Yirgalem Hadush Foundation

Yirgalem Hadush Foundation ብሰንኪ ሞት ዕሸላት ህጻናትን ተተሓሓዝቲ ፀገማትን ንዝሳቐያ ስነ-ልቦናዊ ማህሰምቲ ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ መፅናንዕን ተስፋን ሰብኣዊ ምንቅስቃስ እዩ።

፡ታሪኽ ህይወት ይርጋለም ሓዱሽ (1980 - 2018ዓ/ም)​"ካብ ቃንዛ ናብ ተስፋ፣ ህያው ውርስን ፅንዓትን ፍቕርን"​"ታሪኽ ህይወት ይርጋለም ሓዱሽ (1980 - 2018ዓ/ም)​"ካብ ቃንዛ ና...
07/06/2026

፡ታሪኽ ህይወት ይርጋለም ሓዱሽ (1980 - 2018ዓ/ም)

​"ካብ ቃንዛ ናብ ተስፋ፣ ህያው ውርስን ፅንዓትን ፍቕርን"
​"ታሪኽ ህይወት ይርጋለም ሓዱሽ (1980 - 2018ዓ/ም)

​"ካብ ቃንዛ ናብ ተስፋ፡ ህያው ውርሻ ጽንዓትን ፍቕርን"
​unconditionally ይርጋለም ሓዱሽ ካብዛ ዓለም ብኣካል ብሰንኪ እዚ ፀገም እዚ ትፈለየና እምበር ስማን ታሪኻን ግን ንብዙሓት ኣሕዋት ብርሃንን ተስፋን ብምዃን ዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ።"

​1. ልደትን ቁልዕነትን
​ጥቅምቲ 1980 ዓ/ም (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ወረዳ ክልተ-ኣውላዕሎ፣ ቁሸት ዳማርያም ጻዕዳናዕለ ሓንቲ ብሩህ ተስፋ ዘለዋ ጓል ተወልደት። ካብ ኣቦኣ ሃለቃ ሓዱሽ ሓጎስን ካብ ኣዴኣ ወይዘሮ ፀጋ ሓድጉን ዝተወልደት ይርጋለም ሓዱሽ ከም ዝኾነ ቆልዓ ገጠር ፅንዓትን ትግሃትን እናለመደት እያ ዓብያ። ንወለዳ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕትን ኣብ መጓሰን ብሓጎስን ብትግሃትን እናሓገዘት ብፍቕሪ ስድራቤት ተደጊፋ ዓበየት። ልዕሊ ናብራኣ ምእንቲ ምቅናዕ ዕድሜኣ ኣሕሊፋቶ።
​2. ናይ ትምህርትን ስራሕን ጉዕዞ
​ይርጋለም ትምህርቲ ክትጅምር ዕድሜኣ ምስ ኣኸለ ክቱር ናይ ምምሃር ባህጊ ነበራ።
​ቀደማይ ብርኪ (1-8 ክፍል):- ኣብ ቤት ትምህርቲ ነጋሽ ተማሂራ።
​ካልኣይ ብርኪ (9-10 ክፍል):- ኣብ ቤት ትምህርቲ ውቅሮ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ብስዓት ኣጠናቀቐት።
​ላዕለዋይ ትምህርቲ:- ኣብ ፍሉጥ "ቅድስት ማርያም ኮሌጅ" ብዲፕሎማ ተመሪቓ።
​ትምህርታ ምስ ወድአት ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ብምእታው፡ ኣብ "ፋብሪካ ሸባ ሌዘር" ስራሕ ጀመረት። ኣብዚ ትካል እዚ ዘርኣየቶ ብቕዓት፣ ተኣማንነትን ትግሃትን ካብ ተራ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ጀሚራ ክሳብ ሓላፊት ኪኢላ ተቖፃፃሪት ፅሬት (Quality Control Specialist) ክትበፅሕ ኣኽኢልዋ እዩ። እዚ ድማ ፃዕረኛን ሓላፍነት እትስከምን ጓል ምንባራ ዘመስክር እዩ።

