24/08/2026
ብዛዕባ ከይዲ ፍርዲ ዘውዱ ሃፍቱ መዝገብ ከይረኣኻ ንምዝራብ ኣፀጋሚ እዩ ነይሩ። ሐዚ ግን ጠበቓ ተኸሰስቲ ዝኾነ ኣቶ Abreha Berhe ናይቲ መዝገብ ዋና ትሕዝቶ ግልፂ ስለዝገበሮ ዝተወሰነ ምዝራብ ይከኣል እዩ። ካብቲ ፅሑፍ ናይቶም ጠበቓ እቲ ወንጀል ተኸሰስቲ ፈፂሞምዎ ንምባል ዘኽእል መበገሲ ከም ዘሎ ፣ ናፃ ክበሃሉ ዝኸኣሉ ብናይ ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ኣሻጥር ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ ። ነዚ መበገሲና ምኽንያታት ዝበልናዮም ነጥቢታት ድማ ከም ዝስዕብ ነቕርብ።
ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ
1) መሰረታዊ ዝኾነ ማስረጃ ካብ ፌዴራል መረጃን ድሕንነትን ከይመፅእ ከም ዝገበረ ምርዳእ ይከኣል። ፖሊስ ኮሚሽን ትእዛዝ ከም ዘብፀሐ ብፅሑፍ ዋላ ተገለፀ ንፌዴራል መረጃን ድሕንነትን ቢሮ ዘፈረመሉ ቀሪቡዶ? ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ብኣካል ቀሪቡ ንኸረድእ ተኣዚዙ ቀሪቡ ከረድእ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ፖሊስ ኮሚሽን ኣብፂሐ እየ ጥራሕ እምበር መልሲ ከምፅእ ፃዕሪ ኣይገበረን። ካብ ጠበቓታት ኣባላትና ብዝኣከብናዮ ሓበሬታ ናይ ኢትዮጵያ ፌዴራል መረጃን ድሕንነትን ቢሮ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ እንተበፂሕዎ መልሲ ይህብ እዩ። ብፍላይ እዚ ጉዳይ ምንም ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ደረቕ ገበን ምስ ምዃኑ ብትኽክል ትእዛዝ እንተበፂሕዎ መልሲ ከም ዝህብ ዘጠራጥር የብሉን ። መልሲ ፅሒፉ ግን ባዕሉ መልሲ ሒዙ ዘይክቐርብ ይኽእል እዩ ዝብል እዩ። ይኹን እምበር ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ነቲ ትእዛዝ ከም ዘብፀሐ ዘጠራጥር ምዃኑ፣ ኮነ ኢሉ መልሲ ከይቐርብ ኣሻጥር ከም ዝሰርሐ እኹል ምልክታት ኣለው።
2) እታ ኣብ ኢድ መብራህቱ ዝተብሃለ ሰብ ተረኺባ ዝተብሃለት ናይ ዘውዱ ቆፎ ቁፅራ ንኽትረአ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበትን ካብቲ ኣቐዲሙ ብመረዳእታ ዝቐረበ ቁፅሪ ቆፎ ዝተፈለየት ኮይና ከም ዝተረኸበት ጠበቓ ኣብርሃ ኣመላኺቶም። ብኢግዚቢት ዝተሓዝ ንብረት ኣብ ኢድ ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ዝፀንሕ ምስ ምዃኑ ንኣዋርሕ ወይ ዓመታት ኣብ ኢዶም ምስ ፀነሐት ምቕራባ እቲ ኮሚሽን ነታ መጀመርታ ዝተትሓዘት ቆፎ ቀይሩ ካልእ ቆፎ ከቕርብ ዝለዓለ ዕድል ኣሎ። ብናፃን ገለልተኛን ኣካል ስለዘይምራሕ ኣብዚ ኣሻጥር ከም ዝሰርሕ እኹል መጠራጠሪ ምኽንያት ኣሎ። ( ደሓር ክገልፆ እየ)
3) ነቲ ምርመራ ዝመርሐ ፖሊስ መርማሪ ሐዚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣቐዲሙ ዝሃብኩዎ መረዳእታ ( ምስክርነት) ተጋግየ እየ ከም ዝበለ ጠበቓ ኣብርሃ ገሊፁ እዩ። እዚ ፖሊስ መርማሪ ብፀቕጢ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ቃል ክቕይር ከም ዝተገበረ እኹል መበገሲ ምኽንያት ኣሎ።
ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ኢድ ኣእታውነት ከም ዘለዎን፣ ገለልተኛ ከም ዘይኮነን ነቶም ብሕቡእ ዝፍፀሙ ፀቕጢታትን ኣሻጥርን ገዲፍና እዞም ዝስዕቡ ንህዝቢ ግልፂ ዝኾኑ መርትዖታት ክነቕርብ ኢና።
1) እቲ ኮሚሽን ብወላዲን፣ ሰብኣይ ሓፍቲን ተኸሰስቲ ዝኾኑ ኮነሬል ገብረስላሴ ዝምራሕ ስለዝኾነ መሰረታዊ ናይ ጥቕሚ ግጭት ኣሎ ። ብኻልእ ገፅ ኮነሬል ገብረስላሴ ኣብ ከባቢ መቐለ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ክመርሕ ዝፀንሐን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኣብ ምድሓን ጭቡጥ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዝገበረ ፣ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ሓላፊ ምዃኑ ምዝኽኻር ናይቲ ኢድ ኣእታዊነት ክብደት ሚዛን ከርእየና ይኽእል እዩ።።
2) ኣብ ጊዜ ምርመራ እቲ መዝገብ መርመርቲ ፖሊስ በቲ ሽዑ እዋን ነቲ ኮሚሽን ዝመርሕ ካብ ዝነበረ ኮነሬል ገብረስላሴ ምፍርራሕን ፀቕጢን ይብፀሐና ኣሎ ኢሎም ክሳብ ናይ ፅሑፍ ማመልከቻ ምፅሓፍ በፂሖም ነይሮም። እዚ ምፍርራሕ ዝበፅሖ መራሒ ምርመራ ፖሊስ ሽዑ ዝሃቦ መረዳእታ ሐዚ ደጊሙ ዝቐየረሉ ( ዝኸለሰሉ ) ምኽንያት ምስ ወቕታዊ ተፅዕኖ ኮነሬል ገብረስላሴ ኣተኣሳሲርካ እንትረአ ብፀቕጢ ከም ዝቐየረ ዘመላኽት እኹል መበገሲ እዩ።
3) ኣብ ከይዲ ፍርዲ ናዕቢን ዕግርግርን ፈጢሮም ምንባሮም፣ ቤት ፍርዲ ከም ትካል ፀቕጢ ይበፅሐኒ ኣሎ ኢሉ ን1 ሰሙን ተዓፅዩ ምንባሩ ዘይልሙድን ኢድ እቲ ፖለቲካዊ ምትእስሳሩ ከቢድ ዝኾነ ኮነሬል ከም ዘለዎ ግልፂ መርኣያ እዩ።
4) ቢሮ ዓ/ሕጊ ነዚ ጉዳይ ደፊሩ ብምሓዝ ካብ ፌዴራል መረጃን ድሕንነትን መረዳእታ ክቐርብ ባዕሉ ፃዕሪን ስራሕቲን ከም ዘይገበረ ዘመላኽት ነገር ኣለዎ። ፖሊስ ተዘይኣቕሪቡ እንታይ ኣእቲዩኒ ብምባል ፀቕጢታት ምሽካም ሕቖ ዝሰኣነ ምዃኑ የመላኽት።
ብድምሩ ጠበቓ ኣብርሃ መርትዖ ንምዝባዕ ብደገ ኢድ ኣእትዩ ዝብል ጥርጣረ ክሳብ ዘይቀረበ ከም ጠበቓ ስርሑ ክሰርሕ ግድን ስለዝኾነ ምውቃስ ኣይከኣልን። ዝኾነ ካልእ ጠበቓ መፅዩ እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸራኺሩ ተኸሰስቲ ናፃ ንምውፃእ ወይ ቅፅዓት ክቐልል ምክርኻሩ ኣይተርፍን። እንተኾነ ግና እዞም ገበነኛታት ብሰንኪ ፀቕጢን ዝተሰለሐ ኢድ ኣእታዊነት ኮነሬል ገብረስላሴ ናፃ ክወፁ ከም ዝተገበረ ጠበቓ ኣብርሃ ሕልናኻ ፈፂሙ ኣይስሕቶን። ኣቐዲሙ መዝገቡ ስለዘይንፈልጦ ደፊርና ኽዛረብ ተፀጊምና ነይርና። ሐዚ ግን ብርግፅ ብኢድ ኣእታዊነት እዚ በዓል ስልጣን ናፃ ከም ዝወፁ እኹል መበገሲ ከም ዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ኢና። ካብ ጠበቓ ተኸሰስቲ ብዝመፀ ትንተና ከምዚ ምባል ተተኻኢሉ ብፍላይ ብወገን ነዚ መዝገብ ዝሓዘ በዓል ሞያ ዓ/ሕጊ ዝመፅእ ትንተና እንተንሰምዕ ድማ ካብቲ ሐዚ ዝሃብናዮ ሓሳብ ንላዕሊ ዝበለፀ ዘአምን ምኽንያታት ከም ዝህሉ ዘጠራጥር የብሉን።
ፍትሒ ዘይቐሪ እዩ። ዋላ ሐዚ ተረቲዕና ኢሎም ክዕፆ ተገበርዎ ፣ እዋኑ ምስ በፀሐ መዝገብ ዳግም ንኽረአ ንምሕታት ዘኽእሉ ምኽንያታት ኣለው ኢልና ንኣምን። ምስ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 366/2018 ተተሓሒዙ ካብ ሕጋዊ ኣቃውማ እቲ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ።