Da’erona Community A global network

Anrufen Kontaktieren Sie die Organisation

Da’erona Community
A global network Kontaktinformationen, Karte und Wegbeschreibungen, Kontaktformulare, Öffnungszeiten, Dienstleistungen, Bewertungen, Fotos, Videos und Ankündigungen von Da’erona Community
A global network, Gemeinnützige Organisation, Zürich.

Official Facebook Account of Da’erona Community
A global network of Eritrean human rights & political activists in the diaspora, united in advocating for justice, freedom, and fundamental rights in Eritrea

መደብ ኣብ ጉዳይ ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን ጀሚሩ'ሎ በዚ ሊንክ ተጸንበሩና።
27/09/2026

መደብ ኣብ ጉዳይ ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን ጀሚሩ'ሎ በዚ ሊንክ ተጸንበሩና።

ዳዕሮና Eritrean Global Community's Space · 142 listening · Where live audio conversations happen

ምስ እዋናዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሮም ንዝለዓሉ ሕቶታት ብመነጸር ሕግን ፍትሕን ንምግምጋም፡ ብሱልን ህዱእን ዘተ የድልየና። እዚ መድረኽ’ዚ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ብዝግባእ ንምርድእን፡ ኣብ ሓቅን ...
26/09/2026

ምስ እዋናዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሮም ንዝለዓሉ ሕቶታት ብመነጸር ሕግን ፍትሕን ንምግምጋም፡ ብሱልን ህዱእን ዘተ የድልየና። እዚ መድረኽ’ዚ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ብዝግባእ ንምርድእን፡ ኣብ ሓቅን ፍትሓዊ መስርሕን ዝተመርኮሰ ሓበሬታ ንምስፋሕን ዝዓለመ እዩ።
ነዚ ጉዳይ ብዓሙቕ ዝድህስሱልና ፍሉያት ዕዱማት ኣጋይሽናን ተንተንትን ብምክታል፡ ናይ ባዕልኹም ሓሳባትን ሕቶታትን ክተቕርቡ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕዱማትን፦
• ዶ/ር ዮናታን ጽጌ
• ሄኖክ ተኽለ ዳኒኤል ተኽላይ ካብ ጀርመን
📅 መዓልቲ፦ ሰንበት፣ 27 መስከረም 2026
⏰ ሰዓት፦ 20:00 (ሰዓት በርሊን)
📍 ቦታ፦ X Space Daerona

መኣዲ ዘተ ዳዕሮና (Daerona Community X Space) ኣርእስቲ፦ ካብ ቁጥዐን ተቓውሞን ናብ ፖለቲካዊ ሓይሊፖለቲካ ምፍላጥ፣ ውዳበ ምህናጽን፣ ራኢ ምንጻርን ከም ስትራተጂቁጥዐን ተቓው...
23/09/2026

መኣዲ ዘተ ዳዕሮና (Daerona Community X Space)

ኣርእስቲ፦ ካብ ቁጥዐን ተቓውሞን ናብ ፖለቲካዊ ሓይሊ
ፖለቲካ ምፍላጥ፣ ውዳበ ምህናጽን፣ ራኢ ምንጻርን ከም ስትራተጂ

ቁጥዐን ተቓውሞን ጥራይ ናብ ዝደለናዮ ፖለቲካዊ ለውጢ የብጽሓና”ዶ? ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምፍጣርን ውዱብ ቃልሲ ንምግህድን እንታይ ዓይነት ስትራተጂያዊ ስጉምትታት ክንወስድ ኣለና?
ኣብዚ ህዝቢ ዘለዎ ፍልልያት ኣወሃሂዱ ናብ ውዱብ ሓይሊ ክቕይረሉ ኣብ ዝኽእል መድረኽ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስትራተጂ፣ ህንጸት ውዳበን መጻኢ ኤርትራን ብዕምቆት ዝዘተየሉ ፍሉይ መደብ ኣዳሊናዮ ኣለና።

ጋሻና፦ መርሃዊ ወልደሚካኤል
(ጸሓፊ፡ ፖለቲከኛን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ብማስተርስ ደረጃ ዘጽንዐን)

📅 ቀዳም፡ 26 መስከረም 2026
(Saturday, 26 September 2026)
⏰ ሰዓት፦ 20:00 (ናይ በርሊን ሰዓት / Berlin Time)
📍 Daerona X Space []

የቐንየልና! 💙ንኣባላት ዳዕሮናን ንዅሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2019 ግእዝ! 🌼እዚ ሓዲሽ ዓመት፡ ዓመት ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ጥዕናን ዓወትን ይኹነልና። ሓድነትና ዝድል...
12/09/2026

የቐንየልና! 💙

ንኣባላት ዳዕሮናን ንዅሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2019 ግእዝ! 🌼

እዚ ሓዲሽ ዓመት፡ ዓመት ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ጥዕናን ዓወትን ይኹነልና። ሓድነትና ዝድልድለሉ፡ ጽንዓትና ዝብርትዓሉ፡ ፍትሒ ዝዕምብበሉን ተስፋታትና ዝግሃደሉን ዓመት ክኸውን ንምነ። ነቶም ኣብ ስደት፡ ማእሰርትን ከቢድ ኩነታትን ዘለዉ ወገናትና፡ ዓመት እፎይታ፡ ሓርነትን ምስ ስድራቤቶም ዝራኸቡሉን ይግበረሎም።

ብሓድነትን ብተስፋን፡ ናብ ዝሓሸ መጻኢ!

ዳዕሮና ኮሚኒቲ

መደብ ምስ ኣባ ሙሴ ጀሚሩ”ሎ ተጸንበሩና።
08/09/2026

መደብ ምስ ኣባ ሙሴ ጀሚሩ”ሎ ተጸንበሩና።

ብቐጥታ ኣብ DAERONA X SPACEምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ካህን ፍሉይ ቃለ መሕትት ክንገብር ኢና። ብዛዕባ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ስቓይን ብድሆታትን፣ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መሰላት፣ ክብሪን ፍትሕ...
07/09/2026

ብቐጥታ ኣብ DAERONA X SPACE

ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ካህን ፍሉይ ቃለ መሕትት ክንገብር ኢና። ብዛዕባ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ስቓይን ብድሆታትን፣ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ መሰላት፣ ክብሪን ፍትሕን ንምክልኻል ዘለና ሓባራዊ ሓላፍነት ክንዝቲ ኢና።

📅 ሰሉስ፡ 8 መስከረም 2026
⏰ 20:00–22:00 ብሰዓት በርሊን
📍 ብቐጥታ ኣብ X Space

“ስለቶም ክዛረቡ ዘይክእሉን፣ ስለ መሰል ኵሎም ድኻታትን ድምጽኻ ኣስምዕ።” ምሳሌ 31፡8

“🇨🇭 ካብ ታሪኽ ስዊዘርላንድ ኤርትራ እንታይ ክትመሃር ትኽእል”? ስዊዘርላንድ ሎሚ ኣብ ዓለም ብርግኣት፣ ብፌደራላዊ ስርዓትን ብቀጥታዊ ዲሞክራስን እትፍለጥ ሃገር እያ። እንተኾነ ግን፣ ናብዚ...
03/09/2026

“🇨🇭 ካብ ታሪኽ ስዊዘርላንድ ኤርትራ እንታይ ክትመሃር ትኽእል”?

ስዊዘርላንድ ሎሚ ኣብ ዓለም ብርግኣት፣ ብፌደራላዊ ስርዓትን ብቀጥታዊ ዲሞክራስን እትፍለጥ ሃገር እያ። እንተኾነ ግን፣ ናብዚ ደረጃ ብሓደ መዓልቲ ኣይበጽሐትን።
ኣብ 1291 ኡሪ፣ ሽቪዝን ኡንተርቫልደንን ዝተባህሉ ሰለስተ ከባቢታት፣ ንናጽነቶምን ንሓባራዊ ድሕነቶምን ንምሕላው ተሰማሚዖም ሕብረት መስረቱ። ድሕሪኡ ካልኦት ከባቢታት እናተጸንበሩ፣ እቲ ሕብረት በብቑሩብ ዓበየ።
እዚ መስርሕ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ስዊዘርላንዳውያን ብሃይማኖት፣ ብቋንቋ፣ ብከባቢን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ፍልልያት ነይርዎም። ኣብ መንጎኦም ከቢድ ግጭታት እውን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን፣ ፍልልያቶም ንሃገሮም ክበታትን ኣብ ክንዲ ዝፈቐዱ፣ ብሕጊን ብስምምዕን ብሓባር ዝነብሩሉ ስርዓት ክሃንጹ መረጹ።ኣብ 1848 ፌደራላዊ ቅዋም ተቐቢሎም። ካንቶናት ናይ ገዛእ ርእሰን ስልጣንን መንነትን እናዓቀባ፣ ኣብ ሓደ ፌደራላዊ ስርዓት ተኣሳሰራ። ሎሚ 26 ካንቶናት፣ ኣርባዕተ ሃገራዊ ቋንቋታትን ዝተፈላለዩ ባህልታትን ዘለዋ ስዊዘርላንድ፣ ሓንቲ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ።

