17/09/2026
| ሓሙሽቴኺ ትግራይ 01
"ግራውቶም ዳስተዩ ሓዲግናዮም መፂእና..." 💧🌾
ሓደ በሉለይ... ብወፍሪ ሓሙሽቴኺ ትግራይ ኣቢልኩም ናይ ሓደ መዓልቲ ቡንኩም ወፃኢ ንሓረስቶት ትግራይ ውህብቶ ሃቡልና ፤ ንሕና ማይ ገይርና ግራውቶም ከተርክሱ ፣ ሓሪሶም ክበልዑ ፣ ዘሪኦም ክዓፅዱ... ናጋ ብተስፋ ክፅበዩ ክንገብረለን ኢና ዶ ኢልናኩም ነይርና ሓቀይ... ይሀው በተን ውህብቶኹም ናይ መጀመርያ ጉድጓድ ማይ ፀጊንና ናብ ስራሕ ኣእቲና ኣለና። 💪🏾😍
#ሓሙሽተኹም ኩላትኩም... 🫸🏾🫷🏾
ፍቕርኹም ፣ ሓልዮትኩም ፣ ልግሲኹም ማይ ኾይኑ ግራት ሓረስቶት ከርሕስ ፣ ልቢ ወለድኹም ብተስፋ ከተርክስ ጀሚሩ ኣሎ። ይክኣል እዩ ዝበልናኩም ፤ ናእማን ስለዝክኣል እዩ።
እዛ ትርእይዋ ዘለኹም ፤ ሕዚ AFD - Alaje Farmers Development Center ፀጊኑ ናብ ስራሕ ኣእትይዋ ዘሎ (ፈላመይቲ ህያብ ሓሙሽተኺ ትግራይ❤️) ጉድጓድ ማይ ከርሰ-ምድሪ ኣብ ወረዳ ሱብሓ-ሳዕስዕ ፣ ጣብያ ኩማ ሰውሓ ትርከብ እያ። ብውሑዱ 12 ሄክታር ተልምዕ ፣ ግራውቲ 39 መራሕቲ ስድራ (ልዕሊ 200 ትንፋስ) ብዘይምቁራፅ ክተስትይ ፣ ፀገም ማይ መስተን ቐለብን እንስሳታቶም ክትፈትሕ ዓቕሚ ዘለዋ እያ። ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት እያ ብብልሽት ምኽንያት ጠጠው ኢላ ፤ ኣብ ዙርያኣ ዘለው ሓረስቶት እውን ዓይኒ-ዓይና ዳረአይዋ ክጥቀሙላ ከይክኣሉ ህልውንኦም ኣብ ዝናብ ሰማይ ተንጠልጢሉ ፀኒሑ። ሕዚ AFD ካባኹም ብዘተኣኻኸቦ ንኡሽተይ ዝመስል ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ኣፀጊኑ ናብ ስራሕ ኣእትይዋ ኣሎ ፤ ማይ ብለይምቁራፅ ክትተፍእን ሓረስቶት ዳተቐባበሉ ግራውቶም ከስትዩላን ጀሚሮም ኣለው። በዙይ ፍጥነት እዙይ ውፅኢት ምርኣይ ከመይ ድዩ ደስ ይብል... ድኻምካ ኩሉ እዩ ዘረስዐካ። 🫂🥰
ሓረስታይና ሕዚ ስፍሪ ቐለብ ወርሒ ክልተ ወርሒ ኣይኮነን ዘድልዮ ፤ ሓሪሱ ብዘላቕነት ዓርሱ ዝኽእለሉ ኣንፈት ክሕዝ ክሕገዝ እምበር። እዙይ እዩ ንትግራይ ዘዋፅኣ ፤ እዙይ እዩ ንትግራይ ዘድሕና። ሕድሕድ ዓቕሚ ትግራይ ኣብዙይ እዩ ክፈስስ ዘለዎ። ወፍሪ ሓሙሽቴኺ ንትግራይ ድሮ ሓረስቶት ትግራይ ፍሽኽ ከብል ፣ ተስፋ ክቛፅሩ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ... ናጋ ኣብ መላእ ትግራይ ክባፃሕ እዩ።
ትግራይ ሓሪሳ ክትበልዕ እያ!
ቃልና ብተግባር ክነርእይ ኢና!
ሓሙሽተኹም!
☕ ሓንቲ ቡን ለግሱ።
💧 ማይ ንሓረስቶትና ንሃቦም።
🌱 ናብ ግራውቶምን ሕርሽኦምን ንመልሶም።
🌾 ትግራይ ሓሪሳ ትብላዕ ፤ ካብ ተፀባይነት ትድሓን።
AFD - Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቁፅሪ WhatsApp +251900967748
ቐፅሊ ኣብ ካልእ ጫፍ ትግራይ ፤ ኻልእ ፍሽኽታ ሒዝናልኩም ክንመፅእ ኢና።
ዳይ ንቐፅል... 🚙🌾💚
👋🏾
🚜
💧