላውነት ህዝቢ ዘቐደመ ስርዓት ብሃገር ብርኪ ንክህነፅ ክኢሉ እዩ። ተጋሩ ወለድና ነዚ ዕላማ ንክሳኻዕ ካብ ህንቀተ ልቦም ሰሪሖምን ክቡር መስዋእቲ ከፊሎምን እዮም።
ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻት ቃልሲ ናብ ዓወት ክበፅሑ ዝኸኣሉ ድማ ከቢድ ዋጋ እናተኸፈሎም ምዃኑ ርዱእ እዩ፡፡ ማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ እውን ብግዱሳት ደቂ ስውኣት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ደቂ ስውኣት ባዕሎም ንባዕሎም ዝፈትሕሉ ኩነታት ንምፍጣርን ታሪኽ ወለዶም ተሰኒዱ ፣ ተዓቂቡ ንውሉድ ወለዶ ክሰግርን ክኽበርን ዓሊሙ ብ 2010 ዓ/ም ዝተጣየሸ ማሕበር እዩ፡፡ ስለዚ ለካቲት 11 ድማ ካብቶም ክዕቀቡን ክኽበሩን ዝግበኦም በዓላት ብምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ ብሓባር ከኽብሮ ይግባእ።
ድሕሪ ምስረታ ሃገረ መንግስቲ እውን ን 27 ዓመታት ፅቡቕ ዝበሃል ምዕባለን ልምዓትን ክመፅእ ክኢሉ ዋላ እንተነበረ ከም ተጋሩን ትግራይን ብፍሉይ ጠመተን ዘይገበረ ጉዕዞ ብምንባሩ ናብ ዳግም ጆኖሳይዳዊ ፅንተትን መኸተን ክንኣቲ ክኢልና ኢና። ዝሓለፈ ውድቀታትና ኣሪምና ውልቀ ኽብሪ ኣፅኒሕና ፣ ኽብርን ረብሓን ህዝቢ ኣቐዲምና ሓድነት ተጋሩ ብዘጠናኽርን ካብ ተቓላዓይነት ፀላእትና ነፃ ንምውፃእ ብሓቛፋይነት መንፈስ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ መድረኽ ድርድርን ናይ ሓሳብ ክትዕ ከምርሕ ብምግባር ሰላማዊ ናብራ ህዝብናን ናይ ሓባር ፀገምናን ክንፈትሕ ይግባእ ንብል።
ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝተኸተመ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእ ተግባራዊ ንክኸውን ኩሉ ዝምልከቶ መደራደሪ ኣካል ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክግበር ንፅውዕ። ኩሉ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብሓሳብ ብምትእምማን እምበር ብመዕነዋይ ጎንፂ ክኸውን ኣይግባእን። ብዝሰልጠነ መንገዲ ውሽጣዊ ፀገማትና ክፍትሑ ኩሉ ዝምልከቶ በዚ ኣጋጣሚ ክሰርሕ ንፅውዕ።

ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!
ድምቀት ንመበል 51 ዓመት በዓል 11 ለካቲት!!
ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ
10 ለካቲት 2018 ዓ/ም
መቐለ: ትግራይ!

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንልዕሊ 4000 ስድራ ስውኣት ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መንበሪ ቦታ ሎሚ ኣሳሊጡ።ን 4080 ስድራ ስውኣት ከተማ መቐለ ኣብ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕ...
17/02/2026

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንልዕሊ 4000 ስድራ ስውኣት ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መንበሪ ቦታ ሎሚ ኣሳሊጡ።

ን 4080 ስድራ ስውኣት ከተማ መቐለ ኣብ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መልአኽቲ ዘመሓላለፉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶክተር ረዳኢ በርሀ ህዘቢ ተግራይ በብመዋእሉ ዝኸፈሎም መስዋእቲ ህልውንኡ ንምቕፃል ብምኳኑ ታሪኹ ህያው'ዩ ኢሎም።

ስውኣትና ንመሬት ኢሎም ኣይተሰውኡን፣ ዝዕደልዎ መሬት ግን ዓብዪ ኮይዩ ንመስዋእቶም ዝትክእ ዘይኮነስ ስውኣትና ንምዝካርን ስድራ ስውኣትና ንምሕብሓብን ዘለና ሕድሪ ንምፍፃም እዩ ኢሎም።

ጠዋሪ ዘይብሎም ስድራ ስውኣት መንበሪ ንኽረኽቡ እትወሃብ መሬት ሓደራን መዘከርታን ስውኣትና እያ ዝበሉ ዶክተር ረዳኢ በርሀ፦ እዚ ድማ ሓደርኦም ከምዘይንጠልም ዕላምኦም ኩሉግዘ እናዘከርናዮ ከምእንነብር ንምርግጋፅ'ዩ ኢሎም።

ዝወሃብ መሬት ኣልሚዖም ክጥቀሙሉ'በር ክሸጥዎ ክልውጥዎ ግቡእ ከምዘይኮነ መልአኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋደላይ ናስር መሙሑር ብወገኖም ከም ኮሚሽን ተጠቃምነት ስድራ ስውኣት ንምርግጋፅ ደንቢ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ምእታው ገሊፆም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘሳለጦ ካልኣይ ዙር ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ መንበሪ ቦታ ንስድራ ስውኣት ተወፋይነትን ዝተወደበ ዓቕሚ መሪሕነትን ዘመላኽት ምኳኑ ገሊፆም።

# ገብሩ ተኽላይ

Address

Mekelle
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ:

Share