04/08/2026
ካብ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ ሓበሬታ
==============================
ዕሱብ ሰራዊት ስርዓት ብልፅግና ምስ ዕጡቓት መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን (RSF) ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብኣስገዳድ ዝኣከቦም ምልሻታትን ካልኦት ዕጡቓትን ሒዙ ብዕለት 25/11/2018 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብኣንፈት ሸረሪና ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ብእዋኑ ብመንግስቲ ትግራይ መግለፂ ከምዝተውሃበ ይዝከር፡፡
ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሰራዊትና ነቲ ብወገን ዕሱብ ሰራዊት ብልፅግና ዝተኸፈተሉ መጥቃዕትታት ብመስተንክራዊ ጅግነነትን ፅንዓትን ተዋጊኡ ብምምካት ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሱብ ሰራዊቱን መሻርኽቱን ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ኣብፂሑን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሙውትን ቁሱልን ብምግባር ካብ ሑመራ ክሳብ ጎንደር ኣብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ብውጉኣት ዝተጨናነቓሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ኣብዚ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊትና እቲ ልሙድ ናይ ዓወትን ጅግንነትን ታሪኽ ፈፂሙ ንቐፃሊ ተልእኹኡን ዝበለፀ ዓወትን ንምርግጋፅ ቁሞኑኡን ኣቀማምጥኡን ኣመዓራርዩ ድልው ኮይኑ ይርከብ፡፡
ብወገን ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ነቲ ዝገጠሞ ዘይገመቶን ዘይተፀበዮን ስዕረት ንምሽፋን ዝተፈላለየ ናይ ሓሶትን ምድንጋራትን ወረታት ብምንዛሕ፤ ኩሉም ሜላታት ፕሮፖጋንዳ ተጠቒሙ ነቲ እንትርፊ ስዕረት ዓወት ኣመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሰራዊቱ ሞራል ንምፅጋንን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምድንጋርን እንዳፃዓረ ይርከብ፡፡ ኮይኑ ግና ካብ መጀመርትኡ ሞራሉ ዝተሰብረ ሰራዊቱ በዚ ናይ ሓሶት ዓወት ክፅግኖ ከምዘይኽእል ጋህዲ ይኸውን ኣሎ፡፡
እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ነቲ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ዝሓንፀፆ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ዕላምኡ ስለዘይተሳኸዐ ሕዚ እውን ሙሉእ ሰራዊቱን ኣፅዋሩን ኣጎዓዒዙ ኣብ ኩሎም መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይ ኣኪብዎም ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ዳግማይ ኲናት ፅንተት ንምጅማር ኣብዘኽእሎ ድልውነት ከም ዘሎ በቢከባቢኡ ኣብ መሬት ዝረኣዩ ዘለው ምልክታት መረጋገፂ ሓቅታት እዮም፡፡
ሕዚ እውን እንተኾነ ነዚ ናይ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ዕላማን ትልምን ከምቲ ዝሓለፈ ብናይ ህዝብናን ሰራዊትናን ጥሙር ቅልፅም መኪትና ከምዘፈሸልናዮ ሎሚ እውን እቲ ንዳግማይ ኲናት ፅንተት ክኣቱ ዝህንደድ ዘሎ ጆኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ዕላምኡ ንምብርዓን መላእ ህዝብናን ሰራዊት ትግራይን ኣብ ዝለዓለ ሞራልን ድልውነትን ከምዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምቲ ልሙድ ነቲ ዕሱብ ሰራዊት ስርዓት ብልፅግና ብጅግንነትን ፅንዓትን ብምድምሳስ ባህግን ድሌትን ኩሎም ደመኛታት ፀላእቱ ኣምኪኑ ህልውንኡ ከምዘረጋግፅ ንፈታውን ፀላእን ክነፍልጥ ንፈቱ።
ዘበት ንብሄራዊ ፅንተት!!!
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!!
ካብ ማእኸል ኣመራርሓ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ
ሓምለ 28/ 2018 ዓ/ም
መቐለ፡ ትግራይ