19/07/2026
ረኽቢ ማሕበረ-ሰብ ፃዕዳ እምባን ኣፅበ- ደራን ዓፅዩ ዝፀንሐ ጎቦ እምቦርበረ ክቑረፅ ተወዲኡሉ ኣሎ...!
ከምዝፍለጥ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዓበይቲ ካብ ዝበሃላ ዕዳጋታት ሓውዜን፣ፈራውንን ኣፅቢን ደራን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ እየን። ሕ/ሰብ እዘን ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ድማ ብሓፈሻ ብምኽንያት ዘለዎ ፅበት ናይ ሕርሻ መሬት ንግዲ ከም መማረፂ ዝጥቀም እዩ ። ከተማ ደራ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ዓፋር፣ካብ ከባቢታት ፃዕዳ እምባ፣ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ፣ካብ ከተማ ፈራውን፣ካብ ከተማ ሓውዜን ፣ካብ ክልተ ኣውላዕሎን ካልኦትን ከባቢታት ትግራይን ብዝመፁ ተዓዳደግቲ ዝደምቕ ዝነበረ ዓብዪ ዕዳጋ እዩ። መዓድን ጨው ኮነ ካልኦት ናይ ባሕሪ ኣቑሑት፣ ኣጭርቕትን ካልኦትን ዝሓለፈሉ ዝነበረ ቀንዲ መስመር እውን እዩ። ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዎ ቅርበት ንነዊሕ ዘመናት ማእኸል ንግዲን ምትእስሳርን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ከተማ ፍረ-ወይኒ(ፈራውን) እውን ካብ ደጉዓታት ኣፅበ ደራ ብኣድገ በቕሊ ተፃዒኖም ብዝኸዱ ጥራምረ፣ ዓተር መተርን ፣ጠለ በጊዕ፣ውፅኢት ተዋፅኦ እንስሳት ወ.ዘ.ተ እዩ ዝደምቕ ነይሩ። ከተማ ሓውዜን ከተማ ፍረ-ወይኒን ቀጥታዊ ዝኾነ ንግዳዊ መራኽቦ ኣለዎ። ብሰንኪ መስመር መንገዲ መኪና ዘይምህላው ድማ ከተማታት ሓውዜን፣ ፍረ-ወይኒ(ፈራውን)፣ ደጉዓታት ኣፅበ-ደራን ዓፋርን ሃፍተን ከይለዋወጣ፣ ሰብ ብቐሊሉ ተራኺቡ ከይነግድ ፣ማሕበራዊ ርክባቱ ከየጠንክርን ኣሳልጦ ስራሕቲ ህዝብን መንግስትን ከይህልውን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ብተወሳኺ እዚ መስመር እዚ ብርክት ዝበሉ ፀጋታት ቱሪዝም ዝወነነ እኳ እንተኾነ ተረባሒ ግን ኣይነበረን።
ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ሕቶ ስራሕቲ መንገዲ ፀኒሑ እዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግን ክሰምር ኣይከኣለን ። ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት እውን ብዙሕ ግዜ እናተዘየሉ ዋላ እንተፀንሐ ብምኽንያት እቲ ዝፀንሐ ናይ ትግራይ ተለዋዋጢ ኩነታት ክሰምር ኣይከኣለን ነይሩ ። ሐዚ እውን ኣኽኣሊ ኩነታት ሃልዩ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን " ኣብ ኩናት ኮይንካ እውን ዓድኻ ይልማዕ እዩ" ካብ ዝብል ሕራነ እዚ ሓሳብ ተበጊሱ ኣሎ። ካብ ከተማ ፍረ-ወይኒ ናብ ከተማ ደራ ዘሎ ርሕቐት ኣስታት 24 ኪ.