ማ/ጉ/ኲ/ት- ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ

ማ/ጉ/ኲ/ት- ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ Tigray Disabled Veterans Association major authorization is based on the balanced, free and fair representation of
general meeting .

ተወሰኽቲ ምስልታት ካብ ምረቓ ተምሃሮን ብዓል ወለድን ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን መቐለ።
30/06/2025

ተወሰኽቲ ምስልታት ካብ ምረቓ ተምሃሮን ብዓል ወለድን ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን መቐለ።

ዜና ዕለት 22/10/217መቐለምረቓ ተምሃሮን በዓል ወለድንቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ሊሚ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ምረቓ ተምሃሮ ኮሌጅ፣ 12ተ ክፍልን ተምሃሮ መዋእለ ህፃናትን ...
29/06/2025

ዜና ዕለት 22/10/217

መቐለ

ምረቓ ተምሃሮን በዓል ወለድን

ቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ሊሚ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ምረቓ ተምሃሮ ኮሌጅ፣ 12ተ ክፍልን ተምሃሮ መዋእለ ህፃናትን ወለዲ፣ ተምሃሮ፣ ኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ኣመራርሓ ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስን መምህራን ከምኡ ድማ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። ኣብቲ በዓል ብተምሃሮ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝቐረቡ እንትኾን ፀብፃብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብዋና መካየዲ ስራሕ ቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ኣይተ ተስፋጋብር ታምሩ ቐሪቡ እዩ። ኣብቲ ድሙቕ ዝነበረ በዓል ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተምሃሮን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሽልማታት ተበርኪቱ እዩ።

ንኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት-ን መላእ ማሕበረሰብናን ----------------------------------------------------ቅድም ኢሉ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝጠቀመሉ ዝነበረ ሎጎ...
25/06/2025

ንኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት-ን መላእ ማሕበረሰብናን
----------------------------------------------------
ቅድም ኢሉ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝጠቀመሉ ዝነበረ ሎጎ በዚ ቐፂሉ ብምስሊ ዝተለጠፈ ሓድሽ ዲዛይን ክትክኦ ኣብ ምድላው ምዃኑ ንሕብር።
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇

05/06/2025
ዘሐጉስ ብስራት!ሓድሽ ድሕረ-ገፅ ማ/ጉ/ኲ/ኣብ ቐረባ መዓልቲ …አስደሳች ብስራት!አዲስ ድሕረ-ገፅ በቅርብ ቀን…….Exciting News!We are thrilled to announce that o...
01/06/2025

ዘሐጉስ ብስራት!

ሓድሽ ድሕረ-ገፅ ማ/ጉ/ኲ/ኣብ ቐረባ መዓልቲ …

አስደሳች ብስራት!
አዲስ ድሕረ-ገፅ በቅርብ ቀን…….

Exciting News!

We are thrilled to announce that our newly developed website is coming soon! Our team has been working diligently to create a platform that enhances your experience and provides you with valuable resources.

Stay tuned for the official launch date, and thank you for your continued support!

Best regards,

WE ARE COMING SOON! Exciting things are on the horizon! Our website is launching soon, so stay tuned for a world of innovation, inspiration, and endless possibilities.Tigray Disabled Veterans Association (TDVA) an Ethiopian Residents local Charity organization Contact Us Ato Cherkos W/mariam - tdvac...

ዜና ዕለት 22/09/2017 ኣሶሳዓመታዊ ሃገር ለኸ ኮንፈርንሰ‍ ቴክኖሎጂ ኣካል ድጋፍ ሎሚ ዕለት 22/00/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተሳሊጡ። እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝሳለጥ ዋዕላ  ካብ ...
30/05/2025

