Eritrean Artist Legacy Association - EALA

Eritrean Artist Legacy Association - EALA Eritrean Artist Legacy Association (EALA)
A non-profit, independent initiative based in Switzerland.

ሰላም ንዓኹም ፍቱዋት - ኣሕዋትን ኣሓትን!ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዕማምና ብግቡእ ይሰላሰል ኣሎ'ዩ። ንሎሚ ሓንቲ ካብቲ ብዙሕ ዝመጸና ናይ ምጉብዕባዕ ጽሑፋት ክነካፍለኩም።Tigray hackers...
24/03/2026

ሰላም ንዓኹም ፍቱዋት - ኣሕዋትን ኣሓትን!

ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዕማምና ብግቡእ ይሰላሰል ኣሎ'ዩ።
ንሎሚ ሓንቲ ካብቲ ብዙሕ ዝመጸና ናይ ምጉብዕባዕ ጽሑፋት ክነካፍለኩም።

Tigray hackers group እዩ ዝባሃል እቲ ቻነል ፡ ኣትይዎ ዘሎ ጉዳይ ብግቡእ ዝተረድኦ ኣይመስለናን።

በዚ ኣጋጣሚ ካብ ኣባላት ማሕበርና ብውልቁ ዝኸስርን ዝኸስብን ውልቀ ሰብ ከምዘየለ ከነፍልጦ ንፈቱ። ምናልባት ሓደ ንኣብነት ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክኾነና ይኽእል'ዩ ፡ ርዝነትን ዓቕምን ናይዚ ማሕበር ናይ ማስሜድያ ቀርሰንቲ ንኽርድእዎ ድማ እዚ ግለሰብ እኹል ኣብነት ክኸውን ስለዝኽእል ፡ ሓንቲ ናይ ካውንተር ኖቲፊኬሽን ክልእኸልና'ሞ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ክንሰጋገር እዩ ዘሎ መደብና።

ንዝቕጽል ከነፍልጠኩም ኢና።

ሰናይ ምሸት!

ሰላም ንዓኹም ዝተኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ፡ ኣኣብዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ንምነየልኩም።ብምቕጻል - እዘን ዝስዕባ ቻነላት ግዳያት ናይ ምውጋድ (termination) ክኾና ብወነንተን ዝተፈር...
22/03/2026

ሰላም ንዓኹም ዝተኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ፡ ኣኣብዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ንምነየልኩም።

ብምቕጻል - እዘን ዝስዕባ ቻነላት ግዳያት ናይ ምውጋድ (termination) ክኾና ብወነንተን ዝተፈርዳ'የን።
ብተደጋጋሚ ንዝሃብናዮ ሓልዮታውን ሓላፍነታውን መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ፡ ኣዝዩ ብዘሕፍር መልክዑ ቅርሲ ናይ ኣርካናት ስነጥበበኛታት ኤርትራ ብ AI እናሰንዑ ክጽዕንዎ ጸኒሖም'ዮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣካል ናይ ዕላማናን ተልእኾናን ዝኾነ ኣብ ዩቱብ ኮነ ካልእ ፕላትፎርምታት ብንሰዶ ናይ ምውራድ ክሲ እዘን ኣብዚ ስእሊ ተኻቲተን ዘለዋ ቻነላትን ካልኦት ንኡሳን ቻነላትን ካብ ዩቱብ ክውገዳን ክእገዳን እየን።

ክሳብ ምሉእ ንቕሓትን ምክብባርን ዝሰፍን ኣበርቲዕና ክንቅጽል ኢና።

ስነጥበበኛታት ኮነ ቤተሰቦም ብኸምዚ ምቕዳሕ ዝተበደልኩም በዚ ዝስዕብ ኢመይል ትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም - [email protected]

ሰላም ንዓኹም ቤተሰብ ጥበብ ኤርትራ።እዘን ሰለስተ ቻነላት ኣብ ከይዲ ካብ ዩቱብ ምእጋድ (termination) ዘለዋ እየን።ብውሽጢ መስመር ንእትህቡና ሓበሬታን ጥቆማታትን ኣዚና ነመስግን።ቅዱ...
15/03/2026

ሰላም ንዓኹም ቤተሰብ ጥበብ ኤርትራ።

እዘን ሰለስተ ቻነላት ኣብ ከይዲ ካብ ዩቱብ ምእጋድ (termination) ዘለዋ እየን።

ብውሽጢ መስመር ንእትህቡና ሓበሬታን ጥቆማታትን ኣዚና ነመስግን።

ቅዱስ ሰንበት!

