ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወረዳ ሓውዜን

ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወረዳ ሓውዜን Tplf Hawzien

ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዝብል ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝወፀ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ
23/02/2026

ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዝብል ብሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝወፀ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ብምኽንያት ሳልሳይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ህወሓት ዝተወሃበ መግለፂ
02/11/2025

ብምኽንያት ሳልሳይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ህወሓት ዝተወሃበ መግለፂ

"መልእኽቲ ዶ/ር ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት"ኣብ ዝኣመንካሉ ህዝባዊ ዕላማ ፀኒዕኻ ክሳብ መወዳእታ ካብ ምቅላስ ዝዓቢ ቁም ነገር የለን!~~~~~~~~~~~~~~~~~~ሰላም!...
17/09/2025

"መልእኽቲ ዶ/ር ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት"

ኣብ ዝኣመንካሉ ህዝባዊ ዕላማ ፀኒዕኻ ክሳብ መወዳእታ ካብ ምቅላስ ዝዓቢ ቁም ነገር የለን!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ሰላም!
ነቲ ፍልፍል ዘይነፅፍ ሓበንን ኩርዓትን ዝኾነ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ እንከይኣመራሳሕኻን ብግቡእ ክብሪ ሂብካን ዓቂብካን፣ ቀያሕትን ፀለምትን መላምል ደቂ ህዝቢ ዝወደቑሉ ዕላማ እንከይሰሓትካን፣ ዝኣመንካሉ ህዝባዊ ዕላማ ሽትኡ ክወቅዕ መድረኽ ዝሓቶ ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ምክያድን እዩ፣ ዘልኣለማዊ ክብሪ ዘጎናፅፍ።

ስለዚ ኣብ ዝኣመንካሉ ህዝባዊ ዕላማ ፀኒዕኻ ካብ ምቅላስ ዝዓቢ ቁም ነገር ክህሉ ኣይኽእልን እሞ፣ በዝን በትን ብዝመፅእ ፈተንቲ ኩነታት እንከይረብረብና፣ ድሕነትን ህላወን ህዝብና ንምርግጋፅ፣ ብጉልበት ዝተታሕዘ ግዝኣትና ንምምላስን ዝተመሰቓቐለ ህይወት ህዝብና ናብ ንቡር ንምምላስን ዝጀመርናዮ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣዛይድና ክንቅፅል ይግባእ።

18/06/2025
14/02/2025
ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ
17/01/2025

ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ኣብ ህልው ፓለቲካዊ ኩነታት ክልልና  ንምዝታይ ካብ  መላእ ጣብያታት ከተማን ወረዳን ሓውዜን  ዝተውፅእፅኡ  ልዕሊ  700 መናኣሰይ  ተሳቲፎም  እዮም። ስርዓት  እንትባላሾ ቀዳማይ  ተጠቃዓ...
06/10/2024

ኣብ ህልው ፓለቲካዊ ኩነታት ክልልና ንምዝታይ ካብ መላእ ጣብያታት ከተማን ወረዳን ሓውዜን ዝተውፅእፅኡ ልዕሊ 700 መናኣሰይ ተሳቲፎም እዮም።
ስርዓት እንትባላሾ ቀዳማይ ተጠቃዓይ ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ናይ ፅንተት ወራር ብተግባር ዝረኣዩ መናኣሰይ ክልቲኡ ወረዳን ከተማን ሓውዜን ጉዳይ ኣበልን መጓዓዓዝን ናብ ሕቶ እንከይ ኣእተው ልዕሊ 6ተ ሰዓት ናይ እግሪ ጉዕዞ ወይ እውን ናይ ደርሶ መልሲ ናይ መጓዓዓዚ ወፃኢ ብባዕሎም ሸፊኖም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም እዮም።
ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዞባ ምብራቅን ኣይተ ፍስሃ ሃይላይ
ምስቲ ሕዚ ክልልና ናብ ዕንኪሊል ዝእትዋ ዘሎን እቲ ድመቅ ብሄራዊ መኸተና ዝሕንሽሽ ዘሎ ጉጅለ ጌታቸው ረዳን ዘራኸበና ጉዳይ ስልጣን ኣይኮነን። ሓደን ሓደን ዘራኸበና ጉዳይ ውግንና ህዝቢን ኣሰላልፋን እዩ።
መናኣሰይና እዚ ብግልፂ ተረድኡ። ካብዚ ሓቂ እዚ ተበጊስኩም ወግንናኹም ምስ መን ይኸውን ዝብል ንዓኹም ክገድፎ ብምባል ሓሳቦም ዝገለፁ እንትኾኑ ካብ ተሳተፍቲ መናኣሰይ ዝተልዓሉ ሕቶን ሪኢቶን ድማ፦