ዜና ዕለት 22/09/2017

ኣሶሳ

ዓመታዊ ሃገር ለኸ ኮንፈርንሰ‍ ቴክኖሎጂ ኣካል ድጋፍ ሎሚ ዕለት 22/00/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተሳሊጡ። እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝሳለጥ ዋዕላ ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃፅኣ ማእኸላት ተሃድሶ፣ ሚንስትሪ ጥዕና ፣ ICRC፣ ማሕበራት ከምኡ ድማ መዳረግቲ ኣካላትን ኣብ ጉድኣት ኣካል ዝሰርሓ ትካላት ይሳተፋ ኣለዋ። ኣብቲ ዋዕላ ድማ ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን መደረታትን ዝቐርቡ ኾይኖም ኣብ ዝረኣዩ ጠንካራ ጎንታትን ፀገማትን ዘትዩ መፍትሒ ሓሳባት ዝቐርብሉ ክኸውን እዮ። ሎሚ ዓመት ዝሳለጥ ዋዕላ “ብደገፍ ቴክኖሎጂ ዘይምኽኣል ንዕገት” ብዝብል ቴማ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ማ.ጉ.ኲ.ት ድማ ብማእኽለ ኦርቶ- ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ኣቢሉ ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ።

ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግርይ ንመላእ ኣባላቱ፣ ፈተዉቱን ብፍላይ ድማ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ርሑስ በዓል ፋሲካን ትንሳኤን ክኾነልኩም ይምነ።
19/04/2025

ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግርይ ንመላእ ኣባላቱ፣ ፈተዉቱን ብፍላይ ድማ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ርሑስ በዓል ፋሲካን ትንሳኤን ክኾነልኩም ይምነ።

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ ዝኸውን ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ።
16/04/2025

ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ ዝኸውን ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ።

ፃውዒት ነፃ ወፍሪ ሕክምና  ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ ፡ ጀርመናዊ ትካል ግብረ ሰናይ  ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ገባሪ ሰናይ ትካል እንግሊዝ ዝኾነ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውን...
26/02/2025

ፃውዒት ነፃ ወፍሪ ሕክምና

ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ ፡ ጀርመናዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ገባሪ ሰናይ ትካል እንግሊዝ ዝኾነ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ሰራሕ ኢድ ይወሃብ ኣሎ ።

ካብ 17 ለካቲት ዝጀመረን 21 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝዛዘምን እቲ ሕክምና ፡ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ከተማ መቐለ እናተውሃበ ይርከብ ።

ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ወገናት ብናፃ ግልጋሎት ሰብ ስራሕ ኢድ ዝረኸቡ እንትኾን ካልኦት ዘይሰምዑ ወገናት ናብት ማእኸል መፂኦም ተጠቀምቲ ንክኾኑ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ ።

ኣተሓባበሪ እቲ ወፍሪ ኣይተ ቢንያም ገ/እየሱስ እቲ ወፍሪ ነፃ ሕክምና ክሳብ ዓርቢ ጥራሕ ዝፀንሕ ምኳኑ ተፈሊጡ እዚ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ናብቲ ማእከል ብምምፃእ ግልጋሎት ክረክቡ መልእክቶም ኣመሓላሊፎም።

ካብዚ ብተወሳኪ ነቲ ግልጋሎት ዝደልዩ ወገናት ትራንስፖርት ወፃኢ ከምዝሽፍን እውን ኣይተ ቢንያም ወሲኾም ሓቢሮም ።

Source: DW

ምልከታ ንደለይቲ ስራሕ ---------------------------ማ/ጉ/ኩ/ት ቅድም ክብል ንዘለዎ ክፍቲ ስራሕ መደብ ገናሒ መኪና ሰራሕተኛ ኣወዳዲሩ ክቖፅር ዝተመግበኩም ዝነበርኩም ናብ ፈተ...
01/11/2024

ምልከታ ንደለይቲ ስራሕ
---------------------------
ማ/ጉ/ኩ/ት ቅድም ክብል ንዘለዎ ክፍቲ ስራሕ መደብ ገናሒ መኪና ሰራሕተኛ ኣወዳዲሩ ክቖፅር ዝተመግበኩም ዝነበርኩም ናብ ፈተና እትቐርቡ ኣመልከቲ ብፅዕፃ ንምፍላይ ስለ ዝደለየ ንዕለት 25/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 3 ኣብ ህንፃ ማ/ጉ/ኩ/ት ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ዝርከብ ቤ/ፅሕፈትና 6ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 18 ሓ/ሰብ ምምሕዳር ንክትርከቡ ንዕድም።

ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን(humanity and inclusion) HI ዝተብሃለ ገባሪ ስናይ ትካል ንማእኽል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ናይ ኣካል ድጋፍ ዘገል...
02/10/2024

ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍ

ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን(humanity and inclusion) HI ዝተብሃለ ገባሪ ስናይ ትካል ንማእኽል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ናይ ኣካል ድጋፍ ዘገልግሉ ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ፕሮግራም ማናጀር ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ኣይተ ጀማል ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ከምዝበልዎ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ካብ ዝጅምር 38 ዓመት ከምዘቑፀረን ኣብ ኣካል ጉድኣት ፣ ልምዓት፣ ህፁፅ ሓገዝ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም ።

በቲ ትካል ንማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዝተበርከቱ ናውቲ ደረጀኦም ዝሓለውን ፣ ብልሽት እንተ ኣጋጢሙ ዝፅግኑ ክኢላታት ስልጠና ከምዝተወሃበ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ እቲ ፕሮጀክት ክጅምር ተሎ ብርክት ዝበሉ ተሓከምቲ፣ ሰፊሕ ናይ ኣካል ጉድኣት መንቀሳቐሲ ሕፅረትን ከምኡ እውን ሕፅረት ዝሰልጠኑ ክኢላታት ብምንባሮም ኣብዚኦም ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ኣካየዲ ስራሕ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ብወገኖም እቲ ማእኸል ቅድሚ 28 ዓመት ከምዝተመስረተ ብምግላፅ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት እናሃበ ዝፀንሐ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝፀንሐ ፕሮጀክት ናይ ኣካል ደገፍ ናውትን ሓገዝ ፣ ሕክምና ስነ ልቦናን ዓቕሚ መዕበይን ኣብ ኣካል ጉድኣት ግንዛበ ዝፈጥሩ ስልጠናታት ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

በቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 9.2 ሚልየን ብር ወፃኢ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ ነቲ ማእኽል ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣይተ ገ/ጨርቆስ ወልደማርያም ብወገኖም ኣካል ጉዱኣት ናውቲ ኣካል ድጋፍ እንተዘይረኺቦም ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ኣይኽእሉን ፡ እዙይ ናይ ኣካል ማእኽል ድጋፍ ማእኽል ካብ ዝተጣይሸሉ ዕላማ ሓድ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ እቲ ዘጋጠመ ፅንተታዊ ኩናት ተወሲኽዎ ብርክት ዝበለ ጉዱእ ኣካል ብምዃኑ ጠለብ ናይ ኣካል ድጋፍ ስፊሕ ብምዃኑ ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ፀዊዖም።

ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኮኾብ ብግድኦም ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ዝገበሮ ድገፍ ሕክምና ተሃድሶ ብምምስጋን ንቐፃሊ ተሓባቢርና ካብዚ ዝበለፅ ንስርሕ ኢና ኢሎም።

ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን (humanity and inclusion) HI ን ኣገደስቲ ድሌታቶም ንምምላስ፣ ኩነታት መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ክብረቶምን መሰረታዊ መሰላቶምን ንምኽባርን ንምድንፋዕን ምስ ኣካል ጉድኣተን ተቓላዕቲ ህዝብን ተልእኾ ሒዙ ዝሰርሕ ዘሎ ምዃኑ ተገሊፁ።
Source:

28/09/2024

መአረምታ
=======================================
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስም ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣብ መንጎ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣመልኪቱ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ምይይጥ ገይርና ዝሃብናዮ መግለጺ ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ ካብ መትከል ሲቪክ ማሕበራት ውፅእ ዝበለ፣ ንማሕበርና ዘይውክልን ብማ/ጉ/ኲ/ት ኣፍልጦ ዘይብሉን ከምኡ ድማ ማሕበርና ናይ ማንም ፖለቲካዊ ውድብ ውግንና ዘይብሉ ምዃኑ ክንገልፅ ንፎቶ።

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማ/ጉ/ኲ/ት- ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ማ/ጉ/ኲ/ት- ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ:

Share