10/03/2026

ሰላም ንኩልኹም ደገፍቲ እዚተበግሶን ማሕበረሰብ ስነጥበብን።
ኣዝዩ ግዙፍ ወፍሪ እዩ ቀንዩና ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሚይዝያ ሓድሽ ማዕበል ምውራድ ቻነላት ክህሉ እዩ። ከምቲ ልሙድ ተራ ኮፒ ራይት ስትራይክ ጥራይ ዘይኮነ ብቐጥታ ካብ ዘርጋሕቲ ፕላትፎርምስ'ውን ምምሓው ክህሉ'ዩ።
ዓቕልን ጻዕርን ዝሓትት ምዃኑ ንፈልጥ ፍሪኡ ግን ንኹልና ዘደስት'ዩ።

ሰናይ ቅነ!

Check it now, red sea covers is officialy down!ገና እዩ እቲ ጉዕዞ ፡ በብእብረ ክንበጽሐን ምዃንና ርግጸኛታት ኢና።
05/03/2026

Check it now, red sea covers is officialy down!

ገና እዩ እቲ ጉዕዞ ፡ በብእብረ ክንበጽሐን ምዃንና ርግጸኛታት ኢና።

Red Sea Covers celebrates the heart of Eritrean music. From classic Tigrinya melodies to modern creative sounds, we bring you a rich blend of originals, remixes, and cultural rhythms. Whether it’s the echo of the krar or today’s energetic beats, our mission is to keep the spirit of Eritrean musi...

ሰላም ንዓኹም ቤተሰብና!ልዕሊ 50 ዝኾኑ ፍረ ስነጥበብ ኤርትራና ዝኾኑ ብዘይ ፍቓድ ዝተዘርግሑ ደርፍታት ኣብ ውሽጢሓጺርመዓልታት ከነውርዶም ከለና ፡ ብዙሓት ብ AI ዝዓበያ ግን ከኣ ብናይ ባ...
04/03/2026

ሰላም ንዓኹም ቤተሰብና!

ልዕሊ 50 ዝኾኑ ፍረ ስነጥበብ ኤርትራና ዝኾኑ ብዘይ ፍቓድ ዝተዘርግሑ ደርፍታት ኣብ ውሽጢሓጺርመዓልታት ከነውርዶም ከለና ፡ ብዙሓት ብ AI ዝዓበያ ግን ከኣ ብናይ ባዕለን ፍርያት ዘይኮነ ብስርቅ ዝሰውዳ ገለን ዓቢ ትምህርቲ ክቐስማን ክእረማን ከለዋ ፡ እተን ኣዝየን ዘኽፍኣ ክሳብ ከባቢ ሚልዮን ዝርኣየለን ዝነበራ ድማ ፡ ዩቱብ ብዝወሰደለን ስጉምቲ ካብ ዕለት 05 መጋቢት ጀሚረን ክዕጸዋ እየን። ሓንቲ ካብአን Red sea covers እያ

https://youtube.com/?si=u1liWYyDLo7--Ev0

ካብ 60 ደርፍታት ናብ ዜሮ - ካብ ዜሮ ናብ ዘይምህላው።

ብሕጂ'ውን ክንምሕጸኖ ንፈቱ እዚ ስጉምትታት ብዝሓየለን ብዝተወደበን መልክዑ ክቕጽል ስለ ዝኾነ ወነንቲ ዓበይትን ንኣሽቱን ቻነላት ናይ ባዕልኹም ዋንነት ስራሓት ጥራይ ዘርግሑ።

ንኣፍልጦ - ናይ ቀደም ደርፍታት ዋናታት ኣለዉዎም ፡ እቶም ዋናታት እንተዘይፈቒዶም ብጠቕላላ ካብ ዩቱብ ኮነ ካልእ መርበባት ክእለዩ ይኽእሉ'ዮም። ስለዚ ሕጋዊ እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ስልክታትኩም ጽዒንኩም ክትዘናግዑሎም ይከኣል'ዩ ፡ ኣብ ዩቱብን ካልእ መርበባትን ዘርጊሕኩም ምንጪ ኣታዊ ክትገብርዎ ግን ሓጥያትን ገበንን'ዩ። ስለ ዝፈትዎ ወይ ሰብ ስለ ዝፈትዎ ዝብል ኣጉል ምስምስ ደጊም ኣይክሰርሕን'ዩ ፡ እቶም ወግዓውያን ወኪላት ናይ ስነጥበበኛታት ብዝኸፈትዎ ቻነላት ብ መብቆላዊ መልክዑ ክተስተማቕርዎ ሰናይ'ዩ።