​3. ናይ ሓዳር ህይወትን እቲ ከቢድ ናይ ኣዶነት መስዋእትነትን

​ኣብ 2009 ዓ/ም (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ምስ ፍቁር በዓል ቤታ ኣይተ ሚኪኤለ ወርቀልኡል ናይ ሓዳር ህይወት መሰረተት። ሓዳራ ብሰላም፣ በፍቕርን ብሰናይ ምግባርን ዝተመልአ ነበረ።
​ይኹን እምበር ይርጋለም ኣዶ ንምዃንን ውሉድ ንምሕቓፍን ዘሕለፈቶ ቃልሲ ኣዝዩ ከቢድን ልቢ ዝሰብርን ነበረ። ህጻን ሓቒፋ ኣዶ ንምዃን ብተደጋጋሚ
​ጥንኩር ናይ ጥንሲ ምቁራፅ (Miscarriages)
​ናይ ውሉድ ምንፃልን ከቢድ ኣካላዊ ቃንዛን ተቐበለት።
​ድሕሪ እዚ ኩሉ መከራን ፅንዓትን ግን እቲ ዝዓበየ ፈተና መፀ። ነቲ ብብዙሕ ፃዕሪ ዝወለደታ፣ ሓቒፋ ከይጸገበታ ብርሃን ዓይና ዝኮነት ውላዳ ብሞት ሰኣነታ። እዚ ሓዘን እዚ ንይርጋለም ጥራይ ዘይኮነስ ንማንም ኣዶ ክትፃወሮ ዘይክእል ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ስብራት ነበረ💔
​4. ናይ መወዳእታ መዓልታትን ምጅማር "ፋውንዴሽን ይርጋለም ሓዱሽ"
​ድሕሪ ሞት ውሉዳ ዝሰዓበ ሓዘን ናብ ሓያልን ከቢድን ናይ ኣእምሮ ጭንቀት (Grief and Postpartum Depression) ቀየሮ። ኣብ ማሕበረሰብና ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ ዘሎ ግንዛበ ውሑድ ብምዃኑን፣ እቲ ቃንዛ ብክኢላታት ኣእምሮ ክትሕገዝ ስጉምቲ ዋላ እንተተወስደ ይርጋለም ሓዱሽ እቲ ዘጋጠማ ከቢድ ጭንቀት ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት ህይወታ ሓለፈት።
​ይርጋለም ብኣካል ካብዛ ዓለም ትፈለየና እምበር እቲ ዝሓለፈቶ መከራ ግን ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ የብሉን። ንሳ ምእንቲ ውሉድ ክትብል ህይወታ ዝሃበት ሰማእት ኣዶ እያ።
​ዕላማ እቲ ፋውንዴሽን
​እዚ "ፋውንዴሽን ይርጋለም ሓዱሽ" (Yirgalem Hadush Foundation) ዝተሰመየ ትካል ንዝኽሪ ይርጋለም ህያው ንምግባርን ብሰንኪ እቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ፀገም ካልኦት ኣሕዋትና ህይወተን ከይስእና ዝተመስረተ ቅዱስ ትካል እዩ። እዚ ትካል እዚ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዓምድታት ትኩረት ገይሩ ይሰርሕ።
​ስነ-ልቦናዊ ደገፍ (Psychological Support):- ብሞት ህፃናትን ኣዶታትን ዝበጽሕ ናይ ኣእምሮ ማህሰይቲ (Grief & Trauma) ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ከይተቀየረ ክኢላታት ስነ-ልቦና ምስ ኣሓትና ኮይኖም ከጸናንዕዎን ራህዋ ክህቡን።
​ግንዛበ ምፍጣር (Postpartum Depression Awareness):- ድሕሪ ሕርሲ ንዝመጽእ ከቢድ ናይ ስምዒትን ኣእምሮን ጭንቀት ከም ተራ ሕሰም ከይተራእየ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ሰፊሕ ግንዛበ ብምፍጣር ህይወት ኣዶታትን ህጻናትን ምድሓን።
​ቁጠባዊ ሓገዝ (Financial Relief):-ሓዘንን ስነ-ልቦናዊ ስብራትን እናሃለወን ዓቕሚ ንዘይብለን ኣዶታት ንሕክምና፣ ንምግቢ ወይ ንመሰረታዊ ነገራት ዝኸውን ውሱን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምግባር ፆረን ምቅላል።

​ይርጋለም ሓዱሽ ታሪኽኪ ኩሉ ግዜ ህያው እዩ። ብስምኪ ንብዙሓት ኣሕዋት ክነድሕን፣ ክንጸናንዕን ብርሃን ክንኮንን ኢና!!
መንግስተ ሰማያት የዋርስኪ ይርጋለመይ💔

Niyat Alem
Zeray Press
Selam Araya
Teame Hailekiros Lema

ብሰንኪ ሞት ዕሸላት ህጻናትን ተተሓሓዝቲ ጸገማትን ንዝሳቐያ ስነ-ልቦናዊ ማህሰምቲ ንዘጋጠመን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ሓገዝ ንዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ መጸናንዒን ተስፋን ንምዃን ዝዓለመ ሰብኣዊ ም...
07/06/2026

ብሰንኪ ሞት ዕሸላት ህጻናትን ተተሓሓዝቲ ጸገማትን ንዝሳቐያ ስነ-ልቦናዊ ማህሰምቲ ንዘጋጠመን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ሓገዝ ንዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ መጸናንዒን ተስፋን ንምዃን ዝዓለመ ሰብኣዊ ምንቅስቓስ እዩ.
​ዕላማና፦
​ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ፦ ብሞት ውሉድ ንዝተሰበራ ኣሓት ነፃ ናይ ስነ-ልቦና ምኽሪ ክረክባ ምግባር
​ግንዛበ ምፍጣር፦ ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ናይ ኣእምሮ ፀጀም (Postpartum Depression) ዘስዕቦ ጉድኣት ምልላይን ምክልኻልን።
​ቁጠባዊ ድጋፍ፦ ጸገም ንዘለወን ኣደታት ዓቕምና ብዝፈቀዶ ውሱን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምግባር። ብኣውርኡ ድማ ንሓፍትና ይርጋለም ሓድሽ ስማ ልዕሊ መቃብር ክከውን ምግባር እዩ።

​ታሪኽን ፍቕርን ይርጋለም ሓዱሽ ንኹለን ኣደታት ብርሃን ኮይኑ ክነብር እዩ!!
Yirgalem Hadush Foundation

Address

Tigray
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Yirgalem Hadush Foundation posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share