“ኤርትራኸ፣

ኤርትራ እውን ብቋንቋ፣ ብባህሊ፣ ብሃይማኖትን ብከባቢን ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ብዙሕነት ግን ድኽመት ክኸውን ኣይግባእን፤ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል።
እቲ ትምህርቲ ካብ ስዊዘርላንድ፣ ኤርትራ ቅዳሕ ስዊዘርላንድ ክትከውን ኣለዋ ማለት ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናታ ታሪኽን ኩነታትን ኣለዋ። ግን ፍልልይ እናሃለወ ሓድነት፣ ስልጣን ብሕጊ ምድራት፣ መሰል ዜጋታት ምኽባር፣ ከባቢታት ድምጸን ክህልወን ምግባርን ፖለቲካዊ ፍልልይ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕን ኣገደስቲ ትምህርትታት እዮም።
ኤርትራውያን ኩላትና ሓደ ሓሳብ ክህልወና ኣየድልን። ፍልልይ ክህልወና ባህርያዊ እዩ። እቲ ወሳኒ፣ ብፍልልይና ከይተበታተንና፣ ብሕጊ፣ ብማዕርነት፣ ብምክብባርን ብሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን ክንነብር ዘኽእለና ስርዓት ምህናጽ እዩ።

ሓድነት ማለት ኩላትና ሓደ ክንከውን ኣይኮነን።
ሓድነት ማለት፣ ዝተፈላለና ኮይንና ብሓባር ሃገር ምህናጽ እዩ።

ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘድልዮ ዘሎ መፍትሒታት፡ ከምኡ’ውን ምስ Team Freedom ብሓባር ክግበሩ ኣብ ዝኽእሉ ናይ ቃልሲ ስጉምትታትን መደባትን ዘተኮረ ናይ X Space መኣዲ ዘ...
03/09/2026

ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘድልዮ ዘሎ መፍትሒታት፡ ከምኡ’ውን ምስ Team Freedom ብሓባር ክግበሩ ኣብ ዝኽእሉ ናይ ቃልሲ ስጉምትታትን መደባትን ዘተኮረ ናይ X Space መኣዲ ዘተ።

ፍትሒ ንኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት!ኣብ ሊብያ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ግፋ፡ ምግፋዕን ንግዲ ደቂ-ሰባትን ይሳቐዩ ኣለው። ነዚ ግፊዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል...
31/08/2026

ፍትሒ ንኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት!
ኣብ ሊብያ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ግፋ፡ ምግፋዕን ንግዲ ደቂ-ሰባትን ይሳቐዩ ኣለው። ነዚ ግፊዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ስሱዕ ተግባራትን ብሓደ ኮይና ክንቃወሞ፡ ክነቃልሖን ፍትሒ ክንሓትትን ግዜኡ ሕጂ እዩ!
ዕለት: 02.09.2026 (ረቡዕ)
ሰዓት: 19:00 (ብሰዓት በርሊን) / Berlin Time
ቦታ: Daerona X Space (LIVE)

ብዛዕባ "ህሉው ኩነታት ቃልስናን ሃገርናን" ምስ ኣቦ መንበር ግሎባል ይኣክል ዳዊት ዘርእዝጊ ዝግበር ህዝባዊ ዘተ።🗓 ዕለት: 27/08/2026⏰ ሰዓት: 19:00 Berlin Time📡 Daero...
26/08/2026

ብዛዕባ "ህሉው ኩነታት ቃልስናን ሃገርናን" ምስ ኣቦ መንበር ግሎባል ይኣክል ዳዊት ዘርእዝጊ ዝግበር ህዝባዊ ዘተ።
🗓 ዕለት: 27/08/2026
⏰ ሰዓት: 19:00 Berlin Time
📡 Daerona X Space ()

Adresse

Zürich

Telefon

+41789616931

Website

Benachrichtigungen

Erfahren Sie als Erste/r von Neuigkeiten und Aktionen: Wir schicken Ihnen eine E-Mail, wenn Da’erona Community A global network etwas veröffentlicht. Ihre E-Mail-Adresse wird für keinen anderen Zweck verwendet, und Sie können sich jederzeit abmelden.

Kontaktieren Sie Die Organisation

Nachricht an Da’erona Community A global network senden:

Verknüpfungen

Teilen