* ኣነ ዝላዓለ ሃፍቲ ኣለኒ ። ንሱ ድማ ህወሓት እዩ።( ቃል ብቃል ካብ ተሳታፊ መንእሰይ ከተማ መጋብ )
* ንሕና መናኣሰይ ኣየናይ ኣካይዳ ይጠቅመና ኣዚና ንፈልጥ ኢና። ምስ ጉድለታቱ እውን እንትኾነ ብፖሊስታትን ስትራተጅታትን ህወሓት እናተረባሕና መፂና ኢና። ሕዚ ግን ሕቶታትን ድሌታት መናኣይ ኣይመልስን ዘሎ። መንእሰይ ይስደድ ኣሎ። እዚ ንምንታይ ይኸውን ?
* ምስ ፌደራል እኳ ተደራዲርና ሕዚ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ንምንታይ ብድርድር ዘይፍታሕ?
* ንምንታይ ተደጋጋሚ ናብ ኩናት ንኣቱ?
* ሕዚ እውን ህዝቢ ኣብ ጉድኒ ውድቡ ህወሓት ኣሎ ።ዘይዓረኹም ንስኻቱም ላዕለዎት ኣመራርሓ ኢኹም።
* ኣብ ግልጋሎት ኣወሃባ ድኻ ኣይሰመዓን ዘሎ።
* ንምታይ ጉዳይ ሕቶ መጠሻን ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ ድማ ጉዳይ ማሕበር ገዛ ንምታይ ዘይምለስ?
* ንሕና መናኣሰይ ብሶሻል ሚድያ ንነጉድ ኣለና ። ኣብዚ ስኽን ምባል የድልየና። ብሶሻል ሚድያ ብዝውዛዕ ሓበሬታ ንሕና ንጌታቸው ረዳ ምስራሕ ከሊኦሞ ንብል ነይርና ። ሕዚ ግን እቲ ሓቂ ንሱ ከምዘይኮነን ናይ ተግባር ሰብ ከም ዘይኮነን ብተግባር ንምልከት ኣለና። እቲ ጉጅለ ናይ ድራማ ሰብ እዩ። ድራማ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
* ንምንታይ እዮም ተፈናቀልቲ ኣላማጣን ፀለምትን ናይ ፅጥታ ውሕስነኦም ዘይሕሎ?
* ኣነ ካብ ትኪ ከምልጥ ኢለ ናብ ሓዊ ከኣቱ አይደልን ። ምኽንያቱ ቅድሜና ናብ መረበቶም ዝተመለሱ ተመዛበልቲ ዞባ ደቡብን ፀለምን እንታይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ብዓይነይ ይሪኢ ስለ ዘለኹ ( ሓደ ካብ ምዕራብ ተፈናቂሉ ኣብ ሓውዜን ዝነብር መንእሰይ ቃል ብቃል ዝበሎ )
* ኣካይዳ ጉጅለ ጌታቸው ረዳ ኣካይዳ ዓብይ ኣሕመድ ይኸይድ ከም ዘሎ ብተግባር ንዕዘብ ኣለና። ነዚ እናረኣና ዘይምቅላስ እቲ ፀገም ተመሊሱ ክበልዐና እዩ። ነዚ ጉጅለ ብኣግኡ ተቃሊስና ክነዕርዮ ይግበኣና።
* ህወሓት ኣብ ክልተ ተገሚዑ ዝበሃል ኣይትኽክልን። እቲ ዓርሱ ካብ ጉባኤ ዘግለለ ፅግዕተኛ ጉጅለ ሽራፍ ህወሓት እምበር ፍርቂ ህወሓት ስለ ዘይኮነ።
* ስድራ ስውኣትና ብስርዓት ኣይተደበሱን። ብስርዓት

Address

Hawzen

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወረዳ ሓውዜን posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share