ወነንቲ ዘውጽዎም ቻነላት ካብ ጽባሕ ምፍላጥ ክንጅምር ኢና ፡ ሳብስክራይብ ጌርና ንምትብባዕ ንዳሎ ፡ ብወገንና ድማ ኣብ ምሕጋዞም እጃምና ክንዋጻእ ኢና።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ወለንታውያን ኣባላትና ከነብዝሕን ምርጫ ክንገብርን ኢና ፡ ድሕሪኡ ሕጋዊ ቁመናና ናብ ህዝቢ ግልጺ ክንገብሮ ኢና።

ተሓታትነትን ተጸዋዕነትን ከም ማሕበር ንማሕበር ኮይኑ ፡ ኣብ ፍቓድን ፍታውን ሰብ ንብረት ዝተመርኮሰ ሕጋዊ መገዲ እዩ ክህልወና።

Red Sea Covers celebrates the heart of Eritrean music. From classic Tigrinya melodies to modern creative sounds, we bring you a rich blend of originals, remixes, and cultural rhythms. Whether it’s the echo of the krar or today’s energetic beats, our mission is to keep the spirit of Eritrean musi...

ዝኸበርካ ድምጻዊ ሚልዮን እሸቱ ፡ ብ AI ዝተመስርሐ ናይ በሃር ስነጥበበኛ መሓሪ ኣብራሃ ብመገዲ distrokid ብምዝርጋሕካ ዝተሰማዓና ጓሂ ክምገልጸካ ንፈቱ።ከም ሓደ ኣብ ስነጥበብ ዓቕሙ ...
01/03/2026

ዝኸበርካ ድምጻዊ ሚልዮን እሸቱ ፡ ብ AI ዝተመስርሐ
ናይ በሃር ስነጥበበኛ መሓሪ ኣብራሃ ብመገዲ distrokid ብምዝርጋሕካ ዝተሰማዓና ጓሂ ክምገልጸካ ንፈቱ።

ከም ሓደ ኣብ ስነጥበብ ዓቕሙ ዘበርከተ ግለ ሰብ - ን ኤርትራዊ ሙዚቃ ክብሪ ክትህብን ኣብ ጎንና ኮይንካ ክትጣበቕን እናተገብአ ናይ ሰነፋት ስራሕ ኣካል እቶም ቀዳሕቲ ምዃንካ ኣዝዩ የሕዝን።

ሕጂ'ውን ማይ ኣይሓለፎን ናይ ባዕልኻ ስራሓት ንዓኻ እኹላትን ንብረት ሓላልን ስለ ዝኾኑ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክትቁጠብ ብመገዲ መሳርሕትኻ ክንመኽረካ ኢና።

ዘለካ ዕድል ሓደ መዓልቲ'ዩ ፡ ብዝተረፈ ምስ ስድራቤት ስነጥበበኛ ብምርድዳእ ኣካል ጨመተ ናይቲ ንገብሮ ዘለና ወፈራ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

28/02/2026
Red sea covers ዝብል ኣካውንት'ውን ኣሰር zemenawi zema ስዒቡ ኣሎ።እዚ ዝካየድ ዘሎ ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ፡ ኣብ ሕግን ፍትሓውነትን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ብዝኾነ ተኣምር ...
28/02/2026

Red sea covers ዝብል ኣካውንት'ውን ኣሰር zemenawi zema ስዒቡ ኣሎ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ፡ ኣብ ሕግን ፍትሓውነትን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ብዝኾነ ተኣምር ንድሕሪት ኣይክምለስን'ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንሕብረተሰብና ከነበስሮ ንደልዮ ነገር እንተልዩ ፡ ኣብ ቲክቶክ ኮነ ፌስቡክ ዝርከብ ቅዳሓት'ውን ፡ ዩቱብ ድሕሪ ምጽራይና ክንጅምሮ ምዃንና ቃል ንኣቱ ፡ ክንገብሮ ኢና ድማ!

ሕጂ እዚ ብ red sea covers ዝፍለጥ ቻነል ፡ ቻነለይ ከይከስር በጃኻትኩም እቲ ስትራይክ ሪትራክት ግበሩለይ ይብል ኣሎ ፡ እንተኾነ ንሕና ዘለና ሓላፍነት ኣዝዩ ውሱን'ዩ ፡ ንሱ ድማ ኮፒ ራይት ምስዳድ ጥራይ።