ሜ እዩ። እዚ ማለት ካብ ፍረ ወይኒ ናብ ጣብያት ጉላ ኣበናዓ ዝወስድ መንገዲ መኪና ኣሎ እዩ። ካብ ከተማ ደራ ናብ ቀላቕል ጣብያ ጉላ ኣበናዓ( ዓቐብ እምቦርበረ) ምምሕያሽ ዘድልዮ መንገዲ ፀፀር እውን ኣሎ እዩ። እቲ ሰለስቲኦም ወረዳታት ከይራኸቡ ዓጊቱ ዝፀንሐ ጎቦ እምቦርበረ ርሕቐቱ ኣስታት 3.4 ኪ.ሜ ኮይኑ እዚ ጎቦ እዚ እንተተቖሪፁን እቲ ዝፀንሐ መንገዲ እውን ናይ ደረጃ ምምሕያሽ እንተተገይርሉን ስሉጥ ዝኾነ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ምትእስሳር ክህሉ እዩ።
ስለ ዝኾነ እውን ብሳላ ነዊሕ ናይ ልምዓት ራእን ዕላማን ዘለዎ ማሕበር ደራን ከባቢኣን ፣ ብሳላ ማሕበር ልምዓት ፃዕዳ እምባን ከባቢኣን ፣ብሳላ ውፉያት ተወልድቲ ሰብ ሃፍቲ እተን ከባቢታት፣ብሳላ ምሁራንን ፎተውቲ ዓድን ፣ ብሳላ ውፋያት መሪሕነት ሰለስቲኤን ወረዳታት ከተማ ፍረወይኒ፣ፃዕዳ እምባን ወረዳ ኣፅብን ፣ብሳላ ውፉያት ኣመራርሓ ጣብያታት እቲ ከባቢ ወ.ዘ.ተ እዚ ካብ ልምዓት ቦኺሩ ዝፀንሐ ከባቢ መፍትሒ ተናድይሉ ኣሎ። ካብ ወርሓ ታሕሳስ ጀሚሩ ጭቡጣት ምንቅስቓሳት ክግበሩ ፀኒሖም እዮም። ናይ ወረዳ ኣመሓደርቲ ናይ ልምዓት ማሕበራትና፣ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ እቲ ከባቢ፣ምሁራንን ሰብ ሞያን ተኣኪቦም ዘትዮም
ዘተሓባብሮም ዓብዪ ኮሚቴ፣ ሒሳብ ባንኪ ዝኸፍቱ ዓበይቲ ሰብ ሃፍቲ ፣ስራሕ ፈፀምትን ካልኦት ኣናእሽተይ ኮሚቴታትን ክመርፁ ክኢሎም ኣለው። ብቐፃሊ በቢከባኡ ኮሚቴታት ክጣየሹ እዮም። እቲ ፅንዓት መንገዲ ገጠር ዕሙቕ ብዝበለ መልክዑ ተኻይዱ ኣሎ።
ነዚ ስራሕቲ መንገዲ ዘድልዩ ማተርያላት ብኣብዝሓ ካብ'ቲ ከባቢ ብቕርበት ዝርከቡ ምዃኖም እውን ሓደ ዓብዪ ፀጋ እዩ። እዞም ኮሚቴታት ዘድልዩ ማሽነሪታት ኣብ ምትእልላሽ ይርከቡ። ነዚ መንገዲ እዚ መስርሒ ዝውዕል ብፅንዓት ዝተነፀረ መጠን ገንዘብ ኣስታት 93 ሚልዮን ብር እዩ። እዚ ገንዘብ እዚ ካብ ሕ/ሰብ እቲ ከባቢ፣ካብ ተወለድቲ ሰብ ሃፍቲ፣ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ዝርከቡ ተወለድቲ፣ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ናይ ልምዓት ትካላት ወ.ዘ.ተ ዝእከብ ይኸውን። ኣብ ነሓሰ 23_25/2018/ ዝካየድ ዓብዪ ዝኾነ እቶት መተኣኻኸቢ ፕሮግራም ኣብ ከተማ ውቕሮ ክካየድ ተወጢኑ ኣሎ። ናይ ባንኪ ሒሳብ ቁፅርታት ብቐፃሊ ክንፀሩ እዮም። ስለ'ዚ ኣብ እዝኒ ኩሉ ተወላዲን ፎታውን ንኽበፅሕ ንግበር።
ኣብ'ዚ ነቲ ከባቢ ማሕበረ-ሰብ ዘተኣሳስር፣ዓብዪ ኢኮኖምያዊ ረባሕታ ዘምፅእ ፣ዓብዪ ዝኾነ ማሕበራውን ቁጠባውን ምትእስሳር ዝፈጥር መንገዲ ፀፀር ክንድብሪ ኣለና። ኩሉ ዝምልከቶ ተወላዲ፣በዓል ሃፍቲ፣ምሁርን ፣ፈታዊ ዓዲን ፈታዊ ልምዓትን ብሓሳብ ፣ብገንዘብን ፍልጠትን ንኽሳተፍ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
# ሕብረት ንዘላቒ ልምዓት!
#ናብ ኩሉ ንኽበፅሕ Share ንግበሮ