ሪትራክት ምግባር ብፍቓድ ናይ ጥበበኛታት ወይ ቤተሰቦም ጥራይ እዩ ክፍቀድ ዝኽእል።

እቲ ኮፒ ራይት ምስዳድ'ውን ብፍቓዶም ስለ ዝነበረ።

ከም ማሕበር መጠን ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ከነሕልፋ ንኽእል መልእኽቲ ፡ ንቤተሰብ ወይ'ውን ጥበበኛታት ባዕሎም ብምርካብ ስምምዕ ጌሮም ሕጋዊ ናይ ሪትራክት ፍቓድ ከምጹልና'ዩ።

ንሕና ሞንጎኛ ክንከውን ኣይንደልን ፡ ሕግና'ውን ኣይፈቕደልናን። ቤተሰብን ጥበበኛታትን እንተፈቒዶም ግን ተኣዘዝቲ ኢና።

ብዉሑዱ ዝግብኦም ክብሪ ከምኡ'ውን ካሕሳ ይረኽቡ። እዚ ንወነንቲ ጥራይ'ዩ ዝምልከት ፡ ንሕና ሕጋዊ ፍቓድ ዝተዋህበና ናይ ዲጂታል ሜድያ ኤርትራዊ ስርሓት ተጣበቕቲ ጥራይ ኢና።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ዓበይትን ንኣሽቱን ሜድያታት ኣብ መንጽር ጨመተና ኣትየን ዘለዋ ናባኹም ከነብለን ኢና።

ሰናይ ዕረፍቲ ንምነየልኩም!

Zemenawi Zema ትብል ቻነል ብብዝሒ AI ብምዝርጋሕ ትፍለጥ ሕጂ ክልተ ናይ ባዕላ ፍርያት ዝኾና ስርሓት ጥራይ ሒዛ ተሪፋ ኣላ።ብ AI ሙዚቃ መስሪሕካ ምዝርጋሕ ወላ'ኳ ንስምዒት ኣስተማ...
28/02/2026

Zemenawi Zema ትብል ቻነል ብብዝሒ AI ብምዝርጋሕ ትፍለጥ ሕጂ ክልተ ናይ ባዕላ ፍርያት ዝኾና ስርሓት ጥራይ ሒዛ ተሪፋ ኣላ።
ብ AI ሙዚቃ መስሪሕካ ምዝርጋሕ ወላ'ኳ ንስምዒት ኣስተማቐርቲ ዘይምጥን እንተኾነ ፡ ናይ ባዕልኻ ግጥምን ዜማን ወይ AI Generated እንተኾይኑ ዝጻብኣካ የብልካን።

ናይ ካልእ ሰብ ስራሕ ብኢደ ዋኒንካ መስሪሕካ ምጽዓን ግን ቻነልካ እውን ከስእነካ ይኽእል'ዩ።

ዝቕጽል ቻነል red sea covers እዩ ክኸውን። 32 ቪድዮታት ጽዒኑ ኣሎ ክንደይ ከም ዝተርፎ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክንርእዮ ኢና። ዕቱብ መጠንቀቕታ ተሰዲድሉ እዩ ሕጂ ናብ ስጉምቲ ንኣቱ ኣለና።

እዚ ዋና ቻነል ብ ኢመይል ኣብ ንገብሮ ዘለና ዝርርብ ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኮፒራይት ዝተሃርሞ ስርሓት ንሱ ክድምስሶ ንሕና'ውን ሪትራክት ክንገብር'ሞ ቻነሉ ገንዘብ ምእታዋ ክትቅጽል ተማሕጺንና።ይ...
27/02/2026

እዚ ዋና ቻነል ብ ኢመይል ኣብ ንገብሮ ዘለና ዝርርብ ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኮፒራይት ዝተሃርሞ ስርሓት ንሱ ክድምስሶ ንሕና'ውን ሪትራክት ክንገብር'ሞ ቻነሉ ገንዘብ ምእታዋ ክትቅጽል ተማሕጺንና።
ይኹን'ምበር ድሒሮም ዝረኸቡና ካልኦት ቤተሰብ ስነጥበበኛታት'ውን ገና ኣብ ቻነሉ ተጻዒኑ ኣሎ።
ስለዚ ቅድሚ ነቲ ስርሓት ካብ ቻነሉ ምእላይና ፡ ዘውረዶ ሃስያን ዝመዝመዞ ውርስን ክትዕዘቡ ኣብዚ ሊንክ እተዉ።

Red Sea Covers celebrates the heart of Eritrean music. From classic Tigrinya melodies to modern creative sounds, we bring you a rich blend of originals, remixes, and cultural rhythms. Whether it’s the echo of the krar or today’s energetic beats, our mission is to keep the spirit of Eritrean musi...

Adresse

Bern

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Eritrean Artist Legacy Association - EALA erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Teilen